ክርስትያናዊ ህይወት
“ኦ የሆዋ፡ . . . ብኣኻ እእመን እየ”
ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ እዋን ብየሆዋ ኽንእመን ኣገዳሲ እዩ (መዝ 25:1, 2) ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣይሁድ ኣብ ኣምላኽ ንዝነበሮም እምንቶ ዚፍትን ቅልውላው ኣጋጠሞም። ካብቲ ዘጋጠሞም ነገራት፡ ሓያሎ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። (ሮሜ 15:4) ነታ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ብኣኻ እእመን እየ” ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣኹምዋ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም፧
ህዝቅያስ እንታይ ቅልውላው እዩ ኣጋጢምዎ፧
ህዝቅያስ ከበባ ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ምሳሌ 22:3 ንዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ብኸመይ እዩ፧
ህዝቅያስ ንኣሶር ኢድካ ምሃብ ወይ ምስ ግብጺ ኺዳን ምእታው ዘይሓሰቦ ስለምንታይ እዩ፧
ህዝቅያስ ንክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧
ሎሚ እንታይ ኵነታት እዩ ኣብ የሆዋ ንዘሎና እምንቶ ዚፍትኖ፧