ሳጹን ሕቶ
◼ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ክንጽሊ ይግብኣና ድዩ፧
ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ምጅማርን ምዕጻውን፡ ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ። ብጸሎት ኣቢልና፡ የሆዋ ንመጽናዕትና ብመንፈስ ቅዱሱ ኺመርሖ ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 11:13) ብዘይካዚ፡ ጸሎት ምቕራብና፡ እቲ ተመሃራይ ንርዝነት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርዳእን ብኸመይ ኪጽሊ ኸም ዚኽእል ንኺመሃርን ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ። (ሉቃ. 6:40) ስለዚ፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ነቲ መጽናዕቲ ብጸሎት ጀሚርና ብጸሎት እንተ ዓጸናዮ ይሓይሽ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ኪፈላለ ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንና መጽናዕቲ ኽንመርሕ ከለና ኽንጽሊ እንተ ዄንና ኣብ ምውሳን፡ ምስትውዓል ክንጥቀም ኣሎና።
ሓደ ኻብቲ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ኣገዳሲ ረቛሒ፡ እቲ እነጽንዓሉ ቦታ እዩ። እቲ እነጽንዓሉ ቦታ ብሕትው ዝበለ እንተ ዀይኑ፡ ንመጽናዕትና ብጥበባዊ መገዲ ብጸሎት ክንጅምሮን ክንዓጽዎን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብ ወይ ከኣ ነቲ ተመሃራይ ዜሰክፍ እንተ ዀይኑ፡ ብዝያዳ ብሕትው ኣብ ዝበለ ቦታ ዄንና ኸነጽንዕ ክሳዕ እንጅምር፡ እንተ ዘይጸለና ይሓይሽ። እቲ እነጽንዓሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ጸሎት መዓስ ከም እንጅምር ብምስትውዓል ክንሓስበሉ ኣሎና።—ኣብ ናይ መጋቢት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 4 ርአ።