ንፉዕ መምህር ንምዃን ዜድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ
1. ንፉዕ መምህር ንምዃን ዜድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ እንታይ እዩ፧
1 ሓደ ሰብ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧ ዓለማዊ ትምህርቲ፡ ተመክሮ፡ ወይ ባህርያዊ ኽእለት ድዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ኽትሕግዞ እትኽእል፡ እታ መፈጸምታ ሕጊ፡ መለለዪት ደቀ መዛሙርቲ፡ ካብተን ቀንዲ ባህርያት የሆዋ ኸኣ ዝያዳ ዓብላሊትን ማራኺትን ዝዀነት ባህርይ እያ። (ዮሃ. 13:35፣ ገላ. 5:14፣ 1 ዮሃ. 4:8) ንሳ ኸኣ ፍቕሪ እያ። ንፉዓት መምህራን፡ ፍቕሪ የንጸባርቑ እዮም።
2. ንሰባት ከነፍቅሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ንሰባት ኣፍቅሮም፦ እቲ ዓብዪ መምህር ንሰባት የፍቅሮም ስለ ዝነበረ፡ ንኺሰምዕዎ ይድረኹ ነበሩ። (ሉቃ. 5:12, 13፣ ዮሃ. 13:1፣ 15:13) ንሰባት ንሓልየሎም እንተ ዄንና፡ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ክንምስክረሎም ኢና። ከም መስጐጕትን ሸለልትነትን ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት፡ ካብ ምምስካር ኣይዓግተናን እዩ። ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ልባዊ ተገዳስነት ብምርኣይ፡ ንኣቀራርባና ምስ ኵነታቶም ከነሰማምዖ ኢና። ምስ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ንኸነጽንዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ቕድሚ ምምራሕና፡ ኣቐዲምና ንምድላው እውን ብፍታው ግዜ ኽንምድብ ኢና።
3. ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍቃርና፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ይሕግዘና፧
3 ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍቅሮ፦ የሱስ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ የፍቅሮ፡ ከም ክቡር መዝገብ ገይሩ ኸኣ ይርእዮ ነበረ። (ማቴ. 13:52) ሓቂ ነፍቅር እንተ ዄንና፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ክንዛረብ፡ ኣብ ሰማዕትና ኸኣ ሃንቀውታ ኸነለዓዕል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ፡ ኣብ ክእለትና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኸነመሓላልፎ እንኽእል ጠቓሚ ሓበሬታ ንኸነተኵር ኪሕግዘና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኸይንፈርህ ይሕግዘና።
4. ፍቕሪ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ፍቕሪ ኣማዕብል፦ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኸነማዕብሎ ንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱን ዘርኣዩና ፍቕርን ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ዚርከቡሉ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታትን ብምስትንታን እዩ። (ማር. 6:34፣ 1 ዮሃ. 4:10, 11) ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍቕሪ፡ ብናይ ብሕቲ መጽናዕትን ብምስትንታንን እዩ ዚድልድል። ፍቕሪ፡ ሓንቲ መዳይ ፍረ መንፈስ እያ። (ገላ. 5:22) ስለዚ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ምእንቲ ኺህበናን ብፍቕሪ ንኽንዓቢ ምእንቲ ኺሕግዘናን፡ ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 11:13፣ 1 ዮሃ. 5:14) ደረጃ ዓለማዊ ትምህርትና፡ ኣብ ሓቂ ዘሎና ተመክሮ፡ ወይ ባህርያዊ ኽእለትና ብዘየገድስ፡ ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ውጽኢታውያን መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን ንኽእል ኢና።