ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 19-20
እተን ዓሰርተ ትእዛዛትን ንስኻን
ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን። (ቈሎ 2:13, 14) እሞ ደኣ እተን ዓሰርተ ትእዛዛትን እቲ ኻልእ ሕግታትን ብኸመይ ይጠቕመና፧
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእተፈላለየ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ ይገልጸልና
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኻባና ዚጽበዮ ሓላፍነት የጕልሓልና
ብዛዕባ እቲ ምስ ካልኦት ኪህልወና ዘለዎ ርክብ የብርሃልና
ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትምሃር፧