ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣሞጽ
1. ኣብነት ኣሞጽ ንዓና ምንጪ ምትብባዕ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
1 ብዙሕ ትምህርቲ ስለ ዘይብልካ ወይ ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራ ቤት ስለ ዝመጻእካ፡ ንኽትሰብኽ ከም ዘይትበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዑካ ይፈልጥዶ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ኣጋጢሙካ፡ ካብ ኣብነት ኣሞጽ መተባብዒ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣሞጽ ጓሳን ምህርቲ ኣብ ዚሕፈሰሉ ወቕቲ ጥራይ ዚሰርሕን ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኺእውጅ የሆዋ ሓይሊ ሃቦ። (ኣሞ. 1:1፣ 7:14, 15) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ብትሑታት ሰባት ገይሩ ይጥቀም እዩ። (1 ቈረ. 1:27-29) ካብ ነብዪ ኣሞጽ ንኣገልግሎትና ዚኸውን እንታይ ካልእ ትምህርትታት ክንመሃር ንኽእል፧
2. ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎት እንጸንዕ ስለምንታይ ኢና፧
2 ምጽራር እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ጽናዕ፦ እቲ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል፡ ካህን ኣምልኾ ምራኽ ዝነበረ ኣማስያ፡ ንኣሞጽ ኪንበ ኸሎ ምስ ሰምዖ፡ ‘ናብ ዓድኻ ኺድ! ንሕና ናትና ሃይማኖት ኣሎና’ በሎ። (ኣሞ. 7:12, 13) ኣማስያ ንንጥፈታት ኣሞጽ ንምእጋድ፡ ናብ ንጉስ የሮብዓም ናይ ሓሶት ጥርዓን ኣቕረበ። (ኣሞ. 7:7-11) ኣሞጽ ግና በዚ ኣይተዳህለን። ሎሚ፡ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ ንህዝቢ የሆዋ ንምስጓጕ፡ ፖለቲካዊ ደገፍ የናድዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ንዓና ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠቅም ከም ዚገብሮ ኣረጋጊጹልና እዩ።—ኢሳ. 54:17።
3. እቲ ሎሚ ኽንእውጆ ዘሎና መልእኽቲ እንታይ ክልተ ኽፋል እዩ ዘለዎ፧
3 ብዛዕባ ዚመጽእ ፍርድን በረኸትን ኣውጅ፦ ኣሞጽ ዋላ እኳ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ፍርዲ ኸም ዚወርድ እንተ ተነበየ፡ ነታ ብስሙ እተሰምየት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝኣተዎ ተስፋ ምምላስን ብዙሕ በረኸታትን ብምጽሓፍ እዩ ዛዚምዋ። (ኣሞ. 9:13-15) ንሕና እውን ብዛዕባ እታ እትመጽእ ‘መዓልቲ ፍርዲ’ ንዛረብ ኢና፣ እዚ ግና ብዛዕባ እቲ ኽንእውጆ ዘሎና “ብስራት መንግስቲ” እተወሰነ ኽፋል ጥራይ እዩ። (2 ጴጥ. 3:7፣ ማቴ. 24:14) የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ነቶም እኩያት ምጥፍኡ፡ ነታ ገነት እትኸውን ምድሪ መገዲ ዚጸርግ እዩ።—መዝ. 37:34።
4. ፍቓድ የሆዋ ኽንፍጽም ከም እንኽእል እንታይ መረጋገጺ እዩ ዘሎና፧
4 ሓያሎ ተጻረርቲ እናሃለዉ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ምስባኽ፡ ነቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያን ነቲ ፍቓዱ ንምግባር ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ዚፍትን እዩ። (ዮሃ. 15:19) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኸምቲ ንኣሞጽ ብቑዕ ዝገበሮ፡ ፍቓዱ ንኽንፍጽም ብቐጻሊ ብቑዓት ከም ዚገብረና ርግጸኛታት ኢና።—2 ቈረ. 3:5።