ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/11 ገጽ 1
  • “ለዋሃት” ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ለዋሃት” ኩኑ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርሕሩሕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ብለውሃት እትደናገጹ ኩኑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • የሆዋ ብድንጋጽ ኢዩ ዝመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 7/11 ገጽ 1

“ለዋሃት” ኩኑ

1. ሎሚ፡ ሰባት ኣዝዩ ዜድልዮም ነገር እንታይ እዩ፧

1 ኣብ ታሪኽ ንብዙሓት ሰባት ከም ሎሚ ገይሩ ለውሃት ወይ ርሕራሐ ዝመልኦ ደገፍ ኣድልይዎም ኣይፈልጥን። እቲ እናበኣሰ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም፡ ጓህን ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ። ሚልዮናት ሰባት ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ፣ ንሕና ኸኣ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ንብጾትና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 22:39፣ ገላ. 6:10) እሞኸ ተገዳስነትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

2. ርሕራሐ ኸነንጸባርቕ እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

2 ርሕራሐ ዜንጸባርቕ ዕዮ፦ ናይ ሓቅን ነባርን መጸናንዒ ኽንረክብ እንኽእል ካብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። (2 ቈረ. 1:3, 4) የሆዋ ንሕና እውን ከምኡ “ለዋሃት” ክንከውን የተባብዓና እዩ፣ ንብጾትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ድማ መዚዙና ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:8) ኣብዚ ዕዮ እዚ ብንጥፈት ምስ እንሳተፍ፡ “ንስቡራት ልቢ” ብዝበለጸ መገዲ ኸነጸናንዖም ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ኽትኰኖም እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ። (ኢሳ. 61:1) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ በቲ ንህዝቡ ዘለዎ ርሕራሐ ተደሪኹ፡ እከይ ኬጥፍእን ሓዳስ ዓለም ኪምስርትን እዩ።​—2 ጴጥ. 3:13።

3. ንሰባት ከምቲ የሱስ ዝርእዮም ዝነበረ ጌርና ኽንርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ብዛዕባ ሰባት ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃልኹም፦ የሱስ ንህዝቢ ኺሰብኽ ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ንሰባት ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ኣይኰነን ዚርእዮም ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮ ይሓስብ ነበረ። እቶም ህዝቢ፡ ዚመርሐን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ እዮም ነይሮም። የሱስ ድማ በቲ ዝረኣዮ ነገር ስለ ዝጐሃየ፡ ብትዕግስቲ መሃሮም። (ማር. 6:34) ብዛዕባ ሰባት ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ምስ ዚህልወና፡ ንኻልኦት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ናይ ሓቂ ርሕራሐ ንኸነርእዮም ክንድረኽ ኢና። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣዘራርባናን ኣብ ገጽና ኣብ ዚንበብ መግለጺታትን ኪርአ እዩ። ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኢና፣ ቃላትና ኸኣ ንኻልኦት ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን እዩ።​—1 ቈረ. 9:19-23።

4. ለውሃት ክንለብስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ካብ ኵሎም ህዝብታት እተኣከቡ ብዙሓት ሰብ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ኻልኦት ዘርኣይዎም ዜጸናንዕ ተገዳስነትን ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ኣለዉ። ለውሃት ምስ እንለብስ፡ ነቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ኸነኽብሮን ከነሐጕሶን ኢና።​—ቈሎ. 3:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ