ዓውደ-ኣዋርሕ 2011 ብዛዕባ ኣምልኾ ስድራቤት ተጕልሕ
ፍረ-ነገር ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2011፡ ኣምልኾ ስድራቤት ዚብል እዩ። እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ብዛዕባ ኣብ ዘመንና ዘለዋን ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራን ስድራቤታት ይገልጽ። ብዘይካዚ፡ ምርዑዋት መጻምድትን ንጽል ዝዀኑን ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ቃል ኣምላኽ ከጽንዑ ኸለዉ እውን የርኢ እዩ።
ኣብቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ዝወጹ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሕጊ የሆዋ ባህ ይብሎም ነበረ፣ እዚ ኸኣ ንዜጋጥሞም ዝነበረ ፍሉይ ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ሓጊዝዎም እዩ። (መዝ. 1:2, 3) ንነፍሲ ወከፍ ስእሊ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ስድራቤትና ብዙሓት ይኹኑ ሒደት፡ ወይ ከኣ መንፈሳዊ ሓድነት ዘለዎም ይኹኑ ዘይብሎም ብዘየገድስ፡ ኣምልኾ ስድራቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ኽንዘኻኸር ኢና። ኣብቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ንስድራቤት ኣምልኾ ዝመደብካያ መዓልቲ ኸተመልክተሉ እትኽእል ቦታ ኣሎ። እሞኸ ኣመልኪትካሉዶ፧