ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ጸፎንያስ 1–ሃጌ 2
መዓልቲ ቝጥዓኡ ኸይመጸት፡ ንየሆዋ ድለዮ
የሆዋ ኻብ መዓልቲ ቝጥዓኡ ምእንቲ ኺሓብኣና፡ ርእስና ኻብ ምውፋይ ዝበለጸ ነገር ክንገብር ኣሎና። ነቲ ጸፎንያስ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም መምርሒ ኽንእዘዞ ኣሎና።
ንየሆዋ ድለዮ፦ ምስታ ውድቡ ብምሕባር፡ ምስ የሆዋ ውዕዉዕ ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ ኣማዕብል
ጽድቂ ድለ፦ የሆዋ ንዘውጽኦ ስርዓታት ጽድቂ ደግፍ
ዓቕሊ ድለ፦ ንፍቓድ ኣምላኽ ብትሕትና ተገዛእ፡ ተግሳጹ ኸኣ ተቐበል
ንየሆዋን ንጽድቅን ንዓቕልን ብዝያዳ ኽደሊ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧