ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ለካቲት ገጽ 8-13
  • ንኣቦና የሆዋ ኣጸቢቕና ነፍቅሮ ኢና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣቦና የሆዋ ኣጸቢቕና ነፍቅሮ ኢና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ
  • እዙዝ ብምዃን፡ ፍቕርኻ ኣርኢ
  • ካልኦት ንኣቦና ኼፍቅርዎ ሓግዞም
  • ንኣቦና ኣፍቅሮ እሞ ሕጉስ ኩን
  • ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ ቕረቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ የሆዋ ልገብ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ለካቲት ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

ንኣቦና የሆዋ ኣጸቢቕና ነፍቅሮ ኢና

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና።”—1 ዮሃ. 4:19።

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪa

1-2. የሆዋ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኽንከውን ስለምንታይን ብኸመይን እዩ መገዲ ኸፊቱልና፧

የሆዋ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምለኽቱ ኽንከውን ዓዲሙና ኣሎ። እዚ ዕድመ እዚ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ! ስድራ ቤትና በቶም ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩን ኣብ መስዋእታዊ በጃ ወዱ ዚኣምኑን ሰባት ዝቘመ እዩ። ሓጐስ ዝመልኦ እውን እዩ። ሕጂ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኣሎና፣ ብዛዕባ መጻኢ ድማ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንረክብ ተስፋ ኣሎና።

2 የሆዋ ብፍቕሪ ስለ እተደረኸ፡ ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን መገዲ ንምኽፋት ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። (ዮሃ. 3:16) እወ፡ ‘ብዋጋ ኢና ተዓዲግና።’ (1 ቈረ. 6:20) በቲ በጃ ኣቢሉ ኸኣ፡ ምስኡ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ርክብ ንምምስራት ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ነቲ ኣብ ብዘላ ዩኒቨርስ ካብ ዘለዉ ዅሎም ዚዓቢ ፈጣሪና ድማ ኣቦና ኢልና ናይ ምጽዋዕ ክብሪ ረኺብና ኣለና። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ኸኣ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣቦ እዩ።

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧ (“የሆዋ የስተብህለለይ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

3 ከምቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (መዝ. 116:12) ከም ሓቂ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ውሬታ ኽንመልሰሉ ኸቶ ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕሩ ግና ከነፍቅሮ ይድርኸና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:19) እሞ ደኣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

የሆዋ የስተብህለለይ ድዩ፧

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መገዲ ኸላ ሰባት ብጥቓኣ ይሓልፉ። ኣንቃዕሪራ ኽትጥምት ከላ፡ ‘ኣምላኽ የስተብህለለይ ድዩ፧’ ኢላ እትሓስብ ይመስል።

‘ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት፡ ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንዓይ ዜስተብህለለይ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ከምኡ ተሰሚዕዎም ይፈልጥ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧ እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 144:3) ዳዊት፡ የሆዋ ንዕኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። (1 ዜና 17:16-18) ንዓኻ እውን፡ ነቲ ንዕኡ እተርእዮ ፍቕርኻ ኸም ዜስተብህለሉ፡ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ የረጋግጸልካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓቂ እዚ ርግጸኛ ኽትኰነሉ እትኽእል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ገሊኡ ሓሳባት እስከ ርአ፦

  • የሆዋ ገና ኸይተወለድካ እኳ የስተብህለልካ እዩ።—መዝ. 139:16።

  • የሆዋ ንልብኻን ንሓሳብካን ይፈልጦ እዩ።—1 ዜና 28:9።

  • የሆዋ ንዅሉ ጸሎትካ ባዕሉ ይሰምዖ እዩ።—መዝ. 65:2።

  • ተግባራትካ ንስምዒታት የሆዋ ይጸልዎ እዩ።—ምሳ. 27:11።

  • የሆዋ ንዓኻ ብብሕቲ ናብኡ ስሒቡካ እዩ።—ዮሃ. 6:44።

  • እንተ ሞይትካ፡ የሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠካ፡ ኬተንስኣካ ይኽእል እዩ። ንሰብነትካ ዳግም ኪሰርሖ፡ ንኣእምሮኻ ምስ ተዘክሮታቱ ናብ ዝነበሮ ኺመልሶ፡ ነቲ ኻብ ካልኦት ፍሉይ ዚገብረካ ባህርያትካ እውን ኪመልሰልካ እዩ።—ዮሃ. 11:21-26, 39-44፣ ግብ. 24:15።

ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ኮፍ ኢላ ትጽሊ፣ እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ ቅድሚኣ ኣላ። 2. ሓደ ሓው ካብ መማህርቱ ዚቐረበሉ ሽጋራ ይኣቢ። 3. ሓደ ሓው ንሓደ ብማኪና እናዞረ ምግቢ ዚሸይጥ ሰብ ትራክት የርእዮ።

ብጸሎት ወትሩ ናብ የሆዋ ብምቕራብን ንዕኡ እዙዛት ብምዃንን ካልኦት ንዕኡ ኬፍቅርዎ ብምሕጋዝን፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቕና ኸም እነፍቅሮ ነርኢ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 4-14 ርአ)

4. ብመሰረት ያእቆብ 4:8፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 የሆዋ ንዕኡ ኽንቀርቦን ምስኡ ኽንዛራረብን ይደልየና እዩ። (ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።) “ብጸሎት ጽንዑ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ፣ ኪሰምዓና እውን ኵሉ ሳዕ ድሉው እዩ። (ሮሜ 12:12) ከይሰምዓና ኢሉ ‘ጕዳይ በዚሑኒ’ ወይ ‘ደኺመ’ ዚብል ምኽንያት ከቶ ኣየቕርብን እዩ። ንሕና እውን ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ንቓሉ ንምርዳእ ዚሕግዘና ጽሑፋትን ብምንባብ፡ ንዕኡ ንሰምዖ ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ብምክትታል እውን፡ ንዕኡ ንሰምዖ ኢና። ወለድን ወሉዳትን ንሓድሕዶም ጽቡቕ ዚዛራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ውሉዳት ምስ ወለዶም ወትሩ ተቐራሪቦም ኪነብሩ ይሕግዞም እዩ፣ ከምኡ ድማ ምስ የሆዋ ብስሩዕ ንዛራረብ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ወትሩ ኽንቀርቦ ኢና።

ሓንቲ ሓብቲ ኮፍ ኢላ ትጽሊ፣ እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ ቅድሚኣ ኣላ።

ሕጡብ ጽሑፍ 5

5. ትሕዝቶ ጸሎትና ብኸመይ ከነመሓይሽ ንኽእል፧

5 ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ጸሎት እሞ ሕሰብ። የሆዋ ብጸሎት ልብና ኸነፍስሰሉ እዩ ዚደሊ። (መዝ. 62:8) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ጸሎተይ ከምቲ ኻብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ደብዳበ ቐዲሕካ እትልእኮ ዕምቈት ዘይብሉ መልእኽቲ ድዩ፡ ወይስ ከምቲ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ ብኢድ እተጻሕፈ ደብዳበ፧’ ንየሆዋ መሸም ኣጸቢቕካ ተፍቅሮ ኢኻ፣ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እውን ድልዱል ኰይኑ ኪቕጽል ኢኻ እትደሊ። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ምስኡ ኣዘውቲርካ ኽትዛራረብ ኣሎካ። ምስጢርካ ኣካፍሎ። ሓጐስካን ጓሂኻን ንገሮ። ሓገዝ ኽትልምኖ ኸም እትኽእል ተኣማመን።

6. ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ምእንቲ ኽንቀርቦ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

6 ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ኽንቀርቦ እንተ ዄንና፡ ኵሉ ሳዕ ኣመስገንቲ ኽንከውን ኣሎና። ምስቲ ሓደ ዘማሪ ኸምዚ ኢሉ ዝጸሓፎ ንሰማማዕ ኢና፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ዜደንቕ ግብርታትካን ንዓና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን፡ እቲ ዝገበርካዮስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ። ምሳኻ ኺወዳደር ዚኽእል የልቦን፣ ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ዝፍትንሲ፡ ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ ምዀነ!” (መዝ. 40:5) ካብቲ ኣብ ልብና ዚስምዓና ሞሳ ንላዕሊ ኽንገብር ንደሊ ኢና፣ ብቓላትናን ብግብርናን ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ንገልጽ ኢና። እዚ ኸኣ ሎሚ ኻብ ብዙሓት ፍልይ የብለና እዩ። ሰባት ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚገብረሎም ነገራት ኣብ ዘየመስግኑላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ሓደ ኻብቲ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም እንነብር ዚሕብር ምልክት እኳ፡ ሰባት “ዘየመስግኑ” ምዃኖም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኸቶ ኣይንሓዝ!

7. የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧ ስለምንታይከ፧

7 ወለዲ፡ ደቆም ንሓድሕዶም ኣዕሩኽ ኪዀኑ ደኣ እምበር፡ ኪብኣሱ ኣይደልይዎምን እዮም። የሆዋ እውን፡ ኵሎም ደቁ ንሓድሕዶም ተሳንዮም ኪነብሩ እዩ ዚደልዮም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንና በታ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ኢና እንልለ። (ዮሃ. 13:35) ምስቲ፡ “ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” ኢሉ ዝጸሓፈ ዘማሪ ንሰማማዕ ኢና። (መዝ. 133:1) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ነርኢ ኢና። (1 ዮሃ. 4:20) ክፍሊ እቶም ንሓድሕዶም “ለዋሃትን ርሕሩሓትን” ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንሲ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!—ኤፌ. 4:32።

እዙዝ ብምዃን፡ ፍቕርኻ ኣርኢ

ሓደ ሓው ካብ መማህርቱ ዚቐረበሉ ሽጋራ ይኣቢ።

ሕጡብ ጽሑፍ 8

8. ብመሰረት 1 ዮሃንስ 5:3፡ ንየሆዋ እንእዘዘሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ንውሉዳት፡ ንወለዶም ኪእዘዙ ይጽበዮም እዩ፣ ንዓና ድማ ንዕኡ ኽንእዘዞ ይጽበየና እዩ። (ኤፌ. 6:1) ፈጣሪናን ሓብሓቢ ህይወትናን ካብ ኵሎም ወለዲ ዚበልጽ ጥበብ ዘለዎን ብምዃኑ ኸኣ፡ ክንእዘዞ ኣሎና። ንየሆዋ እንእዘዘሉ ቐንዲ ምኽንያት ግና፡ ንዕኡ ስለ እነፍቅሮ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ንየሆዋ እዙዛት ክንኰነሉ ዚግባእ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፣ እንተዀነ ግና፡ ክንእዘዞ ኣይግድደናን እዩ። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ፣ ስለዚ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንእዘዞ ኸለና ይሕጐስ እዩ።

9-10. ስርዓታት ኣምላኽ ምፍላጥን ብእኡ ምምልላስን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ወለዲ ንደቆም ኪጕድኡ ኣይደልይዎምን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ንደቆም ዚጠቅም ስርዓታት ዚሰርዑ። ውሉዳት ነዚ ስርዓታት እዚ ኺሕልዉ ኸለዉ፡ ንወለዶም ከም ዚኣምንዎምን ከም ዜኽብርዎምን የርእዩ እዮም። እምበኣር፡ ንሕና እውን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝሰርዓልና ስርዓታት ክንፈልጦን ብእኡ ኽንመላለስን ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ከም እነኽብሮን ነርኢ ኢና፣ ንሕና እውን ንጥቀም ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) እቶም ንየሆዋን ንስርዓታቱን ዘየኽብሩ ግና፡ ገዛእ ርእሶም እዮም ዚጐድኡ።—ገላ. 6:7, 8።

10 ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ካብ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ጕድኣት ንሕሎ ኢና። የሆዋ ንዓና ዚጠቕመና ነገር ይፈልጥ እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ኣውሮራ ዝስማ ውልቀ ሰብ፡ “ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ወትሩ ብሉጽ ህይወት ከም ዜፍሪ እፈልጥ እየ” ትብል። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኵላትና ኣይቅየርን እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ፍቕራዊ ስርዓታት የሆዋ ብምሕላውካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

11. ጸሎት ብኸመይ ይሕግዘና፧

11 ጸሎት፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እዙዛት ክንከውን ይሕግዘና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንየሆዋ እዙዛት ምዃን ይኸብደና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስቲ ናይ ሓጢኣት ዝንባለና ብቐጻሊ ኽንቃለስ ኣሎና። ሓደ ዘማሪ ንኣምላኽ፡ “ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (መዝ. 51:12) ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ደኒስ፡ “ካብ ትእዛዛት የሆዋ ንሓዲኡ ምሕላው ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተ ረኺበዮ፡ ቅኑዕ ንምግባር ብርታዐ ኽረክብ እጽሊ እየ” ትብል። የሆዋ ነዚ ዓይነት ልማኖ እዚ ወትሩ ኸም ዚምልሶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 11:9-13።

ካልኦት ንኣቦና ኼፍቅርዎ ሓግዞም

12. ብመሰረት ኤፌሶን 5:1፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

12 ኤፌሶን 5:1 ኣንብብ። ንሕና “ፍቑራት ውሉዳት” የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ንዕኡ ንምምሳል ዚከኣለና ዘበለ ንጽዕር ኢና። ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ፈቃራትን ለዋሃትን ይቕረ በሃልትን ብምዃን፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ድማ ሰናይ ኣካይዳና ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኺፈልጡ ይለዓዓሉ ይዀኑ። (1 ጴጥ. 2:12) ክርስትያን ወለዲ ኸኣ ኣብ ኣተሓሕዛ ደቆም ንየሆዋ ንምምሳል ኪጽዕሩ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ደቆም ምስቲ ፈቃር ኣቦኦም ናይ ርእሶም ዕርክነት ንምምስራት ድሌት ኪሓድሮም ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓው ንሓደ ብማኪና እናዞረ ምግቢ ዚሸይጥ ሰብ ትራክት የርእዮ።

ሕጡብ ጽሑፍ 13

13. ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

13 ቈልዓ ብኣቦኡ ይሕበንን ብዛዕባኡ ምዝራብ የሐጕሶን እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ በቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ንሕበንን ካልኦት ንዕኡ ኺፈልጥዎ ንደልን ኢና። ኣብ ልብና፡ ኵላትና ኸምቲ “ብየሆዋ ኽምካሕ እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ንጉስ ዳዊት ይስምዓና እዩ። (መዝ. 34:2) እንፈርህ እንተ ዄንና ግና እንታይ ኢና እንገብር፧ ከመይ ጌርና ኢና ተባዓት ክንከውን እንኽእል፧ ኣብቲ ንየሆዋ እነምጽኣሉ ሓጐስን ኣብቲ ሰባት ብዛዕባኡ ምፍላጥ ዜምጽኣሎም ጥቕምን እንተ ኣተኲርና፡ ክንተብዕ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ዜድልየና ዘበለ ትብዓት ኪህበና እዩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ኺተብዑ ሓጊዝዎም እዩ፣ ንዓና እውን ኪሕግዘና እዩ።—1 ተሰ. 2:2።

14. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ምስታፍ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

14 የሆዋ ኣየዳሉን እዩ፣ ንሕና ንሰባት ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ፍቕሪ ኸነርእዮም ከለና እውን ብኣና ይሕጐስ እዩ። (ግብ. 10:34, 35) ሓደ ኻብቲ ንሰባት ፍቕሪ እነርእየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ኪዓምም ይኽእል፧ እቶም ዚሰምዑና፡ ሕጂ ህይወቶም ኬመሓይሹን ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞ. 4:16።

ንኣቦና ኣፍቅሮ እሞ ሕጉስ ኩን

15-16. እንታይ ዜሐጕስ ምኽንያታት እዩ ዘሎና፧

15 የሆዋ ፈቃር ኣቦ እዩ፣ ስለዚ ንስድራ ቤቱ ሕጉሳት ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። (ኢሳ. 65:14) ሕጂ ጸገማት እናኣጓነፈና ኽነሱ፡ ብዙሕ ዜሐጕስ ምኽንያታት ኣሎና። ንኣብነት፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ርግጸኛታት ኢና። ልክዕ ፍልጠት እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣሎና። (ኤር. 15:16) ኣባላት እቲ ንየሆዋ ብዜፍቅሩን ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ብዚፈትዉን ንሓድሕዶም ብዚፋቐሩን ህዝቢ ዝቘመ ፍሉይ ስድራ ቤት እውን ኢና።—መዝ. 106:4, 5።

16 ህይወትና ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ኸም ዚኸውን ርግጽ ተስፋ ስለ ዘሎና፡ ወትሩ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንዅሉ እከይ ከም ዜወግዶ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኸኣ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ ንፈልጥ ኢና። ሞይቶም ዘለዉ ኸም ዚትንስኡን ምስ ዚፈትውዎም ሰቦም ከም ዚራኸቡን እውን ዜደንቕ ተስፋ ኣሎና። (ዮሃ. 5:28, 29) ኣየወ ሽዑ ዚህሉ ሓጐስ! ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ነቲ ፈቃር ኣቦና ዚግብኦ ኽብርን ውዳሰን ተወፋይነትን ከም ዚህቦ ርግጸኛታት ኢና።

ስለምንታይ ኢና ነዚ ዚስዕብ ክንገብር ዘሎና፧

  • ብዙሕ ሳዕ ክንጽሊ

  • ንየሆዋ እዙዛት ክንከውን

  • ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንነግር

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

a ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ንፈልጥ ኢና፣ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምለኽቱ ኽንከውን እውን ፈቒዱልና ኣሎ። ከም ምላሹ ኸኣ፡ ንሕና እውን ነፍቅሮ ኢና። ነቲ ሓላዪ ኣቦና ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ብዝርዝር ሒዛ ኣላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ