ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ጥሪ ገጽ 11
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንወለድኹም ልብኹም ክፈቱሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንወለድኹም ልብኹም ክፈቱሎም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ደቅኻ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ንምሕጋዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ጥሪ ገጽ 11

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም መንእሰያት፡ ንወለድኹም ልብኹም ክፈቱሎም

ንወለድኹም ሓሳብኩም ብግህዶ ኽትገልጽሎም ዘሎኩም ስለምንታይ ኢኹም፧ (ምሳ 23:26) ከመይሲ፡ የሆዋ ኺሓልዩልኩምን ኪመርሕኹም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (መዝ 127:3, 4) ሻቕሎትኩምን ጭንቀትኩምን ካብኦም ትሓብእዎ እንተ ዄንኩም፡ ንኺሕግዝኹም ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ህይወቶም ዝረኸብዎ ግብራዊ ተመክሮታት፡ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ኣጋጣሚ ኼምልጠኩም ይኽእል እዩ። ንገለ ሓሳባትኩም እንተ ዘይነጊርክምዎም ጌጋ ድዩ፧ ከተታልልዎም ክሳዕ ዘይፈተንኩም ከምኡ ምግባር ጌጋ ኣይኰነን።—ምሳ 3:32።

ንወለድኹም ብኸመይ ክትዛረብዎም ትኽእሉ፧ ንዓኻትኩምን ንዕኦምን ዚጥዕም ግዜ ምረጹ። ከምኡ ምግባር እንተ ኣጸጊምኩም፡ ንሓዲኦም ብደብዳበ ስምዒትኩም ክትገልጽሉም ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ዘይትደልይዎ ጕዳይ ኬዘራርብኹም እንተ ደልዮምከ፧ ብሓቂ ኺሕግዝኹም ከም ዚደልዩ ኣይትረስዑ። ንወለድኹም ከም ጸላእትኹም ዘይኰነስ፡ ከም ፈተውትኹም ጌርኩም ርኣይዎም። እቲ ምስ ወለድኹም እሂን ምሂን ንምባል እተገብርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ንዘለኣለም ኪጠቕመኩም እዩ።—ምሳ 4:10-12።

ነታ ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ጐርዞ፡ መስምዒ ኣብ እዝና ወቲፋ ኮምፒዩተር ትጥቀም፡ ነታ ኸተዘራርባ እትፍትን ዘላ ኣዲኣ ድማ ዕሽሽ ትብላ። her.

    ኣስተርን ፓርቲክን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ እዮም ተገንዚቦም፧

  • “ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ጐርዞ ምስ ኣዲኣ ትዘራረብ፡ ካብ ሞባይላ ድማ ገለ ነገር ተርእያ።

    ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

  • “ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ኣደ፡ ዕዮ ገዛ ሓዲጋ ምስ ንእሽቶ ወዳ ትጻወት።

    ወለድኻ ኸም ዚሓልዩልካ ዘርኣዩኻ ብኸመይ እዮም፧

  • “ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓደ ኣሰልጣኒ ዅዕሶ ሰክዔት ጋንታኡ ብኸመይ ክትጻወት ከም ዘለዋ ኣብ ክሊፕቦርድ ይሕንጽጽ።

    ወለድኻ ኽትዕወት እዮም ዚደልዩኻ

    ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ