ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 መስከረም ገጽ 5
  • መውስቦ—ነባሪ ጥምረት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መውስቦ—ነባሪ ጥምረት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን እንታይ ይብል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 መስከረም ገጽ 5
ሰብ ሓዳር ብሓባር የገልግሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መውስቦ—ነባሪ ጥምረት

ዕዉት ክርስትያናዊ መውስቦ ንየሆዋ ኽብሪ፡ ንሰብኣይን ንሰበይትን ድማ ሓጐስ የምጽእ። (ማር 10:9) ክርስትያናት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም መጻምድቶም ምስ ዚመርጹ፡ ጽኑዕን ዜሐጉስን መውስቦ ይህልዎም።

“ብጽሕናኡ” ምስ ሓለፈ ወረዘ ዚጅምር፡ ክንየው ጾታዊ ስምዒት፡ ውሳነ ኺውስን ይኽእል እዩ። (1ቈረ 7:36) ቅድሚ ምምርዓውካ ዘለዋ ዓመታት ብጥበብ ምጥቃምካ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክትምስርትን ክርስትያናዊ ባህርያት ከተማዕብልን የኽእለካ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ዕዉት መውስቦ ብሉጽ እጃም ኪህልወካ ይኽእል እዩ።

ንሓደ ሰብ ክትምርዖ ቕድሚ ምውሳንካ፡ ኣድላዪ ግዜ ወሲድካ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ፍለጥ። (1ጴጥ 3:4) ጥርጣረ እንተ ሓዲሩካ፡ ምስቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰብካ ሰብ ተመያየጥ። ከምቲ ምስ ካልኦት ሰባት እትገብሮ፡ ኣብ መውስቦ እውን ካብቲ እትረኽቦ ንላዕሊ ኣብቲ እትህቦ ኣተኵር። (ፊል 2:3, 4) ቅድሚ መርዓኻ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ንሕጉስ ሓዳር ጽቡቕ መሰረት ኢኻ ተንብር።

ነታ ንሓዳር ምድላው—3ይ ክፋል፦ ‘ቅድም ተቐሚጥካ ጸብጽብ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እታ ሓብትን ሼንን ርክቦም ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧

  • ርክቦም እናቐጸለ ምስ ከደ እንታይ ኣስተብሂላ፧

  • ወለዳ ብኸመይ ሓጊዞምዋ፧ ንሳኸ እንታይ ጥበባዊ ውሳነ ገይራ፧

ሓደ ሓው ምስ ሓንቲ ሓብቲ ወረዘ ኺገብር ከሎ፡ ኪሓስበሉ ዚግባእ ሕቶታት፦

እንታይ ኣምላኻዊ ባህርያት ኣለዋ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተቐድም ድያ፧ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ተኽብር ድያ፧ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ትግደስ ድያ፧

ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ ሓው ወረዘ ኽትገብር ከላ፡ ክትሓስበሉ ዚግባእ ሕቶታት፦

እንታይ ኣምላኻዊ ባህርያት ኣለዎ፧ ካብ ስራሕን ገንዘብን ስፖርትን መዘናግዕን ንላዕሊ ንኣምልኾን ንሓላፍነታት ጉባኤኡን የቐድም ድዩ፧ ንስድራኡ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ይግደስ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ