ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ
“ኣእዳውካ ተሓጸብ። ክፍልኻ ኣጽሪ። ገዛ ዀስትር። ጐሓፍ ደርቢ።” ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ብኣካላዊ መዳይ ብኸመይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይምህርዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምንጪ ስርዓታት ንጽህና፡ እቲ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽና እዩ። (ዘጸ 30:18-20፣ ዘዳ 23:14፣ 2ቈረ 7:1) ንሰብነትናን ንንብረትናን ብንጽህና ንሕዝ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና። (1ጴጥ 1:14-16) ገዛናን ከባቢናንከ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ክርስትያናት ከምቶም ኣብ መገድን ኣብ መናፈሻታትን ጐሓፍ ዚድርብዩ ሰባት ዘይኰኑስ፡ ነታ መንበሪቶም ዝዀነት ምድሪ ንምክንኻን ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ እዮም። (መዝ 115:16፣ ራእ 11:18) ነቲ ኸም መጠቕለሊ ካራሜላ፡ ታኒካ ልስሉስ መስተ፡ ወይ ማስቲካ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራትን እነወግደሉ መገዲ እውን ብዛዕባ ንጽህና ዘሎና ኣረኣእያ ይገልጽ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና፡ ‘ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ኸነርኢ’ ንደሊ ኢና።—2ቈረ 6:3, 4።
ነታ ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
- ገሊኦም ንንብረቶም ብንጽህና ዘይሕዙሉ እንታይ መመኽነይታ እዮም ዜቕርቡ፧ 
- ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጽህና ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ 
- ብዛዕባ የሆዋ ድምጺ ኣልቦ ምስክርነት ክንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ 
ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ንጽህና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ብሕታዊ ህይወተይ ከንጸባርቖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧