ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 87-91
ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ተቐመጥ
“ስቱር ቦታ” የሆዋ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብደሓን የንብረና
ሎሚ ኣብ ስቱር ቦታ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅመጥ፡ ርእስና ወፊና ኽንጥመቕ የድሊ
ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ነዚ ቦታ እዚ ኣይፈልጥዎን እዮም
ኣብ ስቱር ቦታ የሆዋ ዚቕመጡ ሰባት፡ በቲ ኣብ ኣምላኽ ንዘለዎም እምነትን ንዕኡ ንዘለዎም ፍቕርን ዜዳኽም ሰብን ነገርን ኣይጽለዉን እዮም
“ኣፈንጣሪ ዑፍ” ብመጻወድያ ኺሕዘና ይጽዕር
ኣዕዋፍ ጥንቁቓት ስለ ዝዀና፡ ብመጻወድያ ኽትሕዘን ኣጸጋሚ እዩ
ኣፈንጠርቲ ዑፍ፡ ባህርያት ኣዕዋፍ ተጠንቂቖም የጽንዑ፡ ንዓታተን ዜጻውድሉ ብልሓት ድማ ይምህዙ
ሰይጣን እቲ “ኣፈንጣሪ ዑፍ” ንህዝቢ የሆዋ ብምጽናዕ፡ ብመንፈሳዊ ኸም ዚወድቁ ዚገብር መጻወድያታት የቐምጥ
ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኣርባዕተ ሓደገኛ መጻወድያታት፦
ንሰብ ምፍራህ
ፍቕረ ንዋይ
ዘይጥዑይ መዘናግዒ
ብሕታዊ ፍልልያት