ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 60-68
ነቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ወድሶ
ንየሆዋ ዝኣቶኻዮ መብጽዓኻ ምእንቲ ኽትሕሉ ጸሊ
ብዛዕባ እቲ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ምጽላይና፡ መብጽዓና ኽንሕሉ ይሕግዘና
ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ክንገብሮ እንኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ መብጽዓ እዩ
ሃና
ልብኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብጸሎት ብምፍሳስ ብእኡ ኸም እትእመን ኣርኢ
ትርጉም ዘለዎ ጸሎት፡ ውሽጣዊ ስምዒታትና ምግላጽ የጠቓልል
ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገር ኣነጺርና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ነቲ የሆዋ ዚህቦ ምላሽ ብዝያዳ ነቕልበሉ ኢና
የሱስ
የሆዋ፡ ጸሎት ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ይሰምዕ
የሆዋ ኻብ ልቡ ኺፈልጦን ፍቓዱ ኺገብርን ንዚደሊ “ዅሉ ዓይነት ሰብ” ይሰምዖ
ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና
ቆርኔሌዎስ
ኣብ ጸሎትካ ኽትጠቕሶ እትደሊ ነጥብታት ጽሓፍ።