ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ግንቦት ገጽ 8
  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ . . .”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ . . .”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ” ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ግንቦት ገጽ 8
ሰብኣይን ሰበይትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም

ክርስትያናዊ ህይወት

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ . . .”

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓ እንተ ደልዩ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ኼዳልወላ ኸም ዘለዎ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ፡ ሰብኡት ንኣንስቶም ብታህዋኽ ከይፈትሕወን ንምግታእ ሓጊዙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንፍትሕ ከም ቀሊል ነገር ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ሰብኡት ንኣንስቶም ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሕወን ይኽእሉ ነበሩ። (nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማር 10:4, 11) የሱስ፡ ሕጋዊ መስራቲ መውስቦ የሆዋ ኸም ዝዀነ ጠቒሱ እዩ። (ማር 10:2-12) ሰብኣይን ሰበይትን ‘ሓደ ስጋ ዀይኖም’ ነባሪ ጥምረት ኪምስርቱ ኣለዎም። ብመሰረት ማቴዎስ ዝጸሓፎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፡ ንፍትሕ ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት፡ “ምንዝርና” ጥራይ እዩ።—ማቴ 19:9።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንመውስቦ ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ናይ የሱስ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ፈሪሳውያን እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ቐልጢፎም እዮም ዚፋትሑ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ፣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ድማ ጸገማቶም ኪፈትሑ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ነታ ፍቕርን ኣኽብሮትን፡ ሓድነት ስድራ ቤታት የደልድል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ፣ ሓደ ሰብኣይ ሰበይቱ ኽትዛረብ ከላ ጽን ኢሉ ይሰምዓ፣ እተቐደደ ስእሊ መርዓ

    ንምሳሌ 15:1 ኣብ ሓዳርካ ኸተተግብራ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

  • ንምሳሌ 19:11 ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ጸገማት ከተወግድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ሓዳርካ ናብ ምፍራስ ገጹ ይኸይድ እንተ ኣልዩ፡ ‘ክፋታሕዶ’ ኢልካ ኣብ ክንዲ እተሓስብ፡ ነየናይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧

  • ንማቴዎስ 7:12 ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ዝሓሸ ብዓል ቤት ወይ ዝሓሸት ብዓልቲ ቤት ክትኰኑ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ