ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 12-14
ንዓኻ እውን ዚጸልወካ ኺዳን
እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ንመንግስተ ሰማያት ሕጋዊ መሰረት ዜቕውም እዩ ነይሩ
እዚ ኺዳን እዚ፡ ብ1943 ቅ.ክ. ማለት፡ ኣብርሃም ንፈለግ ኤፍራጥስ ተሳጊሩ ናብ ከነኣን ኣብ እተጓዕዘሉ እዋን እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ
እዚ ኺዳን እዚ፡ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኽሳዕ እተጥፍኦም፡ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ክሳዕ ዚባረኹ ኪቕጽል እዩ
የሆዋ ንኣብርሃም ስለታ ዓባይ እምነቱ ባረኾ። ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት እንተ ኣርኢና፡ ብመሰረት እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧