ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ጥሪ ገጽ 13
  • ካብ ህይወት ሳሙኤል እንረኽቦ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ህይወት ሳሙኤል እንረኽቦ ትምህርቲ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓበየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ጥሪ ገጽ 13
ስእልታት፦ “ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል” ኣብ ቪድዮ እተመስረተ ምሳሌታት። 1. ዳኒ 2. እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል።

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ ህይወት ሳሙኤል እንረኽቦ ትምህርቲ

ሳሙኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ። ንእሽቶ ኸሎ ኸምቶም ብልሹዋት ዝነበሩ ኦፍኒን ፊንሃስን ዚብሃሉ ደቂ ኤሊ ኣይነበረን። (1ሳሙ 2:22-26) ሳሙኤል እናዓበየ ኸደ፡ የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። (1ሳሙ 3:19) ምስ ዓበየ ዋላ እኳ ደቁ ኻብ መገዲ የሆዋ እንተ ኣላገሱ፡ ንሱ ግና ብኣኣ ተመላለሰ።—1ሳሙ 8:1-5።

ካብ ኣብነት ሳሙኤል እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ መንእሰይ እንተ ደኣ ዄንካ፡ የሆዋ ነቲ ዜጋጥመካ ብድሆታት ከም ዚፈልጦን ንስምዒትካ ኸም ዚርድኣልካን ተኣማመን። ተባዕ ክትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ኢሳ 41:10, 13) ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ውሉድ ዘለካ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ሳሙኤል እኳ ነቶም ዓበይቲ ደቁ፡ ንስርዓታት የሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኺገብሮም ከም ዘይከኣለ ምፍላጥካ፡ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ሳሙኤል ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ብምሕዳግ፡ ንጽህናኡ ሓልዩ፣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ኣሕጕስዎ እዩ። ምናልባት እቲ ሰናይ ኣብነትካ ንውሉድካ፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ኪድርኾ ይኽእል እዩ።

ነታ ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሳሙኤል ኣብ ቀጽሪ እቲ መሕደር፡ ዕንጨይቲ ተሰኪሙ።

    ሳሙኤል ቈልዓ ኸሎ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • “ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ዳኒ ናብቲ ዓብዪ ሓው ቀሪቡ፡ ብዛዕባ እቲ ዚመርሖ ዘሎ ኽልተ ዓይነት ህይወት ይሓትቶ።

    ዳኒ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • “ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ነብዪ ሳሙኤል ብዕድመ ምስ ደፍአ።

    ሳሙኤል ብዕድመ ምስ ደፍአ ሰናይ ኣብነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • “ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ወለዲ ዳኒ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ድሕሪ ምክፋሎም ምስ ዳኒ።

    የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ብጽኑዕ ዚድግፉ ይሕግዞም

    ወለዲ ዳኒ ሰናይ ኣብነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ