ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣንባቆም
1. ከምቲ ነብዪ ኣንባቆም እተሰምዖ ኺስምዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
1 ኣብ ዓለምና ዘሎ ኽፍኣት እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ፡ ከምቲ “ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧” ኢሉ ንየሆዋ ዝሓተቶ ኣንባቆም ይስምዓና ይኸውን። (ኣን. 1:3፣ 2 ጢሞ. 3:1, 13) መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኣብ እንጽበየሉ እዋን፡ ብዛዕባ መልእኽቲ ኣንባቆምን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነትን ምስትንታን፡ ጸኒዕና ንኽንነብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ጴጥ. 3:7።
2. ኣብዚ ግዜ እዚ ብእምነት ንነብር ከም ዘለና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ብእምነት ንበር፦ ኣንባቆም ብምስቍርቋር ኣብ ክንዲ ዚውሓጥ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕን ንጡፍን ኰይኑ እዩ ቐጺሉ። (ኣን. 2:1) የሆዋ፡ ቃሉ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጸምን ‘ጻድቕ ብእምነቱ ኸም ዚነብር’ን ነቲ ነብዪ ኣረጋጊጽሉ እዩ። (ኣን. 2:2-4) እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ኣብ ምጽንቃቕ እዚ ግዜ መወዳእታ ዚነብሩ ክርስትያናት እንታይ ትርጉም ኣለወን፧ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ፡ ብርግጽ ከም ዚመጽእ ምትእምማን ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። እምነት፡ ንቑሓት ክንከውንን ንኣገልግሎት ቀዳምነት ክንህብን ትድርኸና እያ።—እብ. 10:38, 39።
3. ንየሆዋ ኣብ እነገልግለሉ እዋን ሓጐስና ዓቂብና ኽንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ብየሆዋ ተፈሳህ፦ ጎግ ብዓል ማጎግ ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ዜጥቅዓሉ እዋን፡ እምነትና ኽትፍተን እያ። (ህዝ. 38:2, 10-12) ውግእ፡ ሽግር እዩ ዜምጽእ፣ እቶም ሰዓርቲ እውን ከይተረፉ ብእኡ ይጕድኡ እዮም። ሕጽረት ምግቢ ኼጋጥም፡ ንብረት ኪዓኑ፡ ደረጃ ናብራ ኼንቈልቍል እውን ይኽእል እዩ። ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣንባቆም፡ ሽግር ከም ዚመጽእ ስለ እተጸበየ፡ ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚረኽቦ ሓጐስ ዓቂቡ ኺመላለስ ቈራጽነት ገይሩ ነይሩ። (ኣን. 3:16-19) ‘ሓጐስ የሆዋ’ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንጽመሞ እውን ኪሕግዘና እዩ።—ነህ. 8:10፣ እብ. 12:2።
4. ሕጅን ኣብ መጻእን እንታይ ሓጐስ ኢና ኽንረክብ፧
4 እቶም የሆዋ ኻብታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ ዚንሕፎም ሰባት፡ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ምምሃር ኪቕጽሉ እዮም። (ኣን. 2:14) እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ እዮም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ዘበለ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተግባራቱን ንምዝራብ ንጠቐመሉ።—መዝ. 34:1፣ 71:17።