ክርስትያናዊ ህይወት
ዓመታዊ ኣኼባታት—ፍቕሪ እተርእየሉ ኣጋጣሚታት
ንዓመታዊ ኣኼባታትና ኣዚና እንሕጐሰሉ ስለምንታይ ኢና፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ኣኼባታት ዞባን ኣህጕራዊ ኣኼባታትን ንየሆዋ ምስቶም ብኣማእታት ወይ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓቢርና ኸነምልኾ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና እዩ። ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ ንሕጐሰሉ ኢና። ነቲ ምስ ፈተውትናን ስድራ ቤትናን እነሕልፎ ግዜ እውን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ስለዚ፡ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ዞባ ኽንእከብ ንህንጠ ኢና።
ሓቢርና ኽንእከብ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጥቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ፍቕሪ ኸም እነርኢ እውን ክንሓስብ ኣሎና። (ገላ 6:10፣ እብ 10:24, 25) ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ማዕጾ ኸፊትና ኸነሕልፎም ከለና ወይ ድማ ዜድልየና ኾፍ መበሊ ጥራይ ክንሕዝ ከለና፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢና እንጥምት ዘለና። (ፊል 2:3, 4) እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከነጥሪ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና እዩ። ቅድሚ እቲ ኣኼባ ዀነ ድሕሪኡ፡ ከምኡ እውን ኣብ እዋን ምሳሕ፡ ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ንምልላይ ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (2ቈረ 6:13) እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንምስርቶ ምሕዝነት፡ ንዘለኣለም ዚቕጽል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ተዓዘብቲ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብተግባር ክትግለጽ ከላ ምስ ዚርእዩ፡ ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ኼምልኽዎ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃ 13:35።
ነታ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ”!—ኣህጕራዊ ኣኼባታት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣብ ኣህጕራዊ ኣኼባታት 2019፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ካልኦት ሃገራት ንዚመጹ ልኡኻት ብኸመይ እዮም ፍቕሪ ኣርእዮምዎም፧
እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነትን ፍቕርን ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ መዳያት ክርስትያናዊት ፍቕሪ እዮም ኣጕሊሖም፧
ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ንዚርአ ፍቕሪ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧
ኣብ ጀርመንን ኣብ ደቡብ ኮርያን ክርስትያናዊት ፍቕሪ እተራእየት ብኸመይ እያ፧
እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧