ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10
ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ናብ ጥምቀት ይመርሕ
“ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧”—ግብ. 8:36።
መዝሙር 37 ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ
መላለዪa
1-2. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8:27-31, 35-38 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኺጥመቕ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧
ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኴንካ ኽትጥመቕ ትደሊዶ፧ ብዙሓት ሰባት ብፍቕርን ብሞሳን ተደሪኾም ነዚ ውሳነ እዚ ገይሮም እዮም። እቲ ንንግስቲ ኢትዮጵያ ዜገልግል ዝነበረ ብዓል ስልጣን ዝገበሮ እስከ ንርአ።
2 እቲ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚግባእ ነገር ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ፈለጠ፡ ብኡብኡ እዩ ስጕምቲ ወሲዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:27-31, 35-38 ኣንብብ።) ከምኡ ንምግባር እንታይ እዩ ደሪኽዎ፧ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ነይርዎ እዩ፣ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኪኸይድ ከሎ፡ ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ እዩ ዜንብብ ነይሩ። ፊልጶስ ምስ ተዛረቦ ኸኣ፡ ነቲ የሱስ ዝገበረሉ ነገር ኣብ ልቡ ሞሳ ኣሕዲሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ግና ናብ የሩሳሌም ከይዱ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ ፍቕሪ ነይርዎ እዩ። እዚ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ኣቐዲሙ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ እዩ ኼምልኽ ጸኒሑ። እዚ ሰብ እዚ ነቲ ኺውለድ ከሎ ዝነበሮ ሃይማኖት ሓዲጉ፡ ምስቶም ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ርእሶም ዝወፈዩ ህዝቢ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ድማ፡ ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺወስድ፡ ማለት ተጠሚቑ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ደሪኻቶ እያ።—ማቴ. 28:19።
3. ሓደ ሰብ ከይጥመቕ እንታይ ኪኽልክሎ ይኽእል፧ (“ልብኻ እንታይ ዓይነት እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
3 ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ፡ ክትጥመቕ ኪድርኸካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ፍቕሪ ኸይትጥመቕ ኪኽልክለካ እውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ንዘይኣምኑ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ኣመና ኻብ ምፍታውካ እተላዕለ፡ እንተ ተጠሚቕካ ኸይጸልኡኻ ኽትጭነቕ ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 10:37) ኣምላኽ ዚጸልኦ ልማዳት ስለ እትፈቱ እውን፡ ካብቲ ልማዳት እቲ ሓራ ምውጻእ ይኸብደካ ይኸውን። (መዝ. 97:10) ወይ ድማ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ገሊኡ በዓላት እናኣብዓልካ ዓቢኻ ትኸውን። ነቲ ምስቲ በዓላት እቲ እተተሓሓዘ ጽቡቕ ተዘክሮታት እውን ትፈትዎ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ በዓላት ምሕዳጉ የጸግመካ ይኸውን። (1 ቈረ. 10:20, 21) እታ ኣብዚ እትልዓል ሕቶ፡ “ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ ወይ መን እየ ዝፈቱ፧” እትብል እያ።
ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ፍቕሪ
4. ናብ ጥምቀት ዚመርሓካ ቐንዲ ድራኸ እንታይ እዩ፧
4 ፍቕርን ሞሳን ከም እተሕድር ዚገብር ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ቅድሚ ምጅማርካ እኳ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣማዕቢልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ንየሱስ እውን ፍቕሪ ኣማዕቢልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ፈለጥካዮም ከኣ፡ ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ ትፈቱ ትኸውን። ነዚ ጽቡቕ ነገራት እዚ ዘሎካ ፍቕሪ ግና፡ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ ዚድርኽ ቀንዲ ረቛሒ ኣይኰነን። ናብ ጥምቀት ዚመርሓካ ቐንዲ ድራኸ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ እያ። ንየሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እንተ ኣፍቂርካዮ፡ ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ዋላ ሓንቲ ኪኽልክለካ ኣይትፈቅድን ኢኻ። ስለዚ፡ ፍቕሪ የሆዋ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ክትድርኸካ እያ፣ ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ከይተላግስ እውን ክትሕልወካ እያ።
5. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
5 የሱስ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኣእምሮናን ሓይልናን ከነፍቅሮ ኸም ዘሎና ነጊሩና እዩ። (ማር. 12:30) ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽሳዕ ክንድዚ ብዕምቈት ከነፍቅሮን ከነኽብሮን እንኽእል፧ ብዛዕባ እታ የሆዋ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ኸነስተንትን ከለና፡ ንሕና እውን ከነፍቅሮ ንድረኽ ኢና። (1 ዮሃ. 4:19) ነታ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ፍቕሪ ምስ ኣማዕበልካ፡ እንታይ ስምዒታትን ተግባራትን እዩ ስዒቡ ዚመጽእ፧b
6. ብመሰረት ሮሜ 1:20፡ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ የሆዋ እትምሃረሉ መገዲ እንታይ እዩ፧
6 ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ፍጥረቱ ተምሃር። (ሮሜ 1:20 ኣንብብ፣ ራእ. 4:11) ብዛዕባ እቲ ኣብ ንድፊ ኣትክልትን እንስሳታትን ብንጹር ዚርአ ጥበብ ኣስተንትን። ብዛዕባ ድንቂ ኣሰራርሓ ሰብነትካ ፍለጥ። (መዝ. 139:14) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ጸሓይ ኣንቢርዎ ዘሎ ሓይሊ ሕሰብ፣ ንሳ ሓንቲ ኻብተን ቢልዮናት ከዋኽብቲ ጥራይ ምዃና እውን ኣይትረስዕ።c (ኢሳ. 40:26) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ኣኽብሮት እናዓመቘ ኪኸይድ እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ጥበበኛን ሓያልን ከም ዝዀነ ምፍላጥ፡ ሓደ ኽፋል እቲ ምስ የሆዋ ርክብ ንምምስራት እተንብሮ መሰረት ጥራይ እዩ። ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ኽትህልወካ እንተ ዀይና፡ ብዛዕባኡ ኽትፈልጦ ዘሎካ ተወሳኺ ነገራት ኣሎ።
7. ንየሆዋ ብዕምቈት ምእንቲ ኸተፍቅሮ፡ እንታይ ኢኻ ኽትኣምን ዘሎካ፧
7 የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየልካ ኽትኣምን ኣሎካ። እሞ ደኣ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ንስኻ ኸም ዘለኻ ፈሊጡስ ኪሓልየልካ ኸም ዚኽእል ምእማን ይኸብደካ ድዩ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ዘክር። (ግብ. 17:26-28) “ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ” እዩ፣ ከምቲ ዳዊት ንሰሎሞን ዝበሎ ኸኣ፡ “እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ።” (1 ዜና 28:9) ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ዘለኻ እኳ፡ የሆዋ ‘ናብኡ ስለ ዝሰሓበካ’ እዩ። (ኤር. 31:3) ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ግንዛበኻ እናሰፍሐ ምስ ከደ ድማ፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ እናዓመቘት ክትከይድ እያ።
8. ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ምላሽ ክትህብ ትኽእል፧
8 ሓደ ኻብቲ ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ እትህበሉ መገዲ፡ ንዕኡ ብጸሎት ምስ እትዛረቦ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበካ ነገራት እንተ ነጊርካዮ፡ ስለቲ ዝገበረልካ ዅሉ እውን እንተ ኣመስጊንካዮ፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ። ንሱ ንጸሎትካ ብኸመይ ከም ዝመለሰልካ ምስ ረኣኻ ኸኣ፡ ኣብ መንጎኹም ዝነበረ ርክብ እናደልደለ ኪኸይድ እዩ። (መዝ. 116:1) ከም ዚርድኣልካ ኽትኣምን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ ኣተሓሳስባኡ ኺርድኣካ ኣለዎ። ንዓኻ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካ እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። ነዚ ፍልጠት እዚ እትረኽበሉ ሓደ በይኑ መገዲ ድማ፡ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እዩ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ክትቀርቦን ካባና እንታይ ከም ዚደሊ ኽትፈልጥን እትኽእለሉ ብሉጽ መገዲ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)d
9. ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ኸመይ ጌርካ ተርኢ፧
9 ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ኣሕድር። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዘለዎ ዕላማን ዚገልጽ ሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዚርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምድላውን ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኣኽብሮት ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 119:97, 99፣ ዮሃ. 17:17) እሞ ደኣ መደብ ብሕታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ ነቲ መደብ እቲኸ ትስዕቦ ዲኻ፡ ማለት መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ዲኻ፧
10. ሓደ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ዜብሎ ነገራት እንታይ እዩ፧
10 ሓደ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ዘብሎ ነገራት፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዛዕባ የሱስ ዘዘንተውዎ ታሪኽ ዝሓዘ ምዃኑ እዩ። እዚ ዛንታ ጥራይ ከኣ እዩ የሱስ ንዓና እንታይ ከም ዝገበረልና ብልክዕ ዚገልጽ። የሱስ እንታይ ከም ዝበለን ዝገበረን ክትምሃር ከለኻ፡ ምስኡ ዕርክነት ንምምስራት ክትድረኽ ኢኻ።
11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሆዋ ፍቕሪ ኸተማዕብል እትኽእል፧
11 ንየሱስ ፍቕሪ ኣማዕብል እሞ፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ብልክዕ የንጸባርቖ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ስለዚ፡ ብዛዕባ የሱስ ብዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ግንዛበን ኣኽብሮትን እውን ብዝያዳ ኺውስኽ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቶም ብሰብ ዚንዓቑ፡ ማለት ንድኻታትን ንሕሙማትን ንድኹማትን ዝነበሮ ርሕራሐ እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሃበካ ግብራዊ ምዕዶን ንዕኡ ኽትሰምዖ ኸለኻ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዚመሓየሽን እውን ሕሰብ።—ማቴ. 5:1-11፣ 7:24-27።
12. ብዛዕባ የሱስ እናፈለጥካ ምስ ከድካ፡ እንታይ ንምግባር ኢኻ ኽትድረኽ እትኽእል፧
12 ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣትና ኢሉ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣጸቢቕካ እንተ ሓሲብካ እውን፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ። (ማቴ. 20:28) የሱስ ብፍቓዱ ኸም ዝሞተልካ ምፍላጥካ ኸኣ፡ ክትንሳሕን ካብ የሆዋ ይቕረታ ኽትደልን ኪድርኸካ እዩ። (ግብ. 3:19, 20፣ 1 ዮሃ. 1:9) ንየሱስን ንየሆዋን ፍቕሪ እናኣሕደርካ ምስ ከድካ ድማ፡ ናብቶም ከምኡ ዚስምዖም ሰባት ክትስሓብ ኢኻ።
13. የሆዋ እንታይ ኣዳልዩልካ ኣሎ፧
13 ንስድራ ቤት የሆዋ ኣፍቅሮም። ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብካን ናይ ቀደም ፈተውትኻን፡ ርእስኻ ንየሆዋ ስለምንታይ ክትውፊ ኸም ዝደለኻ ኣይርድኦምን ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጻረሩኻ ይዀኑ። የሆዋ ግና፡ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ብምሃብ ኪሕግዘካ እዩ። ምስቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤትካ እንተ ተቐራሪብካ፡ ዜድልየካ ፍቕርን ደገፍን ክትረክብ ኢኻ። (ማር. 10:29, 30፣ እብ. 10:24, 25) መን ይፈልጥ፡ ጸኒሖም ቤተ ሰብካ ምሳኻ ሓቢሮም ንየሆዋ የገልግልዎን ብስርዓታቱ ይምርሑን ይዀኑ።—1 ጴጥ. 2:12።
14. ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ እንታይ ኢኻ ርኢኻ፧
14 ንስርዓታት የሆዋ ኣኽብሮ፡ ብእኡ እውን ተመላለስ። ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጥካ፡ ናይ ርእስኻ ስርዓታት ነይሩካ ይኸውን፣ ሕጂ ግና፡ ስርዓታት የሆዋ ዝሓሸ ምዃኑ ርኢኻ ኢኻ። (መዝ. 1:1-3፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንወለድን ንውሉዳትን ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ሕሰብ። (ኤፌ. 5:22–6:4) በዚ ምኽሪ እዚ ኽትመላለስ ከለኻ፡ ናብራ ህይወትካ ኺመሓየሽ ርኢኻዶ፧ ነቲ ኣዕሩኽካ ብጥበብ ብዛዕባ ምምራጽ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ኽትሕሉ ኸለኻ፡ ስብእናኻ ተመሓይሹዶ፧ ዝያዳ ሓጐስከ ረኺብካዶ፧ (ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33) መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ‘እወ’ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።
15. ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምልላስ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧
15 ሓድሓደ ግዜ፡ በቲ እትምሃሮ ዘለኻ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ይኸብደካ ይኸውን። የሆዋ ኣብዚ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኢሉ ድማ፡ ብውድቡ ኣቢሉ፡ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልወልካ ኣሎ። (እብ. 5:13, 14) ነዚ ጽሑፋት እዚ ኸተንብቦን ከተጽንዖን ከለኻ፡ ክሳዕ ክንደይ ግብራውን ንጹርን ሓበሬታ ኸም ዝሓዘ ኽትርኢ ኢኻ፣ ናብ ውድብ የሆዋ እውን ክትስሓብ ኢኻ።
16. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ወዲብዎም ዘሎ፧
16 ንውድብ የሆዋ ፍተዋን ደግፋን። የሆዋ ንህዝቡ ብጉባኤታት ኣቢሉ ወዲብዎም ኣሎ፣ ወዱ የሱስ ከኣ ርእሲ ዅለን ጉባኤታት እዩ። (ኤፌ. 1:22፣ 5:23) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሒደት ቅቡኣት ሰባት፡ ነቲ ሎሚ ኺገብር ዚደልዮ ዕዮ ኣብ ምውዳብ ኪመርሑ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። ነዞም ጕጅለ ሰባት እዚኦም፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ንዓኻ ብመንፈሳዊ ንምምጋብን ንምዕቋብን እተዋህቦም ሓላፍነት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴ. 24:45-47) ሓደ ኻብቲ እቲ እሙን ባርያ ንምክንኻንካ ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ንዓኻ ዚጓስዩ ብቑዓት ሽማግለታት ከም ዚሽየሙ ምግባር እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2፣ እብ. 13:17፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) ሽማግለታት ከኣ ዚከኣሎም ኪጽዕሩልካ፡ ኬጸናንዑኻ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትቀርቦ እውን ኪሕግዙኻ ፍቓደኛታት እዮም። ሓደ ኻብቲ ኺገብሩልካ ዚኽእሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት ድማ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህር ምሕጋዝ እዩ።—ኤፌ. 4:11-13።
17. ብመሰረት ሮሜ 10:10, 13, 14፡ ስለምንታይ ኢና ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ እንነግሮም፧
17 ንኻልኦት ሰባት፡ ፍቕሪ የሆዋ ኼማዕብሉ ሓግዞም። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኺምህሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ ትእዛዝ እቲ ግዴታ ዀይኑካ ጥራይ ኸተኽብሮ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን እተሰምዖም ዓይነት ስምዒት ከተሕድር ኢኻ፣ ንሳቶም፡ “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መሊሶም እዮም። (ግብ. 4:20) ንኻልእ ሰብ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኼማዕብል ምሕጋዝ፡ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ። ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዘሎ ሓቂ ፈሊጡ ኺጥመቕ ምስ ሓገዞ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ! ኣብነት ፊልጶስ ትስዕብን ነቲ የሱስ ክትሰብኽ ዝሃበካ ትእዛዝ ትሕሉን እንተ ዄንካ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ደሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ። (ሮሜ 10:10, 13, 14 ኣንብብ።) ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕካ፡ ከምቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን።—ግብ. 8:36።
18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
18 ንምጥማቕ ክትውስን ከለኻ፡ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢኻ እትወስድ። ኣመና ረዚን ስጕምቲ ስለ ዝዀነ፡ እንታይ ከም ዜጠቓልል ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ ቅድሚ ጥምቀትን ድሕሪኡን እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪምለስ እዩ።
መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ
a ገሊኦም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኖም ንምጥማቕ ተዳልዮም እንተ ዀይኖም ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ናብ ጥምቀት ዚመርሕ ግብራዊ ሓሳባት ክትህበካ እያ።
b ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ካልእ እተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባት ብኻልእ መስርዕ ኪዓይየሉ ይኽእል እዩ።
c ኣብ JW.ORGን JW LIBRARYን ዚርከብ፡ ኣብ ትሕቲ ዓምድታት ተነዲፉ ድዩ፧ ዚብል ርአ።
d መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣስቤዛ ኽትዕድግ ከላ፡ ንሓንቲ መንእሰይ ትራክት ትህባ።