ንሕልናኹም ሓልውዎ
1. ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2013 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እንታይ እዩ፧ ዕላማ እቲ መደብከ እንታይ እዩ፧
1 ሕልናና ኼርክስ ዚኽእል ኵነታት በብመዓልቱ የጋጥመና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ 2013፡ “ንሕልናኹም ሓልውዎ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ። (1 ጢሞ. 1:19) እቲ መደብ፡ ነፍሲ ወከፍና ንኣጠቓቕማ እቲ ፈጣሪና ዝሃበና ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ሕልና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ንኺሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።
2. ኣብቲ መደብ ዚምለስ ኣገዳሲ ሕቶታት እንታይ እዩ፧
2 ነዚ ነጥብታት እዚ ኣስተብህለሉ፦ እቲ መደብ፡ ነዚ ዚስዕብ ንሕልና ዚምልከት ሸውዓተ ቐንዲ ሕቶታት ኪምልሶ እዩ፦
• ንሕልና ኺጐድኦ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
• ንሕልናና ኸነሰልጥኖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ካብ ደም ኵሎም ሰባት ንጹሃት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓስበሉን ንትግብሮን ምዃንና ብዛዕባና እንታይ ይሕብር፧
• ሕልና ኻልኦት ከይንጐድእ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ኣቱም መንእሰያት፡ ነቲ ንኽትለማለሙ ዜጋጥመኩም ጸቕጢ ኽትዋጽኡሉ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧
• እቶም ነቲ ብመንፈስ ዚምራሕ ሕልናኦም ዚስዕቡ ሰባት፡ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧
3. እቲ መደብ ኪጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
3 ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ሰይጣን ንሕልናና ንኼበላሽዎ ዚገብሮ ጻዕሪ ኽንጻወሮ ንኽእል ኢና። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ይብለና ኣሎ። (ኢሳ. 30:21) እቲ መደብ ከኣ፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚመርሓሉ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ኣብኡ ኽትህሉ መድብ። ጽን ኢልካ ስማዕ፣ ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ብውልቅኻ ኽትትግብሮ ኸም እትኽእል ከኣ ሕሰብ። ነቲ መደብ ብስድራ ቤት ኴንኩም ተመያየጡሉ። ነቲ እተመሃርናዮ ምትግባርና፡ “ሰናይ ሕሊና” ሒዝና ንኽንቅጽል ኬበራትዓና እዩ፣ በቲ ሓላፊ ዝዀነ ተድላ እዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ንኸይንታለል ድማ ኪሕግዘና እዩ።—1 ጴጥ. 3:16።