ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/11 ገጽ 3
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን ምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ‘ንስኻትኩም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 9/11 ገጽ 3

ሳጹን ሕቶ

◼ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ክንጽሊ ይግብኣና ድዩ፧

ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ምጅማርን ምዕጻውን፡ ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ። ብጸሎት ኣቢልና፡ የሆዋ ንመጽናዕትና ብመንፈስ ቅዱሱ ኺመርሖ ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 11:13) ብዘይካዚ፡ ጸሎት ምቕራብና፡ እቲ ተመሃራይ ንርዝነት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርዳእን ብኸመይ ኪጽሊ ኸም ዚኽእል ንኺመሃርን ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ። (ሉቃ. 6:40) ስለዚ፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ነቲ መጽናዕቲ ብጸሎት ጀሚርና ብጸሎት እንተ ዓጸናዮ ይሓይሽ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ኪፈላለ ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዄንና መጽናዕቲ ኽንመርሕ ከለና ኽንጽሊ እንተ ዄንና ኣብ ምውሳን፡ ምስትውዓል ክንጥቀም ኣሎና።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ኣገዳሲ ረቛሒ፡ እቲ እነጽንዓሉ ቦታ እዩ። እቲ እነጽንዓሉ ቦታ ብሕትው ዝበለ እንተ ዀይኑ፡ ንመጽናዕትና ብጥበባዊ መገዲ ብጸሎት ክንጅምሮን ክንዓጽዎን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብ ወይ ከኣ ነቲ ተመሃራይ ዜሰክፍ እንተ ዀይኑ፡ ብዝያዳ ብሕትው ኣብ ዝበለ ቦታ ዄንና ኸነጽንዕ ክሳዕ እንጅምር፡ እንተ ዘይጸለና ይሓይሽ። እቲ እነጽንዓሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ጸሎት መዓስ ከም እንጅምር ብምስትውዓል ክንሓስበሉ ኣሎና።​—ኣብ ናይ መጋቢት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 4 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ