ኣመሃህራና ንኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ሰለስተ ነጥብታት
1. ኣመሃህራና ንኸነመሓይሽ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
1 ኵሎም ክርስትያን ኣገልገልቲ፡ መምህራን እዮም። ናይ ፈለማ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ተገዳስነት ንምምዕባል ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ወይ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ፍልጠት ኢና እነመሓላልፍ። እቲ እንምህሮ ትምህርቲ ድማ ተራ ነገር ኣይኰነን። ንሰባት ነተን ‘ንምድሓን ኬለብማኦም ዚኽእላ ቕዱሳት ጽሑፋት’ ኢና እንገልጸሎም። (2 ጢሞ. 3:15) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ! ኣመሃህራና ንኸነመሓይሽ ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ነጥብታት እንሆ።
2. ቀሊል ኣመሃህራ ጌርና ኽንምህር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ቀሊል፦ ንሓደ ርእሰ ነገር ኣጸቢቕና ምስ እንፈልጦ፡ እቲ ነገር ንሓደ ብዛዕባኡ ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ክተሓላለኾ ኸም ዚኽእል ብቐሊሉ ኽንርስዕ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ነቲ እትምህሮ ትምህርቲ ብዘየድሊ ነጥብታት ጌርካ ኣይትሓላልኮ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕልሓዮ። ብዙሕ ምዝራብ ዝበለጸ ኣመሃህራ እዩ ማለት ኣይኰነን። (ምሳ. 10:19) ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ጥራይ ምንባቡ ኣገዳሲ እዩ። ንሓንቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ፡ ኣብቲ ምስቲ ዚጽናዕ ዘሎ ሓሳባት ዚሰማማዕ ነጥቢ ጥራይ ኣተኵር። እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ ዓሚቝ ሓቅታት ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ግና ብቕልል ዝበለን ብእትመርጸ ሒደት ቃላትን ገይሩ እዩ ምሂሩ።
3. ምሳሌታት እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ዓይነት ምሳሌታት እዩ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዚኸውን፧
3 ምሳሌታት፦ ምሳሌታት ንኣተሓሳስባ የነቓቕሕ፡ ንስምዒት የለዓዕል፡ ከምኡውን ንምዝካር ይሕግዝ እዩ። ጽቡቕ ምሳሌታት ንምሃብ ግድን ተራኺ ኽትከውን ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺርን ዘይተሓላለኸን ምሳሌታት ይጥቀም ነበረ። (ማቴ. 7:3-5፣ 18:2-4) ኣብ ወረቐት እተሳእለ ቐሊል ስእልታት፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ እንተ ሓሲብካሉ፡ ውጽኢታዊ ምሳሌታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
4. ንሕቶታት ውጺኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ሕቶታት፦ ሕቶታት ንተመሃራይካ ኸም ዚሓስብ ይገብሮ። ስለዚ፡ ሕቶ ድሕሪ ምሕታትካ ተዓገስ። ነቲ መልሲ ቐልጢፍካ ባዕልኻ ትምልሶ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ተመሃራይካ እንታይ ከም እተረድአ ብሓቂ ኽትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ጌጋ መልሲ እንተ ደኣ መሊሱ፡ ኣብ ክንዲ እትእርሞ፡ ተወሳኺ ሕቶታት ብምሕታት ናብቲ ልክዕ መደምደምታ ንኺበጽሕ ምሕጋዙ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 17:24-27) ፍጹማት ስለ ዘይኰንና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንትምህርትና ኽንጥንቀቐሉ የተባብዓና እዩ። ከምዚ ምግባርና፡ ንዓናን ነቶም ዚሰምዑናን ዘለኣለማዊ ረብሓ የምጽእ እዩ።—1 ጢሞ. 4:16።