ቅድሚ ምስባኽካ፡ ከተናዲ የድልየካ ይኸውን
1. ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ ኽልታት ጉባኤ ዚምደብ ብመሰረት ቋንቋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብጴንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ “ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ፣” ነቶም ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ድማ በብቛንቋኦም ተዛረብዎም። (ግብ. 2:4) በቲ ምኽንያት እቲ ኸኣ፡ ኣስታት 3,000 ተጠምቁ። መብዛሕትኦም ካብቶም በጻሕቲ ብዘይካ ቛንቋኦም፡ እቲ ሽዑ ሓባራዊ ቛንቋ ዝነበረ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ይዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋኦም ኪስበኸሎም መረጸ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ዝመረጸሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋኦም ኪስበኸሎም ከሎ ብቐሊሉ ስለ ዚቕበልዎ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ ኽልታት ጉባኤ ዚምደብ ብመሰረት ቋንቋ እዩ። (እተወደበ፡ ገጽ 107፡ ሕ.ጽ. 2-3) ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረባ ጕጅለታት፡ ክሊ ኣይምደበለንን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣባላት እተን ጕጅለታት ኣብ ክሊ እታ እትድግፎም ጉባኤን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ኣብ ዜገልግላሉ ኽልታትን እናኸዱ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኪሰብኩሎም ይኽእሉ እዮም።
2. (ሀ) እቲ ናይ ምንዳይ ዕዮ እንታይ እዩ፧ ኣበይከ እዩ ኣድላዪ ዚኸውን፧ (ለ) ኣብቲ ብዙሕ ቋንቋታት ዚዝረበሉ ኽሊ ዚዓይያ ጉባኤታት ብኸመይ እየን ንሓድሕደን ኪተሓጋገዛ ዚኽእላ፧ (ሐ) ተገዳስነት ዘለዎ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ምስ እንረክብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
2 ሓደ ቛንቋ ጥራይ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ዘለውዎ ኸባቢ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ሓደ ቤት ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ቤት ትኽ ኢልካ እናኸድካ ኽትሰብኽ ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ቋንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኸተማ ትነብር እንተ ዄንካ ግና፡ ኵነታትካ እተፈልየ እዩ። ካልእ ቋንቋ ዚዛረባ ጉባኤታት እውን፡ ኣብቲ እትሰብከሉ ቦታታት ኪሰብካ ይኽእላ እየን። እተን ጉባኤታት ቋንቋኻ ዚዛረቡ ሰባት ምስ ረኸባ ሓበሬታ ኺህባኻ ዚኽእላ እኳ እንተ ዀና፡ ነቶም ክትሰብከሎም እትኽእል ሰባት ንምርካቦም ብቐዳምነት ሓላፍነት ዘለዋ ግና፡ ጉባኤኻ ወይ ጕጅለኻ እያ። (“ንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ስለዚ፡ ነቶም ንቛንቋ ጉባኤኻ ዚዛረቡ ሰባት እናሓተትካ ኸተናድዮም ኬድልየካ እዩ። ብኸመይ ኢኻ ኸተናድዮም እትኽእል፧
3. ሓንቲ ጉባኤ ወይ ጉጅለ ኣበይ ከም እተናድን ክንደይ ግዜ ኸም እትውፍን ዚውስኖ እንታይ እዩ፧
3 ነቲ ዕዮ ምንዳይ ምውዳቡ፦ ኣብቲ ብዙሕ ቋንቋታት ዚዝረበሉ ኸባቢ ኣብ ዕዮ ምንዳይ ክንደይ ግዜ ኺውፈ ኸም ዘለዎ ዚውስኖ፡ ኵነታት እቲ ኸባቢ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ነቲ ቛንቋ እቲ ዚዛረቡ ኽንደይ ሰባት ኣለዉ፧ ክንደይ ኣስፋሕቲ ኣለዉ፧ እታ ጉባኤ ወይ እታ ጉጅለ ዛጊት ክንደይ ኣድራሻታት ተገደስቲ ሰባት ኣለዋ፧ እታ ጉባኤ ንዅሉ እቲ ኸባቢ ብማዕረ ኸተናድዮ ግዴታ የብላን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኣብ እተመደበትሉ ኽሊ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩሉን ኣብቲ ብዙሕ ርሕቐት ዘይብሉን ከባቢታት ከተተኵር ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ብእተኻእለ መጠን ሓያሎ ሰባት ንስም የሆዋ ኺጽውዑ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺውሃቦም፡ ብግቡእ ተወዲብካ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ።—ሮሜ 10:13, 14።
4. (ሀ) እቲ ዕዮ ምንዳይ ብኸመይ ኪውደብ ኣለዎ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ቛንቋኻ ንዚዛረቡ ሰባት ከተናድየሉ እትኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧
4 ኣብቲ ምንዳይ ዜድልየሉ ቦታታት ዘየድሊ ምድግጋም ምእንቲ ኸይግበር፡ ኣካል ሽማግለታት፡ ብፍላይ ከኣ ሓላው ኣገልግሎት፡ ነቲ ዕዮ ምንዳይ ኪውድቦን ኪከታተሎን ይግባእ። (1 ቈረ. 9:26) ኣብተን ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረባ ጕጅለታት፡ ኣካል ሽማግለታት እታ ንጕጅለ ቋንቋ ወጻኢ እትድግፍ ጉባኤ ዝመረጾ ብቑዕ ሓው (ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተ ዀነ ይምረጽ)፡ ነታ ጕጅለ ኪመርሓ ይኽእል እዩ። ሓያሎ ጉባኤታትን ጉጅለታትን ነቲ መብዛሕትኦም ንቛንቋአን ዚዛረቡ ሰባት ዚስመዩሉ ልሙድ ስማት ኣብ መሐበሪ ተሌፎን ወይ ኣብ ኢንተርነት ብምንዳይ ኣቐዲመን ይዳለዋ እየን። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኽሊ ኺኣቱ ዘለዎ ኣድራሻ ንምውሳን፡ ተሌፎን ብምድዋል ወይ ከኣ ነቶም ሰባት ከይዶም ብምብጻሕ ዕዮ ምንዳዮም ይቕጽሉ። ግብራዊ እንተ ዀይኑ፡ ኣካል ሽማግለታት እታ ንጕጅለ ቛንቋ ወጻኢ እትድግፍ ጉባኤ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ሓሓሊፎም ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ ምእንቲ ኺካፈሉ መደብ ኬውጽእ ይኽእል እዩ።—“ቋንቋኻ ንዚዛረቡ ሰባት ብኸመይ ከም እተናድዮም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
5. (ሀ) ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ ንዚካፈሉ ኣስፋሕቲ ዚጠቅም እንታይ ርእይቶታት ኣሎ፧ (ለ) ከነናዲ ኸለና ንእንረኽቦም ሰባት እንታይ ክንብሎም ንኽእል፧
5 ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ ብውልቂ ኣብ እንካፈለሉ እዋን ንጹር ሸቶ ኺህልወና ኣለዎ። እዚ ንጥፈት እዚ ኽፍሊ ኣገልግሎትና ስለ ዝዀነ፡ ንኣገልግሎት ዚበቅዕ ክዳን ክንክደን ኣሎና። ሓያሎ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ ኰይኖም ነቲ ዚጥቀሙሉ ኣቀራርባ ብምልምማድን በቲ ቛንቋ እቲ ብምዝርራብን ብውዕዉዕ መንፈስ ኪዛረቡ፡ ነቲ ቋንቋ ድማ ኪመልክዎ ኽኢሎም እዮም። ነቲ ኣብ ምንዳይ እነሕልፎ ግዜ ኽንጽብጽቦ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ካርታታት ክልን ዝርዝር ስማት እቶም ተገደስቲ ሰባትን ንምድላው ንዘሕለፍናዮ ግዜ ግና ኽንጽብጽቦ የብልናን። ነቲ ቛንቋ ዚዛረብ ሰብ ክንረክብ ከለና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንነግሮ ኽንጽዕር ኣሎና፣ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ መዛግብቲ ኽሊ ምትዕርራይ ምእንቲ ኺግበር፡ ብኡንብኡ ንሓላው ኣገልግሎት ወይ ነቲ ብእኡ እተመዘዘ ሓው ከነፍልጦ ይግባእ። እቲ ሰብ ተገዳስነት የርኢ ወይ ኣየርኢ ብዘየገድስ፡ እዚ ኺግበር ኣለዎ። እቲ ዕዮ ምንዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ሚዛንና ብምሕላው ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ክንካፈል ይግባእ።—“ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ እንታይ ከም እትብል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
6. ንጽሙማን ምንዳይ እንታይ ፍሉይ ብድሆታት እዩ ዘለዎ፧
6 ንጽሙማን ምንዳይ፦ ንጽሙማን ምንዳይ ፍሉይ ብድሆታት ስለ ዘለዎ፡ ፍሉይ ጻዕርን ጽንዓትን የድሊ። ሓደ ጽሙም ብስሙ፡ ብኣካላዊ ትርኢቱ፡ ወይ ብኣከዳድናኡ ኺልለ ኣይክእልን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱን ኣዕሩኹን ኪሓባብእዎ፡ ነቶም ዚሓትትዎም ኣስፋሕቲ ሓበሬታ ንኺህብዎም ከኣ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዚስዕብ ንጽሙማን ንምንዳይ ዚሕግዝ ርእይቶታት፡ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ንምንዳይ እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
7. (ሀ) ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እናኸድካ ጽሙማን ንምንዳይ እንታይ ሕቶታት ኪሕተት ይከኣል፧ (ለ) ሓደ ብዓል ቤት ብዓይኒ ጥርጣረ ንኸይርእየና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
7 ኣባላት እተን ቋንቋ ምልክት ዚጥቀማ ጉባኤታትን ጉጅለታትን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እናኸዱ ብምሕታቶም ሰሊጥዎም እዩ። ምናልባት እቲ ብዓል ቤት፡ ቋንቋ ምልክት ዚጥቀም ጐረቤት፡ መሳርሕቲ፡ ወይ መማህርቲ ኸም ዘሎ ይነግረካ ይኸውን። ጽሙማን ቈልዑ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ምልክት ትራፊክ ከም ዘሎ እውን ይሕብረካ ይኸውን። ምናልባት እውን ጽሙም ዘመድ ይህልዎ ይኸውን። ምስናይዚ ድማ ብጥርጣረ ኺርእየካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ምቕልል ኢልካ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ፡ ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ምስ እትገልጸሉ፡ ሻቕሎቱ ኺውገድ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ጽሙም ኬናድዩ ኸለዉ ነቲ ብዓል ቤት ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ዲቪዲ ስለ ዜርእይዎ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም እዮም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንጽሙማን ኬርእይዎም ከም ዚደልዩ ይጠቕሱሉ። እቲ ብዓል ቤት ሓበሬታ ንምሃብ ሰጋእ መጋእ ኪብል ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣድራሻኻ ወይ ከኣ መዐደሚ ኣኼባ ጉባኤ ተቐቢሉ ነቲ ጽሙም ዘመዱ ወይ ፈታዊኡ ንኺህበልካ ግና ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
8. ሓንቲ ጉባኤ ኣብ ጥቓኣ ንዘላ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ብኸመይ ክትሕግዛ ትኽእል፧
8 ቋንቋ ምልክት እትጥቀም ጉባኤ ኣብ ዓመት ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ መዲባ፡ ኣብ ጥቓኣ ንዘላ ኻልእ ቋንቋ እትጥቀም ጉባኤ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብዙሕ ቋንቋታት ዚዝረበሉ ኸባቢታት እቲ ሰፊሕ ክላ ኣብ ምንዳይ ንኽትሕግዛ ኽትዕድማ ትኽእል እያ። ኣብቲ በታ ቛንቋ ምልክት እትጥቀም ጉባኤ ዚምራሕ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ነዚ ንጥፈት እዚ ዚኸውን መምርሒታትን መርኣያን ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን በብማኪና እተመደባ ጕጅለታት፡ ካብ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት እንተ ወሓደ ሓደ ኣስፋሒ ኺምደብ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ነቲ እተናድየሉ ኸባቢ ዚሕብር ካርታ ኺውሃባ ኣለዎ።
9. እቲ ዕዮ ምንዳይ ኣብቲ ጽሙማን ንምቅርራብን ንምዝንጋዕን ወይ ከኣ ካብ ኣገልግሎታት ንኺጥቀሙ ኢሎም ኣብ ዚእከቡሉ ፍሉጥ ከባቢታት ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧
9 ኣብቲ ጽሙማን ንሓድሕዶም ንምቅርራብን ንምዝንጋዕን ወይ ድማ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንኺጥቀሙ ኢሎም ኣብ ዚእከቡሉ ፍሉጥ ከባቢታት እውን ዕዮ ምንዳይ ኪግበር ይከኣል እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣስፋሕቲ ምስቲ ሃዋህው ዚኸይድ ክዳን ኪኽደኑ ኣለዎም። ንብምሉኦም እኩባት ሰባት ብሓንሳእ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ንሓደ ወይ ክልተ ሰባት ፈሊኻ ምዝራብ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝርርብ ውጽኢታዊ እንተ ዀይኑ፡ ኣድራሻ ኽትውሃሃብ ይከኣል እዩ።
10. ኣስፋሕቲ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘሎ ኣብያተ ንግዲ ኼናድዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
10 ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ንዘሎ ቦታታት ንግዲ ዜርኢ ካርታ ኣዳሊኻ፡ ኣብ ምሹእ እዋን ናብቲ ቦታ እቲ ምኻድ እዩ። ሓደ ኻብቲ ካርታታት፡ ነዳዲ ዚዕደለሉ ቦታታት ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል። ካልእ ካርታ ኸኣ፡ ኣብያተ ሕጽቦ፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ሆቴላት፡ ወይ ከኣ ካልእ ዓይነት ንግዲ ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካርታ ሓደ ዓይነት ቦታታት ንግዲ ዝሓዘት እንተ ዀይና፡ ኣስፋሕቲ ሓደ ዓይነት ኣቀራርባ ኺጥቀሙ፡ ተመክሮን ክእለትን ከኣ ኬጥርዩ ይኽእሉ። ንኣብነት፡ ሆቴላት መብዛሕትኡ ግዜ ጽሙማን ዓማዊል እውን ስለ ዜአንግዳ፡ ንተቐባል ኣጋይሽ እቲ ሆቴል ብዛዕባ ዕዮና ኣሕጽር ኣቢልና ብምግላጽ፡ ዲቪድን መዐደሚ ወረቐት ኣኼባን ኣቐዲምና ብመጠቕለሊ ዓሺግና ንጽሙማን ኣጋይሽ ኪህበልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ንግዲ ወይ ስራሕ፡ ቋንቋ ምልክት ዚጥቀም ሰራሕተኛ ወይ ዓሚል እንተ ኣልይዎም ክንሓትቶም ንኽእል ኢና። ኣብቲ ኽሊ፡ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን እንተ ኣልዩ፡ ንገለ ኻብቲ ብዲቪዲ እተዳለወ ጽሑፋትና ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ንኪቕመጥ ከነበርክት ንኽእል ኢና።
11. እቲ ዕዮ ምንዳይ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣገልግሎትና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣገዳሲ ዕዮ፦ ቋንቋኻ ንዚዛረቡ ሰባት ምንዳይ ኣድካሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገሊኡ ገዛውቲ ሰባት ካብቲ ኸባቢ ኺለቅቁ ኸለዉ፡ ካልኦት ከኣ ናብቲ ኸባቢ ኺግዕዙ ኸለዉ፡ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረቡ ሰባት ብቕልጡፍ ኪቀያየሩ ይኽእሉ እዮም፣ ብምኽንያት እዚ ምቅይያር እዚ፡ እዋናዊ መዝገብ ክሊ ንምሓዝ ኬጸግም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት፡ እቲ ዕዮ ምንዳይ ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ንኽንሰብኽ ዝመዘዘና የሆዋ፡ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ. 10:34) “ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።” (1 ጢሞ. 2:3, 4፡ NW) ስለዚ እምበኣር፡ ካብ ብዘሎ ቛንቋታት ንዝዀኑ “ቕኑዕን ጽቡቕን ልቢ” ንዘለዎም ሰባት ኣናዲና ምእንቲ ኽንረኽቦም፡ ምስ የሆዋን ንሓድሕድናን ንተሓባበር።—ሉቃ. 8:15።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ
ኣባላት ሓንቲ ጉባኤ ወይ ጉጅለ ነቶም ብቛንቋኦም ኪሰብኩሎም ዚደልዩ ሰባት ንኺረኽብዎም ሓገዝ ምስ ዚደልዩ፡ ሓላው ኣገልግሎት ምስ ሽማግለታት እተን ኣብ ቀረባኦም ዘለዋ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረባ ጉባኤታት ኪራኸብ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስተን ብዙሕ ርሕቐት ዘይብለን ወይ ከኣ ነቲ ቛንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩሉ ኽሊ ዘለወን ጉባኤታት ጥራይ እንተ ተራኸበ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እተን ምስ ሓላው ኣገልግሎት እተራኸባ ጉባኤታት ንኣስፋሕተን ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብ ሰብ እንተ ረኺቦም፡ ኣድራሻኡ ጽሒፎም ንሓላው ኣገልግሎት ኪህብዎ ኺሕብራኦም ይኽእላ እየን። እቲ ሓላው ኣገልግሎት ከኣ ነቲ ኣድራሻ ናብታ ሓገዝ ዝሓተተት ጉባኤ ወይ ጉጅለ ይልእኮ። ሓለውቲ ኣገልግሎት እተን ጉባኤታት፡ ግብራዊ ዝዀነ ሜላ ተጠቒሞም ነቲ ብዙሕ ቋንቋታት ዚዝረበሉ ኽልታት ኪሽፍኑ፡ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ከኣ ናብታ ብቛንቋኦም እትጥቀም ጉባኤ ወይ ጕጅለ ኺመርሕዎም ይኽእሉ እዮም።
ኣስፋሕቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣየ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ (ወይ ጽሙም) እንተ ረኺቦም፡ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም መሊኦም ንጸሓፊ ጉባኤ ኺህብዎ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ እቲ ሰብ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል።—km 5/11 ገጽ 3 ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ቋንቋ ጉባኤኻ ንዚዛረቡ ሰባት ብኸመይ ከም እተናድዮም
• ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ንመሳርሕቲ፡ ከምኡውን ንኻልኦት ሰባት ሕተት።
• እቶም ንቛንቋ ጉባኤኻ ዚዛረቡ ሰባት ዚስመዩሉ ልሙድ ስማት ምእንቲ ኽትረክብ መሐበሪ ተሌፎን ተጠቐም። ብኣድራሻ እተሰርዐ ስማት ዘለዎ መሐበሪ ድማ ካብ ኢንተርነት ወይ ካብ ኩባንያ ተሌፎን ኪርከብ ይከኣል እዩ።
• ከም ኣብያተ መጻሕፍቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፡ ከምኡውን ኮሌጅ ናብ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዚህብ ትካላት ኬድካ ብጥበብ ሕተት።
• ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዘዳለዎ ህዝባዊ ንጥፈታት፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚሕተም ጋዜጣ ኸም ምልክታ ቐሪቡ እንተ ኣልዩ ርአ።
• ቋንቋ ወጻኢ ንዚዛረብ ማሕበረሰብ ዜአንግድ ድንኳናትን ኣብያተ ንግድን ብጻሕ።
• ካብቶም ሓላፍነት ዘለዎም ፍቓድ ብምሕታት፡ ነቲ ቛንቋ ዚዛረቡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ኣብያተ ንግዲ፡ ማእከል ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ወይ ማእከል መጓዓዝያ ኣብ ሰደቓ ጽሑፍ ኣቐምጥ።
• ኣብ ሃገርካ ብሕጊ ዚፍቀድ እንተ ዀይኑ፡ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረብ ሰብ ንምርካብ ዚሕግዝ መሐበሪ ትካላት ንግዲ ወይ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዓድግ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ እንታይ ከም እትብል
እቲ ብዓል ቤት ብዓይኒ ጥርጣረ ንኸይርእየካ፡ ምቕልል ኢልካ ብቕንዕናን ብግልጽን ተዛረብ። መጀመርታ በቲ እተደልየ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ነቲ ብዓል ቤት ምርኣዩ መብዛሕትኡ ግዜ ይሕግዝ እዩ።
ሰላምታ ድሕሪ ምሃብካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ምእንቲ ኽንነግሮም፡ ቋንቋ ________ ዚዛረቡ ሰባት ንደሊ ኣሎና። ከነዘራርቦ እንኽእል እትፈልጦ ሰብ ኣሎዶ፧”
ንጽሙማን ከተናዲ ኸለካ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ሰላም። ሓደ ነገርዶ ኸርእየካ፧ [ብኢድ እትተሓዝ መርኣዪት ቪድዮ ተጠቒምካ፡ ካብቲ ኒው ዎርልድ ትራንስሌሽን—ኦን ዲቪዲ (ብዲቪዲ እተዳለወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም) ሓንቲ ጥቕሲ ኣርእዮ።] እዚ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እተዳለወ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብ ርእሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመንፈሳውነት ጽሙማን ዚጠቅም ሓያሎ ቪድዮታት ኣሎና። ቋንቋ ምልክት ዚጥቀም ጽሙም ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ሰብ ትፈልጥዶ፧” እቲ ብዓል ቤት ዚዝክሮ ሰብ እንተ ዘየልዩ፡ ከም ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ጐረቤት ኣብ ዝኣመሰለ ቦታታት፡ ጽሙም ርእዩ እንተ ዀይኑ ኽትሓቶ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።