ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ጥቅምቲ ገጽ 8
  • የሆዋ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽሬት እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ጽሬት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ጽሬት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ጥቅምቲ ገጽ 8
ሓደ ሓው ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሽቓቕ የጽሪ

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ

“ኣእዳውካ ተሓጸብ። ክፍልኻ ኣጽሪ። ገዛ ዀስትር። ጐሓፍ ደርቢ።” ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ብኣካላዊ መዳይ ብኸመይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይምህርዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ምንጪ ስርዓታት ንጽህና፡ እቲ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽና እዩ። (ዘጸ 30:18-20፣ ዘዳ 23:14፣ 2ቈረ 7:1) ንሰብነትናን ንንብረትናን ብንጽህና ንሕዝ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና። (1ጴጥ 1:14-16) ገዛናን ከባቢናንከ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ክርስትያናት ከምቶም ኣብ መገድን ኣብ መናፈሻታትን ጐሓፍ ዚድርብዩ ሰባት ዘይኰኑስ፡ ነታ መንበሪቶም ዝዀነት ምድሪ ንምክንኻን ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ እዮም። (መዝ 115:16፣ ራእ 11:18) ነቲ ኸም መጠቕለሊ ካራሜላ፡ ታኒካ ልስሉስ መስተ፡ ወይ ማስቲካ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራትን እነወግደሉ መገዲ እውን ብዛዕባ ንጽህና ዘሎና ኣረኣእያ ይገልጽ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና፡ ‘ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ኸነርኢ’ ንደሊ ኢና።—2ቈረ 6:3, 4።

ነታ ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ንንብረቶም ብንጽህና ዘይሕዙሉ እንታይ መመኽነይታ እዮም ዜቕርቡ፧

  • ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጽህና ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • ብዛዕባ የሆዋ ድምጺ ኣልቦ ምስክርነት ክንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሓደ ኣቦ ናብታ ዝረስሓት ናይ ወዱ መኪና ይኣቱ፣ ኣቦን ወድን ነቲ የሆዋ ንጽህና ዚምልከት ዜውጽኦ መለኪዒታት ይዛተዩሉ፣ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ክልተ ኻህናት ኣብ ጥቓ እቲ ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ነሓሲ፣ እታ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ትወጽእ፡ እቲ ወዲ ድማ ነታ ማኪና የጽርያ

ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ንጽህና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ብሕታዊ ህይወተይ ከንጸባርቖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ