ብጻዕርኻ ባህ ይበልካ
1. ኣብ ኣገልግሎት ንቕንኣትና ኼጥፍኦ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
1 ወዲ ሰብ ‘ብጻዕሩ ባህ ኪብሎ’ እዩ ተፈጢሩ። (መክ. 2:24) ይኹን እምበር፡ ካብ ኣገልግሎትና ጽቡቕ ውጽኢት ብዘይምርካብና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን፣ እዚ ኸኣ ንሓጐስናን ንቕንኣትናን ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። እሞኸ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2. ብዛዕባ እቲ ሰባት ንኣገልግሎትና ዚህብዎ ምላሽ፡ ሚዛናዊ ትጽቢት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
2 ሚዛናዊ ትጽቢት ይሃሉኻ፦ እቶም ንየሱስ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃብዎ ሰባት ሒደት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣገልግሎቱ ግና ዕዉት ከም ዝነበረ ዘክር። (ዮሃ. 17:4) የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ፡ መብዛሕትኡ ልቢ ነቲ ምስ ዘርኢ ዚመሳሰል መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ ነበረ። (ማቴ. 13:3-8, 18-22) ይኹን እምበር፡ እቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕርና፡ ብዙሕ እዩ ዚዓምም።
3. ኣብ ዕዮ ስብከትና ኣወንታዊ ምላሽ እኳ እንተ ዘይረኸብና፡ ‘ፍረ ኽንፈሪ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ብዙሕ ፍረ እንፈሪ ብኸመይ ኢና፧ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝገለጾ፡ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበልዎ ሰባት፡ ‘ፍረ ይፈርዩ’ እዮም። (ማቴ. 13:23) ብርዒ ስርናይ ምስ ፈረየት፡ ንኣሽቱ ብርዕታት ስርናይ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ዘርኢ እያ እትፈሪ። ስለዚ፡ ሓደ ዕዉት ክርስትያን ፍረ ይፈሪ ኺብሃል ከሎ፡ ናይ ግድን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የምጽእ ማለት ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ይፈሪ ማለት እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ፍረ ምፍራይ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ዕግበት ዜምጽእ ‘ባህታ’ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። ንስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ እጃምና ንገብር ኢና። (ኢሳ. 43:10-12፣ ማቴ. 6:9) ብዘይካዚ፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ንረክብ ኢና። (1 ቈረ. 3:9) ከምዚ ዝበለ “ፍረ ኸናፍር” ከኣ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ።—እብ. 13:15, 16።
4. ኣገልግሎና፡ እንታይ ንሕና ዘይንፈልጦ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧
4 እቲ ትግሃት ዝመልኦ ዕዮና፡ ንሕና ዘይንርእዮ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። የሱስ ኪሰብኽ ከሎ ዝሰምዕዎ ገሊኦም ሰባት፡ ምድራዊ ኣገልትሎቱ ምስ ዛዘመ እዮም ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ እንዘርኦ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጸኒሑ ኺዓቢ ይኽእል እዩ፣ እቲ ሰብ ድማ ንሕና ኸይፈለጥና ናብ ሓቂ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ኣገልግሎትና ብዙሕ እዩ ዚዓምም። ስለዚ፡ ‘ብዙሕ ፍረ ብምፍራይ’ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና።—ዮሃ. 15:8።