ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ግንቦት ገጽ 7
  • ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተግሳጽ— መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንደቅኻ ብኸመይ ክትግስጾም ይግባእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • “ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ግንቦት ገጽ 7
ሓደ ዘይተነስሐ መንእሰይ ካብ ገዛ ኺወጽእ ከሎ፡ ወለዱ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይኖም ይበኽዩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ

ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ ንመምርሕን ንትምህርትን የመልክት፣ ንመቕጻዕትን ንመአረማታን እውን የጠቓልል እዩ። የሆዋ ዚግስጸና ብግቡእ መገዲ ምእንቲ ኸነምልኾ እዩ። (ሮሜ 12:1፣ እብ 12:10, 11) ሓድሓደ ግዜ ተግሳጽ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ጽድቅን በረኸትን ግና የፍሪ እዩ። (ምሳ 10:7) እቶም ምኽሪ ዚህቡን እቶም ምኽሪ ዚቕበሉን እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

ተግሳጽ ዚህቡ። ሽማግለታትን ወለድን ካልኦትን ከም የሆዋ ብፍቕርን ብለውሃትን ተግሳጽ ኪህቡ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። (ኤር 46:28) ተሪር ተግሳጽ እውን እንተ ዀነ፡ ብግቡእን ብፍቕርን ኪውሃብ ኣለዎ።—ቲቶ 1:13።

ተግሳጽ ዚቕበሉ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንዚውሃበና ተግሳጽ ኣብ ክንዲ እንነጽጎ፡ ብኡብኡ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። (ምሳ 3:11, 12) ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ እተፈላለየ ዓይነት ተግሳጽ የድልየና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘንበብናዮን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኻብ እተመሃርናዮን ተግሳጽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ካብ ኮሚተ ፍርዲ ተግሳጽ ይውሃብ እዩ። ተግሳጽ ምስማዕ ናብ ህይወት ይመርሕ።—ምሳ 10:17።

ነታ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካኖን ብንእስነቱ ምስ ወለዱ ዀይኑ ይሰብኽ።

    ህይወት ካኖን ብኸመይ ጀሚሩ፧ ብኸመይከ ተቐይሩ፧

  • ካብታ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካኖን መንእሰይ ምስ ኰነ ሽማግለታት የዘራርብዎ።

    ካብ የሆዋ እንታይ ዓይነት ፍቕራዊ ተግሳጽ እዩ ተቐቢሉ፧

  • ካብታ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ምስ ዓበየ ኸኣ፡ ካኖን ኣብ ጉባኤ ምስ መንእሰያት የዕልል።

    ንተግሳጽ የሆዋ ፍተዎ

    ካብ ተመክሮኡ እንታይ ንምሃር፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ