ክርስትያናዊ ህይወት
ብኸመይ ጽቡቕ ሓሳብ ከም እትህብ
ጽቡቕ ሓሳብ ንጉባኤ ይሃንጻ እዩ። (ሮሜ 14:19) እቶም ሓሳብ ዚህቡ እውን ይጠቀሙ እዮም። (ምሳ 15:23, 28) ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ብውሕዱ ሓንቲ ሓሳብ ንምሃብ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ኢድና ሓፍ ብዘበልና ቝጽሪ ኣጋጣሚ ይውሃበና እዩ ማለት ኣይኰነን። እምበኣር፡ ሓያሎ ሓሳባት ክንዳሎ ዝበለጸ እዩ።
ጽቡቕ ሓሳብ . . .
ቀሊልን ንጹርን ሓጺርን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ 30 ኻልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ይውሃብ
ብናትካ ቓላት ይውሃብ
ነቲ ኣቐዲሙ እተዋህበ ሓሳብ ብዘየድሊ ኣይደግምን
መጀመርታ ሓሳብ ክትህብ ዕድል እንተ ተዋሂቡካ . . .
ነታ ሕቶ ቐሊልን ቀጥታውን መልሲ ሃብ
እታ ሕቶ እንተ ተመሊሳ፡ እዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል . . .
እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ምስቲ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ግለጽ
እቲ ጕዳይ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ጥቐስ
ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ግለጽ
ቀንዲ ነጥቢ ዜጕልሕ ሓጺር ተመክሮ ኣዘንቱ