ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 11
  • ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ጥበበኛታት ንኸውን
  • 2. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ሕጉሳት ንኸውን
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • “ፍቕሪ ንኣምላኽ”
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • “ሰማዕ” ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 11
ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራ ቤት ብሓባር ግዜ ተሕልፍ። እታ ኣደ ምስ ጓላ ኣብ ክሽነ ምግቢ ተዳሉ። እቲ ኣቦ ምስ ጓሉ ኣብ ሳሎን ስእሊ ይርእዩ።

ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና

ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ነብዪ ሙሴ ትእዛዛት ኣምላኽ እንተ ሓሊና፡ በረኸት ኣምላኽ ከም እንረክብ ተዛሪቡ እዩ። (ዘዳግም 10:13፣ 11:27) ንኣምላኽ እንእዘዞ መቕጻዕቲ ፈሪህና ዘይኰነስ፡ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ስለ ዚድርኸና እዩ፣ ከመይሲ፡ ነፍቅሮን ንዕኡ ኻብ ዜጕሂ ነገራት ክንርሕቕን ንደሊ ኢና። “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3።

እሞ ደኣ፡ ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧ ክልተ መዳይ ንርአ።

1. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ጥበበኛታት ንኸውን

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17።

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ይፈልጠናን ዜድልየና መምርሒ ይህበናን እዩ። ትምህርትታቱ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና እንተ ደሊና፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምሃር፡ ነቲ እተምሃርናዮ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።

2. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ሕጉሳት ንኸውን

“ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!”—ሉቃስ 11:28።

ሎሚ፡ ንቓል ኣምላኽ ዚእዘዙ ሚልዮናት ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ናይ ሓደ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ኣመና ቝጡዕን ንሰባት፡ እንተላይ ንሰበይቱ ዜጋፍዕን ዝነበረ ሰብኣይ ንርአ። ሓደ መዓልቲ ኻብ ጽሑፋት ነብዪ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ልኡም ዝነበረ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣንበበ። ዮሴፍ ዋላ እኳ ባርያ ዀይኑ እንተ ተሸጠን ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ እንተ ተኣስረን፡ ልኡምን ሰላማውን ይቕረ በሃልን እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 37-45) እቲ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሰብኣይ፡ “ብዛዕባ ኣብነት ዮሴፍ ምስትንታነይ፡ ልእመትን ለውሃትን ርእሰ ግትኣትን ኬማዕብል ደሪኹኒ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሕጂ ሕጉስ ህይወት ኣሎኒ” በለ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና፡ ዝያዳ መምርሒ ይህብ እዩ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ብዝርዝር ክንርእዮ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ