ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/12 ገጽ 1
  • ብጻዕርኻ ባህ ይበልካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብጻዕርኻ ባህ ይበልካ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቶም ‘ብተጻዋርነት ፍረ ዚፈርዩ’ የፍቅሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ‘ብዙሕ ፍረ ፍረዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “እቲ ዜብቍል ኣምላኽ” እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣይትሰልኪ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 11/12 ገጽ 1

ብጻዕርኻ ባህ ይበልካ

1. ኣብ ኣገልግሎት ንቕንኣትና ኼጥፍኦ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

1 ወዲ ሰብ ‘ብጻዕሩ ባህ ኪብሎ’ እዩ ተፈጢሩ። (መክ. 2:24) ይኹን እምበር፡ ካብ ኣገልግሎትና ጽቡቕ ውጽኢት ብዘይምርካብና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን፣ እዚ ኸኣ ንሓጐስናን ንቕንኣትናን ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። እሞኸ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2. ብዛዕባ እቲ ሰባት ንኣገልግሎትና ዚህብዎ ምላሽ፡ ሚዛናዊ ትጽቢት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

2 ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ፦ እቶም ንየሱስ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃብዎ ሰባት ሒደት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣገልግሎቱ ግና ዕዉት ከም ዝነበረ ዘክር። (ዮሃ. 17:4) የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ፡ መብዛሕትኡ ልቢ ነቲ ምስ ዘርኢ ዚመሳሰል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ ነበረ። (ማቴ. 13:3-8, 18-22) ይኹን እምበር፡ እቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕርና፡ ብዙሕ እዩ ዚዓምም።

3. ኣብ ዕዮ ስብከትና ኣወንታዊ ምላሽ እኳ እንተ ዘይረኸብና፡ ‘ፍረ ኽንፈሪ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ብዙሕ ፍረ እንፈሪ ብኸመይ ኢና፧ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝገለጾ፡ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበልዎ ሰባት፡ ‘ፍረ ይፈርዩ’ እዮም። (ማቴ. 13:23) ብርዒ ስርናይ ምስ ፈረየት፡ ንኣሽቱ ብርዕታት ስርናይ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ዘርኢ እያ እትፈሪ። ስለዚ፡ ሓደ ዕዉት ክርስትያን ፍረ ይፈሪ ኺብሃል ከሎ፡ ናይ ግድን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የምጽእ ማለት ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ይፈሪ ማለት እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ፍረ ምፍራይ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ዕግበት ዜምጽእ ‘ባህታ’ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። ንስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ እጃምና ንገብር ኢና። (ኢሳ. 43:10-12፣ ማቴ. 6:9) ብዘይካዚ፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ንረክብ ኢና። (1 ቈረ. 3:9) ከምዚ ዝበለ “ፍረ ኸናፍር” ከኣ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ።—እብ. 13:15, 16።

4. ኣገልግሎና፡ እንታይ ንሕና ዘይንፈልጦ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

4 እቲ ትግሃት ዝመልኦ ዕዮና፡ ንሕና ዘይንርእዮ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። የሱስ ኪሰብኽ ከሎ ዝሰምዕዎ ገሊኦም ሰባት፡ ምድራዊ ኣገልትሎቱ ምስ ዛዘመ እዮም ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ እንዘርኦ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጸኒሑ ኺዓቢ ይኽእል እዩ፣ እቲ ሰብ ድማ ንሕና ኸይፈለጥና ናብ ሓቂ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣገልግሎትና ብዙሕ እዩ ዚዓምም። ስለዚ፡ ‘ብዙሕ ፍረ ብምፍራይ’ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና።—ዮሃ. 15:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ