ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 20-21
የሆዋ ወትሩ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ
የሆዋ፡ ስለቲ ኣብርሃምን ሳራን ዘርኣይዎ እምነት፡ ወዲ ብምሃብ ባረኾም። እቲ ኣብርሃምን ሳራን ጸኒሖም ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርኣይዎ ተኣዛዝነት፡ ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዜደንቕ እምነት ከም ዘለዎም የርኢ።
እቲ ኣብ እዋን ፈተናታት ዘርእዮ ተኣዛዝነት፡ ኣብቲ የሆዋ ንመጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ከም ዘሎኒ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ እምነተይ ከደልድል ዝኽእልከ ብኸመይ እየ፧