ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም —ናሆም
1. ካብ መጽሓፍ ናሆም እንታይ ንመሃር፧
1 ፍርስራስ ጥንታዊት ነነዌ፡ ልክዕ ከምቲ ናሆም እተነበዮ፡ የሆዋ ንጸላእቱ ሕነ ኸም ዚፈድዮምን ዋላ እቲ ብርቱዕ ዚብሃል ተጻራሪ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኪብል ከም ዘይክእልን የረጋግጽ። (ናሆ. 1:2, 6) ንትንቢት ናሆም ኣጸቢቕና እንተ መርሚርናዮ፡ ንኣገልግሎትና ዚዀነና ትምህርቲ ንረኽበሉ ኢና።
2. ንመልእኽትና ኣወንታዊ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 መጸናንዕን ተስፋን ሃብ፦ መጽሓፍ ናሆም ላዕለ ላዕሉ ኽትርአ ኸላ፡ ፍርዲ ነነዌ፡ ማለት ፍርዲ እቲ ዕቡይ መንግስቲ ኣሶር ጥራይ እትእውጅ እያ እትመስል። (ናሆ. 1:1፣ 3:7) ይኹን እምበር፡ እዚ ፍርዲ እዚ ንህዝቢ የሆዋ ዜሐጕስ ብስራት እዩ ነይሩ። ናሆም (ትርጕም ስሙ “መጽናንዒ” ማለት እዩ) ንብጾቱ ኣይሁዳውያን፡ ጸላኢኦም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚጠፍእ ኣረጋገጸሎም። ናሆም፡ የሆዋ “ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ” ብምባል ተወሳኺ መርትዖ ኣቕረበ። (ናሆ. 1:7) ንሕና እውን ክንሰብኽ ከለና፡ ንሰባት ብስራት ነበስሮምን ኣብ የሆዋ ዕቝባ ንኺረኽቡ ነተባብዖምን ኢና።—ናሆ. 1:15።
3. ኣብነታት ወይ ምሳሌታት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን፡ ንናሆም ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣብነታትን ምሳሌታትን ተጠቐም፦ የሆዋ ንናሆም ንጥፍኣት ነነዌ ምስታ ኣቐድም ኣቢሉ ብኣሶር ዝዓነወት ጥንታዊት ከተማ ቲብጽ (ኖ-ኣሞን) ኬነጻጽሮ ብመንፈሱ ደረኾ። (ናሆ. 3:8-10) ንሰባት ብዛዕባ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ክንዛረቦም ከለና፡ የሆዋ ንኣዝዩ ደቂቕ ዝርዝር ነገራት እውን ከይተረፈ ቃሉ ኸም ዚፍጽም ዜረጋግጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጕልሓሎም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ባቢሎናውያንን ሜዶናውያንን ብ632 ቅ.ክ. ንኸተማ ነነዌ ኺወግኡ ምስ መጹ፡ ሓያል ዝናም ንፈለግ ጢግሪስ መሊኡ ኸም ዚፈስስ ገበሮ፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ዘይስገር ዝነበረ መናድቕ እታ ኸተማ ኸኣ ፈረሰ። ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተነበዮ ድማ ነነዌ ብቕልጡፍ ተሳዕረት።—ናሆ. 1:8፣ 2:6።
4. ኣብ ኣገልግሎት፡ ንመልእኽትና ንጹርን ዚርዳእን ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ዘረባኻ ንጹርን ዚርዳእን ይኹን፦ ናሆም እተጠቕመሉ ኣጻሓሕፋ፡ ገላጽን ድራማውን እዩ ነይሩ። መልእኽቱ ንጹር እዩ ነይሩ። (ናሆ. 1:14፣ 3:1) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ብቐሊሉ ዚርዳእ ቋንቋ ኽንጥቀም ኢና እንደሊ። (1 ቈረ. 14:9) ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፡ ምኽንያት መምጽኢኻ ብንጹር ግለጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰባት ከተጽንዕ ከለኻ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን እምነት ኬሕድሩን እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ብብሕቶም ከም ዚትንክፎም ኪርድኡን ሓግዝዎም።—ሮሜ 10:14።
5. ኣብ ትንቢት ናሆም እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧
5 እታ ናሆም ኣብቲ ኸይተፈጸመ ዘይተርፍ ቃል የሆዋ ዝነበረቶ ነቕ ዘይትብል እምነት፡ ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ብንጹር ተንጸባሪቓ ትርከብ። መወዳእታ ስርዓት ሰይጣን እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ካብቲ፡ “ጸበባ ካልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ” ዚብል መለኮታዊ ፍርዲ፡ መጸናንዒ ንረክብ ኢና።—ናሆ. 1:9።