ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 መስከረም ገጽ 3
  • ሓሶት ከይትነዝሕ ተጠንቀቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓሶት ከይትነዝሕ ተጠንቀቕ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ነቲ እተመሃርኩምዎ ግበርዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሕሜት እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧
    ንቕሑ!—1999
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 መስከረም ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓሶት ከይትነዝሕ ተጠንቀቕ

ሓንቲ ሰበይቲ ኣስቤዛ እናገበረት ከላ፡ ኣብ ሞባይላ ብዝርኣየቶ ነገር ትስምብድ።

ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ብጽሑፍ፡ ብረድዮ፡ ብተለቪዥን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ኣብ ሓጺር እዋን ሓበሬታ ይበጽሖም እዩ። እቶም ን“ኣምላኽ ሓቂ” ዜምልኹ ሰባት ግና ዋላ እውን ብዘይፍላጥ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኺነዝሑ ኣይደልዩን እዮም። (መዝ 31:5፣ ዘጸ 23:1) ብዛዕባ ኻልኦት ሓሶት ምንዛሕ ዓብዪ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ንሓቅነት ሓደ ነገር ከተረጋግጽ ከለኻ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ርእስኻ ሕተት፦

  • ‘እቲ ምንጪ እሙን ድዩ፧’ እቲ ዜውሪ ሰብ ዘይፈልጦ ነገራት ይህሉ ይኸውን። ወረ ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ኪመሓላለፍ ከሎ መወዳእታኡ ይቕየር እዩ፣ ስለዚ፡ ምንጪ እቲ ወረ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ ተጠንቀቕ። እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣኽቢርካ ስለ ዚርኣዩ፡ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ኸየመሓላልፉ ኣዝዮም ኪጥንቀቑ ኣለዎም

  • ‘እቲ ሓበሬታ ዜካፍእ ድዩ፧’ ንጽቡቕ ስም ሓደ ሰብ ወይ ጕጅለ ዜጸልም እንተ ዀይኑ፡ ኪዝረብ የብሉን።—ምሳ 18:8፣ ፊል 4:8

  • ‘ሓቅነት ዘለዎ ዚመስል ድዩ፧’ ሓደ ዜስደምም ወረ ወይ ተመክሮ እንተ ሰሚዕካ ተጠንቀቕ

ነታ ንሕሜት ብኸመይ ክዓግቶ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓደ ወዲ ኣብ ከቢብ ሰሌዳ ዒላማ ተኣሲሩ፡ ካራሩ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ይሽከት።

    ብመሰረት ምሳሌ 12:18፡ ቃላት እንታይ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል፧

  • ሰባት ተኣኪቦም ይሓምዩ።

    ፊልጲ 2:4 ብዛዕባ ኻልኦት ክንዛረብ ከለና፡ ሚዛናውያን ክንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

  • ሓደ ሰብኣይ ካብ ሓደ ሓማዪ ሰብኣይ ገጹ ይኽውል።

    ብዛዕባ ኻልኦት ዚዝረብ ዘረባ፡ ናብ ሕጫጨ ወይ ናብ ኣሉታ ኪቕየር እንተ ጀሚሩ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

  • ሓደ ሰብኣይ ኬውሪ ኸሎ፡ ሓደ ኸም ሪፖርተር እተኸድነ ድማ፡ መዘኻኸሪ ይሕዝ።

    ብዛዕባ ኻልኦት ቅድሚ ምዝራብና፡ ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ