ቅዳሓት ኣውድዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
1. ኣብ ርእሲ እቲ ብጽሑፍ እተዳለወ ሕታማት፡ እንታይ ካልእ ጠቓሚ መሰናድዎ ኣሎና፧
1 ብዙሓት ሰባት ነቲ ባህ ዜብልን ቅኑዕን ቃላት ሓቂ ኻብ jw.org ምንባብ የሐጕሶም እዩ። (መክ. 12:10) ይኹን እምበር፡ ነቲ ቕዳሓት ኣውድዮ ተጠቒምካሉዶ ትፈልጥ፧ እዚ ቕዳሓት ኣውድዮ እዚ፡ ነቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ ሓበሬታ ንኽተሰምዖ ኬኽእለካ እዩ። ቅዳሓት ኣውድዮ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
2. ቅዳሓት ኣውድዮ ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
2 ንዓናን ንስድራ ቤትናን፦ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሔታት፡ ወይ ካልእ ሕታም፡ ኣብ እንጐዓዘሉ እዋን ወይ ከኣ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኣብ እንዓይየሉ እዋን ምስማዕ፡ ግዜና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንለውጢ ምእንቲ ኪዀነና፡ ብድምጺ እተቐድሐ ጽሑፍ ወሊዕና ናይ ገዛእ ርእስና ቕዳሕ እቲ ጽሑፍ ሒዝና ኽንከታተል ንኽእል ኢና። ብፍላይ ናይ ንባብ ክእለትና ኸነመሓይሽ እንተ ደሊና፡ ወይ ድማ ሓድሽ ቋንቋ ንምሃር እንተ ኣሊና፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ነቲ ብድምጺ ንእተቐድሐ ምስማዕ፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
3. ኣብ ክልና፡ ካብ ቅዳሓት ኣውድዮ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ መን እዮም፧
3 ንኣገልግሎት፦ ንምንባብ ግዜ ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት፡ ቅዳሓት ኣውድዮ ኺሰምዑ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ እሞ፡ እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ብእተወልዱሉ ቛንቋ’ እንተ ቐሪቡሎም ኪሰምዑ ዚኽእሉ ሰባት የጋጥሙና ይዀኑ። (ግብ. 2:6-8) ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት፡ ምስማዕ ኣገዳሲ ኽፋል ባህሊ ሕብረተሰብ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ባህሊ ህሞንግ፡ ሰባት ታሪኾም ናብ ዚቕጽል ወለዶ ብቓል ናይ ምምሕልላፍ ልማድ ኣለዎም፣ ነቲ ዚሰምዕዎ ሓበሬታ ኣብ ምዕቃብ ድማ ኣዝዮም ንፉዓት እዮም። መብዛሕትኡ ባህልታት ኣፍሪቃ ብዛንታ ጌርካ ናይ ምምሃር ልማድ ኣለዎ።
4. ኣብ ክልና ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ ምሕጋዝ፡ ንርእስና እንታይ ሕቶታት ክንሓትታ ንኽእል፧
4 ኣብ ክልኻ፡ ንሓደ ብዓል ቤት ንሓንቲ ኻብቲ ቕዳሓት ኣውድዮ ብቛንቋኡ ወሊዕካ ኸተስምዖ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ብድምጺ ንእተቐድሐ ሕታም ብኢ-ሜይል ኣቢልና ንሓደ ሰብ ምስ እንሰደሉ ይጥቀምዶ ይኸውን፧ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሓደ ብዓል ቤት ብድምጺ ንእተቐድሐ ሕታም ካብ ኢንተርነት ናብ ሲዲ ኣራጊፍና፡ ምስቲ ብወረቐት እተሓትመ ጽሑፍ ብሓንሳእ ጌርና ኽንህቦ ንኽእልዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት፡ ብኤለክትሮኒክ እተዳለወ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ መጽሓፍ፡ ብሮሹር፡ ትራክት ወይ መጽሔት ንሓደ ሰብ ምስ እንህቦ፡ ጽሑፍ ከም ዘበርከትና ጌርና ኽንቈጽሮ ንኽእል ኢና። እቲ ብድምጺ እተቐድሐ፡ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትና ንኽንጥቀመሉን ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንተኽለሉን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።—1 ቈረ. 3:6።