ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ሚክያስ
1. ሚክያስ እንታይ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ዚኽእል፧ ስብከቱ ኸንቱ ዀይኑ ዘይተረፈ ግና ስለምንታይ እዩ፧
1 ‘መወዳእታ እዚ ብልሽው ስርዓት እዚ ዚመጽእ መዓስ እዩ፧’ ነብዪ ሚክያስ፡ ንመንግስታት እስራኤልን ይሁዳን ዚምልከት ፍርዲ የሆዋ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፡ ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ስብከቱ ኸንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ብ740 ቅ.ክ.፡ ማለት ኣብቲ ሚክያስ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ የሆዋ ንሰማርያ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ቓላት ተፈጺሙ እዩ። (ሚክ. 1:6, 7) ጸኒሑ፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ጠፍአት። (ሚክ. 3:12) ነታ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ፍርዱ ዚፍጽመላ መዓልቲ ኽንጽበ ኸለና፡ ንሚክያስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና፡ ትዕግስቲ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይን ስለምንታይን ኢና፧
2 ዕጉስ ኩን፦ ሚክያስ፡ ‘ኣነ ናብ የሆዋ እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክ. 7:7) ሓቂ እዩ፡ ሚክያስ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ ኢሉ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኾፍ ኣይበለን። ነብዪ የሆዋ ኸም ምዃኑ መጠን ብስራሕ ትሑዝ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ እንጽበየሉ እዋን፡ “ብቕዱስ ኣነባብራን ብግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን” ክንመላለስ ኣሎና። (2 ጴጥ. 3:11, 12) ትዕግስቲ የሆዋ፡ ሰባት ንኺንስሑ ግዜ ሂብዎም ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9) ስለዚ፡ ነቲ እቶም ነብያት ዘርኣይዎ ትዕግስቲ ንምቕዳሕ፡ ንመለኮታዊ ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና።—ያእ. 5:10።
3. የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ንኺህበና ኽንልምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ኣብ ሓይሊ የሆዋ ተወከል፦ ሚክያስ ዋላ እኳ ኣጸጋሚ ዕዮ እንተ ነበሮ፡ ዕዮኡ ንምፍጻም ዜድልዮ ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጠመተ። (ሚክ. 3:8) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብርታዐ ንኽንረክብ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና ዜተባብዓና። የሆዋ ነቶም ዝደኸሙ፡ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታቶም ምእንቲ ኺፍጽሙ ኣብዚሑ ሓይሊ ይህቦም እዩ። (መዝ. 84:5, 7፣ ኢሳ. 40:28-31) ኣብቲ ኣብ ህይወትካ እተቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት፡ ነዚ ብብሕትኻ ተመኪርካዮዶ፧ የሆዋ በቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንኺሕግዘካ፡ ኣዘውቲርካ ትልምኖዶ፧—ሉቃ. 11:13።
4. ሚክያስ ብኣነባብራኡ እንታይ ብሉጽ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧
4 ሚክያስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ቀዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ጕዳይ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ብስነ ምግባራዊ ብልሽውና ኣብ እተበከለ ኸባቢ ይነብር እንተ ነበረ፡ እሙን ኰይኑ ንኺነብር ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ንጽህናና መዓልቲ መዓልቲ ይፍተን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ‘ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ኣምላኽና ምእንቲ ኽንመላለስ’ ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ነደልድሎ።—ሚክ. 4:5።