ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ህዝቅኤል 1-5
ህዝቅኤል መልእኽቲ ኣምላኽ ተሓጒሱ ይእውጅ
የሆዋ ብራእይ ኣቢሉ ንህዝቅኤል ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ሃቦ፡ ኪበልዓ ድማ ነገሮ። እዚኸ እንታይ ትርጉም ነበሮ፧
ህዝቅኤል ንመልእኽቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጡ ኼእትዎ ነበሮ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጥቕልልቲ ዘሎ ቓላት ምስትንታን ንህዝቅኤል ውሽጣዊ ስምዒቱ ተንከፎ፣ ኪዛረብ ድማ ደረኾ
ህዝቅኤል ንእተዋህቦ መዝነት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ፡ እታ ጥቕልልቲ ጥዕምቲ ነበረት