ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ጥሪ ገጽ 9
  • የሆዋ ኣብ መከራና ይድግፈና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኣብ መከራና ይድግፈና
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ኽንጻወር ዚሕግዝና ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ጥሪ ገጽ 9
ወለድን ክልተ ንኣሽቱ ደቆምን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣቢሎም ምስ ጉባኤኦም ይሓብሩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ኣብ መከራና ይድግፈና

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሕ መከራ የጋጥመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ መከራና ዘይንጾሮ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ እንተ ቐሪብና፡ ነቲ ልቢ ዚሰብር መከራ እውን ከይተረፈ ኽንጻወሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኢሳ 43:2, 4) ብመከራ ኽንሓልፍ ከለና፡ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ጸሎት። ልብና ናብ የሆዋ ኸነፍስስ ከለና፡ ክንጻወር ዜኽእለና ሰላምን ስምዒታዊ ሓገዝን ይህበና እዩ።—ፊል 4:6, 7፣ 1ተሰ 5:17።

ኣኼባታት። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግብን ምሕዝነትን የድልየና ኣሎ። (እብ 10:24, 25) ንኣኼባ ኽንዳሎ ኸለናን ኣብ ኣኼባ ኽንእከብን ክንሳተፍን ከለናን ካብቲ መንፈስ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ንጥቀም ኢና።—ራእ 2:29።

ኣገልግሎት። ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ኴንና ንምቕጻል ዚከኣለና ዘበለ እንተ ጌርና፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ምትኳር ዝቐለለ ይዀነልና። ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾትናን ድማ ድልዱል ርክብ ይህልወና።—1ቈረ 3:5-10።

ነታ የሆዋ ኪቕበላካ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ማሉ ኣብ እዋን መከራኣ ናብ የሆዋ ኽትለግብ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

  • ንሕና እውን ልክዕ ከም ማሉ፡ እቲ ኣብ መዝሙር 34:18 ዚርከብ ቃላት ኬጸናንዕና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ተመክሮ ማሉ ንሕና እውን መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸም ዚህበና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧—2ቈረ 4:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ