ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ሰነ ገጽ 8
  • ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ግበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ግበሮ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽናዕቲ ዓስቢ ኣለዎ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • መጽናዕቲ—ዓስቢ ዘለዎን ዘሐጕስን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብነት ነገስታት ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ነማዕብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ሰነ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ግበሮ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ፡ ናይ ሓቂ ‘ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ከነስተውዕል’ ይሕግዘና። (ኤፌ 3:18) ብዘይካዚ፡ ኣብ ማእከል እዛ እክይቲ ዓለም፡ መንቅብ ዘይብልናን ኣበር ዘይብልናን ክንከውን፡ ከምኡ እውን ‘ነቲ ቓል ህይወት ኣጽኒዕና ኽንሕዞ’ ይሕግዘና። (ፊል 2:15, 16) ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ነቲ ብውልቂ ዜድልየና ነገራት ክንመርጽ የኽእለና። ካብ ንባብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብዝያዳ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንዚርከብ ጥቕስታት ኣስምረሉን መዘኻኸሪ ጽሓፈሉን፣ እዚ ድማ ኣብ እተሓትመ ወይ ኣብ ኤለክትኖኒካዊ መሳርሒ ዚርከብ ኪኸውን ይኽእል እዩ

  • ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከለኻ፡ ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተታ፦ ‘መን፧ እንታይ፧ መዓስ፧ ኣበይ፧ ስለምንታይ፧ ብኸመይ፧’

  • ቅኑዕ ሓበሬታ ርኸብ። ንምርምር ብዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ ብኣርእስቲ ወይ ድማ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ግበር

  • እቲ ሓበሬታ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ንምስትውዓል ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ

  • ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ተግብሮ።—ሉቃ 6:47, 48

ነታ ‘ኣጽኒዕካ ሓዝ’—ብውጽኢታዊ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ንብሕታዊ መጽናዕቲ ብኸመይ ይገልጽዎ፧

  • ብሕታዊ መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርና፡ ኵሉ ሳዕ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርድኦ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

  • ኣብቲ ንመጽናዕቲ እንጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ከመይ ዝበለ ምልክታት ክንገብር ንኽእል፧

  • ቃል ኣምላኽ ኣብ እነጽንዓሉ እዋን፡ ምስትንታን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ነቲ እተምሃርናዮ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

ሓንቲ ሓብቲ ዕምቈት ዘለዎ መጽናዕቲ ትገብር፣ ሓደ ሓው ንመጽሓፍ ቅዱሱ ብእተፈላለየ ሕብሪ የስምረሉ፣ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳ ኻብ ዘሎ መዘኻኽሪ ንኽልተ ሰብኡት ተካፍሎም፣ ሓደ ሓው ይጽሊ

“ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ! ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ ኣለኹ።”—መዝ 119:97

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ