ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 14-15
  • በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ካብ ተኣምራት የሱስ እንታይ ንምሃር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንሰባት የፍቅሮም ነበረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 14-15
እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብሓባር ባህ ይብሎም።

“ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣ ኣምላኽ፡ ኣምላኽና፡ ኪባርኸና እዩ።”—መዝሙር 67:6

በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣምላኽ ንነብዪ ኣብርሃም ብሓደ ኻብ ዘርኡ ገይሩ፡ ን“ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ” በረኸት ከም ዜውርደሎም ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍጥረት 22:18) እቲ ዘርኢ እቲ መን እዩ፧

ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ነቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ፡ ዜደንቕ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሂብዎ እዩ። እዚ ተኣምራት እዚ፡ እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ተስፋ ብየሱስ ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ በረኸት ከም ዚወርድ ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ገላትያ 3:14።

እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪባርኽ ንዕኡ ኸም ዝመረጾ ኸነለሊ ይሕግዘና፣ ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ብእኡ ኸም ዚባረኹ ዜርኢ እዩ። ተኣምራት የሱስ፡ ንገለ ኻብቲ ማራኺ ባህርያቱ ብኸመይ ከም ዜጕልሕ ኣስተብህል።

ድንጋጸ—የሱስ ንሕሙማት ኣሕወየ።

ሓደ እዋን፡ ሓደ ድዉይ ናብ የሱስ መጺኡ ኼንጽሆ ለመኖ። የሱስ ተንከዮ እሞ፡ “እደሊ እየ” በሎ። ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ።—ማርቆስ 1:40-42።

ልግሲ—የሱስ ንዝጠመዩ መገበ።

የሱስ ንሰባት ጠምዮም ከለዉ ኪኸዱ ኣይደለየን። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ሒደት እንጌራን ሒደት ንኣሽቱ ዓሳን ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚበዝሕ ብምግባር፡ ኣሽሓት ሰባት መጊቡ እዩ። (ማቴዎስ 14:17-21፣ 15:32-38) ኵሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ፡ ብዙሕ ምግቢ ተረፈ።

ርሕራሐ—የሱስ ንምዉታት ኣተንስአ።

የሱስ ንሓንቲ ብዘይካኡ ኻልእ ውላድ ኰነ ኣላዪ ዘይነበራ ዝሓዘነት መበለት ስለ ዝደንገጸላ ንወዳ ኻብ ምዉታት ኣተንስኦ።—ሉቃስ 7:12-15።

ዘለኣለማዊ በረኸት ኣብ ምድሪ

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪባርኽ ሓይሊ ኸም ዘለዎ የሱስ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ከምቲ ዘተስፈዎ ምስ ተመልሰ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኻብዚ ዚዓቢ ተኣምራት ኪገብር ንየሱስ ኪጥቀመሉ እዩ።

እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ምስ ተፈጸመ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኸመይ ኪምስል እዩ፧ እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዜኽብርዎን “ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:11) “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላም ምንባርሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ኣብ www.pr418.com ኣቲኻ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብዛዕባ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዜምጽኦ በረኸት ዝያዳ ኽትፈልጥ ንዕድመካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ