መርኣዪ ጽሑፋት ተጠቒምካ ብኸመይ ከም እትምስክር
ጽሑፋት ዝሓዘ ዓረብያታትን ሰደቓታትን ተጠቒምካ ዚግበር ምስክርነት፡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብ ሓቂ ኸም ዚሰሓቡ ኣብ ምግባር ውጽኢታዊ ዀይኑ ኣሎ። (ዮሃ. 6:44) ስለዚ፡ ሽማግለታት ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ኽሊ ጉባኤኦም ዚርከብ ኣጋር ዚበዝሖ ኸባቢ፡ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ንኺውድቡ ተተባቢዖም ኣለዉ። ዓረብያታት ኣብ ሓደ ቦታ ቐወምቲ ስለ ዘይኰና፡ ብሓፈሻ ኻብ ሰበ ስልጣን ፍቓድ ምሕታት ኣየድልን እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺሳተፉ ብቕዓት ዘለዎም መን እዮም፧ እቶም ዜመዛዝኑን ብኣኽብሮት ዚዛረቡን ጽቡቕ ናይ ምዝራብ ክእለት ዘለዎምን ኣስፋሕቲ እዮም። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ሓሳባት፡ ኣስፋሕቲ ዝያዳ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ዚሕግዝ፡ ኪገብርዎ ዘለዎምን ኪገብርዎ ዘይብሎምን ነገራት ዚገልጽ እዩ።