ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ጥሪ ገጽ 7
  • ዓመታዊ ኣኼባታት—ፍቕሪ እተርእየሉ ኣጋጣሚታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓመታዊ ኣኼባታት—ፍቕሪ እተርእየሉ ኣጋጣሚታት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቶም ሕጉሳት ህዝቡ ይእክቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብ ኣሰምብሊታት ምሕጓስን ንኣምላኽ ምውዳስን
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ክገብሩ ኢዮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ 2003 ዝግበር ኣህጉራዊ ኣኼባታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ጥሪ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ዓመታዊ ኣኼባታት—ፍቕሪ እተርእየሉ ኣጋጣሚታት

ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ልኡኻት ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ስእሊ ይስኣሉ።

ንዓመታዊ ኣኼባታትና ኣዚና እንሕጐሰሉ ስለምንታይ ኢና፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ኣኼባታት ዞባን ኣህጕራዊ ኣኼባታትን ንየሆዋ ምስቶም ብኣማእታት ወይ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓቢርና ኸነምልኾ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና እዩ። ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ ንሕጐሰሉ ኢና። ነቲ ምስ ፈተውትናን ስድራ ቤትናን እነሕልፎ ግዜ እውን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ስለዚ፡ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ዞባ ኽንእከብ ንህንጠ ኢና።

ሓቢርና ኽንእከብ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጥቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ፍቕሪ ኸም እነርኢ እውን ክንሓስብ ኣሎና። (ገላ 6:10፣ እብ 10:24, 25) ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ማዕጾ ኸፊትና ኸነሕልፎም ከለና ወይ ድማ ዜድልየና ኾፍ መበሊ ጥራይ ክንሕዝ ከለና፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢና እንጥምት ዘለና። (ፊል 2:3, 4) እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከነጥሪ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና እዩ። ቅድሚ እቲ ኣኼባ ዀነ ድሕሪኡ፡ ከምኡ እውን ኣብ እዋን ምሳሕ፡ ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ንምልላይ ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (2ቈረ 6:13) እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንምስርቶ ምሕዝነት፡ ንዘለኣለም ዚቕጽል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ተዓዘብቲ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብተግባር ክትግለጽ ከላ ምስ ዚርእዩ፡ ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ኼምልኽዎ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃ 13:35።

ነታ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ”!—ኣህጕራዊ ኣኼባታት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ‘‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ’! ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ልኡኻትን ደቂ እቲ ዓድን ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ይተሓቋቘፉ።

    ኣብ ኣህጕራዊ ኣኼባታት 2019፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ካልኦት ሃገራት ንዚመጹ ልኡኻት ብኸመይ እዮም ፍቕሪ ኣርእዮምዎም፧

  • ‘‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ’! ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ደቂ እቲ ዓድን ልኡኻትን ሓቢሮም ስእሊ ይስኣሉ።

    እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነትን ፍቕርን ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ‘‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ’! ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኮርያውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዚብል ምልክት ሒዞም ነቶም ናብ ኣኼባ ዚመጹ ሰባት ኢዶም እናወዛወዙ ይቕበልዎም።

    ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ መዳያት ክርስትያናዊት ፍቕሪ እዮም ኣጕሊሖም፧

  • ‘‘ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ’! ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ሕጕስቲ ቘልዓ፡ ሽዑ እተቐበለቶ ‘ትርጉም ሓዳስ ዓለም’ ሒዛ።

    ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ንዚርአ ፍቕሪ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧

    ኣብ ጀርመንን ኣብ ደቡብ ኮርያን ክርስትያናዊት ፍቕሪ እተራእየት ብኸመይ እያ፧

  • እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ