ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 15-17
የሆዋ ንስም ኣብራምን ሳራይን ዝቐየሮ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብራም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣበር ዘይብሉ እዩ ነይሩ። ንኣብራም ቃል ምስ ኣተወሉ፡ ንኣብራምን ንሳራይን ትንቢታዊ ትርጉም ዘለዎ ስማት ቀየረሎም።
ከም ትርጉም ስሞም፡ ኣብርሃም ኣቦ ብዙሓት ኰነ፣ ካብ ሳራ ኸኣ ነገስታት ወጺኦም እዮም።
ኣብርሃም
ኣቦ ብዙሓት
ሳራ
ልዕልቲ
ክንውለድ ከለና ዚውሃበና ስም ክንሓሪ ኣይንኽእልን ኢና። ከም ኣብርሃምን ሳራን ግና ጽቡቕ ስም ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦
‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣበር ዘይብለይ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’
‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎኒ፧’