ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ግንቦት ገጽ 17-19
  • ልእመት—ብኸመይ ትጠቕመና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልእመት—ብኸመይ ትጠቕመና፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልእመት እንታይ እያ፧
  • ፍጹም ኣብነት ልእመት
  • “ልኡማት . . . ሕጉሳት እዮም”
  • ለውሃት—ኣገዳሲት ባህሪ ክርስትያናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ” ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ልእመት ብርታዐኻ ትኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ግንቦት ገጽ 17-19
የሱስ ኪምህር ከሎ፡ ወለድን ውሉዳትን ይሰምዕዎ።

ልእመት ብኸመይ ትጠቕመና፧

  • ፍቕሪ

  • ሓጐስ

  • ሰላም

  • ዓቕሊ

  • ለውሃት

  • ሕያውነት

  • እምነት

  • ልእመት

  • ርእሰ ግትኣት

ሳራa ኸምዚ ኢላ ትገልጽ፦ “ብተፈጥሮይ ሓፋር እየ፡ ብዙሕ ርእሰ ምትእምማን እውን የብለይን። ስለዚ፡ ምስ ሓያላትን ተባኣስትን ሰባት ክኸውን ከለኹ፡ ይኸብደኒ እዩ። ምስ ሓደ ልኡምን ትሑትን ሰብ ክኸውን ከለኹ ግና፡ ይፈዅሰኒ እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ሓሳበይ ክገልጸሉ፡ ስምዒታተይ ከካፍሎ፡ ጸገማተይ እውን ከዘራርቦ እኽእል እየ። ናይ ቀረባ መሓዙተይ ከምኡ ዝኣመሰላ እየን።”

እዚ ሳራ ዝሃበቶ ሓሳብ፡ ልኡም ብሰብ ከም ዚፍቶ ይሕብረና። ልእመት ንየሆዋ እውን ባህ ተብሎ እያ። ቃሉ፡ “ልእመት . . . ልበሱ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ቈሎ. 3:12) እሞ ደኣ ልእመት እንታይ እያ፧ የሱስ ልኡም ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ህይወትና ሓጐስ እትውስኸልናኸ ብኸመይ እያ፧

ልእመት እንታይ እያ፧

ልእመት ንውሽጣዊ ሰላም ወይ ህድኣት ተመልክት። ልኡም ሰብ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ ልዙብን ለዋህን እዩ፡ ንዜሕርቕ ነገራት እውን ብህድኣትን ብርእሰ ግትኣትን ኪሕዞ ይኽእል እዩ።

ልእመት ምልክት ውሽጣዊ ብርታዐ እያ። እታ ን“ልእመት” እተመልክት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንእተገርሐ ፈረስ ንምግላጽ እውን ተገልግል እያ። ብርታዐ እቲ ፈረስ ኣብ ቦታኡ እኳ እንተሎ፡ ብዓቕሊ እተዋህቦ ስልጠና ግና ነቲ ሓይሉ ገሪሕዎ እዩ። ከምኡ ድማ፡ ልኡማት ክንከውን ከለና፡ ነቲ ቐይዲ በተኽ ዝዀነ ባህርይና ገሪሕና ምስ ሰባት ብሰላም ንመላለስ ኢና።

‘ብተፈጥሮይ ልኡም ኣይኰንኩን’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ባእስን ታህዋኽን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና፣ ስለዚ፡ ልኡማት ምዃን ይኸብደና ይኸውን። (ሮሜ 7:19) ልእመት ምምዕባል ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ንጹር እዩ፣ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ግና ነቲ ሸቶና ንምውቃዕ ዘሎና ቘራጽነት ንምድልዳል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:22, 23) እሞ ደኣ ልእመት ንምምዕባል ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ልእመት ንሰባት እትስሕብ ባህርይ እያ። ከምቲ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሳራ ዝበለቶ፡ ምስ ልኡም ሰብ ክንከውን ከለና ይፈዅሰና እዩ። የሱስ ብሉጽ ኣብነት ልእመትን ለውሃትን እዩ። (2 ቈረ. 10:1) ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ቘልዑ እኳ ኪቐርብዎ ይደልዩ ነይሮም እዮም።—ማር. 10:13-16።

ልእመት ንዓናን ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉን ተዕቍበና። ልኡማት እንተ ዄንና፡ ቀልጢፍና ኣይንበሳጮን ወይ ኣይንቝጣዕን ኢና። (ምሳ. 16:32) ስለዚ ድማ ንዝዀነ ሰብ፡ ብሕልፊ ኸኣ ንእንፈትዎ ሰብ ስለ ዘይንጐድእ፡ ሕማቕ ኣይስምዓናን እዩ። ብዘይካዚ፡ ልእመት ገዛእ ርእስና ኽንገትእ ስለ እተኽእለና፡ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት እውን ተዕቍቦም እያ።

ፍጹም ኣብነት ልእመት

የሱስ ከቢድ ሓላፍነትን ብዙሕ ዕዮን እኳ እንተ ነበሮ፡ ንዅሉ ልኡም እዩ ነይሩ። ብግዜኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ቃልስን ጾርን ነይርዎ እዩ፣ ዕረፍቲ እውን ኪረኽቡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። የሱስ ንዓታቶም፡ “ናባይ ንዑ፡ . . . ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ” ምስ በሎም ብዙሕ ተጸናኒዖም ኪዀኑ ኣለዎም።—ማቴ. 11:28, 29።

እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና ኸምቲ የሱስ ዝነበሮ ልእመት ከነማዕብል እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብን ንኣጸጋሚ ዅነታት ዚሕዘሉ ዝነበረ ኣተሓሕዛን ንምፍላጥ፡ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ንልእመትና ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንምግባር ኽንጽዕር ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:21) ንየሱስ ልኡም ኪኸውን ዝሓገዞ ሰለስተ ረቛሒ እስከ ንርአ።

የሱስ ትሑት ዝልቡ እዩ። የሱስ “ልኡምን ትሑት ዝልቡን” ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 11:29) ልእመት ምስ ትሕትና ብቐረባ ስለ እትተኣሳሰር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ክልተ ባህርያት እዚአን ብሓባር እዩ ዚጠቕሰን። (ኤፌ. 4:1-3) ስለምንታይ እየን ዚተኣሳሰራ፧

ትሕትና ብዛዕባ ርእስና ኻብቲ ግቡእ ኣዕዚዝና ኸይንሓስብ ወይ እምብዛ ተኣፈፍቲ ኸይንኸውን ትሕግዘና እያ። የሱስ ነቶም “በላዕን ሰታይ ወይንን” ኢሎም ብሓሶት ዝነቐፍዎ ብኸመይ እዩ ምላሽ ሂብዎም፧ ብኣብነቱ ኣቢሉ እዩ ንነቐፍቱ ኣፎም ኣትሒዝዎም፣ “ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ” ብምባል ድማ ብልእመት ምላሽ ሂብዎም እዩ።—ማቴ. 11:19።

ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዓሌትካ፡ ጾታኻ፡ ወይ ድሕረ ባይታኻ ብዘይ ሓልዮት ሓሳብ እንተ ሂቡ፡ ብልእመት ምላሽ ንምሃብ ስለምንታይ ዘይትጽዕር፧ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ፒተር ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ፡ “ሓደ ሰብ ብዝበሎ እንተ ሓሪቐ፡ ‘የሱስ እንታይ ምገበረ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ እሓትት እየ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ርእሰይ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኸይሓስብ ተማሂረ እየ” ይብል።

የሱስ ንሰብኣዊ ድኽመት ተረዲእዎ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ ነይርዎም፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ብሰንኪ ዘይፍጽምናኦም ከምቲ ሓሳቦም ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ዝነበረት ለይቲ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ከምቲ የሱስ ዝሓተቶም ስምዒታዊ ደገፍ ኣይሃብዎን። የሱስ ግና፡ “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” ብምባል ጸገሞም ተረዲኡሎም እዩ። (ማቴ. 26:40, 41) ሳላ እተረድኣሎም ከኣ፡ ብሃዋርያቱ ኣይተበሳጨወን።

ማንዲ ማይ ቀጠነ እትብል ዓይነት ሓብቲ እያ ነይራ፣ ሕጂ ግና ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ልእመት ንምቕዳሕ ትጽዕር ኣላ። ንሳ ድማ፡ “ንሰብኣዊ ዘይፍጽምና ምስ ኵሉ መልክዓቱ ክቕበሎ፡ ከምቲ የሆዋ ብርግጽ ዚርእዮ ኸኣ ኣብ ካልኦት ኣወንታዊ ነገራት ክርኢ እጽዕር እየ” ትብል። እሞኸ የሱስ ንሰብኣዊ ድኽመት ብርሕራሐ ምርኣዩ፡ ንስኻ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ልኡም ንምዃን ኪሕግዘካዶ ይኽእል፧

የሱስ ንነገራት ኣብ ኢድ ኣምላኽ ሓዲግዎ። የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘጋጠሞ ግፍዒ ተቐቢልዎ እዩ። ሰባት ብግጉይ ተረዲኦምዎን ንዒቖምዎን ኣሳቕዮምዎን እዮም። ይኹን እምበር፡ ‘ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ነገሩ ኣሕሊፉ ብምሃቡ’ ብልእመት ተመላሊሱ እዩ። (1 ጴጥ. 2:23) እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸም ዚሓልየሉን ብግዜኡ ንግፍዑ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሉን ይኣምን ነይሩ እዩ።

እንተ ሓሪቕናን ምስ ዜጋጥመና ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንቃለስ እንተ ፈቲንናን፡ ብቐሊሉ ኽንቍጣዕን ነቲ ዅነታት ከነጋድዶን ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ “ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ኢሉ ዜዘኻኽረና። (ያእ. 1:20) ዜቘጥዕ ብቑዕ ምኽንያት እኳ እንተ ሃለወና፡ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ግና እቲ ግብረ መልስና ግጉይ ኪኸውን ይኽእል።

ኣብ ጀርመን እትነብር ካቲ ዝስማ ሓብቲ፡ ‘ንርእስኻ ዘይትከላኸለላ እንተ ዄንካ፡ ካልእ ኣይድግፈካን እዩ’ ኢላ ትሓስብ ነይራ እያ። ብየሆዋ ኽትእመን ከም ዘለዋ ምስ ተማህረት ግና፡ ኣረኣእያኣ ተቐዪሩ እዩ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ወትሩ ንርእሰይ ንምክልኻል ድሉው ክኸውን ኣየድልየንን እዩ። የሆዋ ንዅሉ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቈጻጸሮ ስለ ዝፈልጥ፡ ብልእመት ንምምልላስ ናጻ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።” ንስኻ እውን ኣደዳ ግፍዒ ዄንካ እትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ከም የሱስ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ብምሕዳር ልእመት ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ።

“ልኡማት . . . ሕጉሳት እዮም”

ስእልታት፦ ሓደ ሓው ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ልኡም ይኸውን። 1. ማኪና እናዘወረ ኸሎ፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዘላ ማኪና ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ይጸርፍዎ። 2. ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኺሰርሕ ሓለቓኡ ጸቕጢ ይገብረሉ። 3. ኣብ ኣገልግሎት፡ ሓንቲ ብዓልቲ ቤት ኢዳ እናኣዋጣወጠት ኽትጭድረሉ ኸላ፡ ብህድኣት ይጥምታ። 4. ፍሽኽ ይብል፡ ውሽጣዊ ህድኣት እውን ኣለዎ።

ልእመት ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

ልእመት ኣብ ሓጐስና ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ፡ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ልኡማት . . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:5) እምበኣር፡ ልእመት ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ብኸመይ ከም እትሕግዘና እስከ ንርአ።

ልእመት ኣብ ሓዳር ንዚፍጠር ውጥረት ተወግድ። ሮበርት ዝስሙ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሓው፡ “ንሰበይተይ ኣብ ልበይ ዘየሎ ብዙሕ ጐዳኢ ነገራት ተዛሪበያ እየ” ኢሉ ጕድለቱ ተኣሚኑ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ግናኸ፡ ብቝጥዓ ዚዝረብ ሕማቕ ቃላት ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐዳእክዋ ምስ ፈለጥኩ፡ ሕማቕ ተሰሚዑኒ እዩ” ይብል።

“ኵላትናስ [ብዘረባና] ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና፡” ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ቃላትና ድማ ኣብ ሓዳር ንዘሎ ሰላም ኪዘርጎ ይኽእል እዩ። (ያእ. 3:2) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ልኡማት እንተ ዄንና፡ ክንሃድእን ንልሳንና ኽንቈጻጸርን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 17:27።

ሮበርት፡ ህድኣትን ርእሰ ግትኣትን ንምምዕባል ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። እሞኸ እንታይ ፍረ ረኺቡ፧ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ሕጂ፡ ዘይምርድዳእ ኺፍጠር ከሎ፡ ተጠንቂቐ ንምስማዕን ብልእመት ንምዝራብን ንዘይምሕራቕን ኰነ ኢለ ጻዕሪ እገብር እየ። ምስ ሰበይተይ ዘሎኒ ርክብ ኣዝዩ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ።”

ልእመት ምስ ሰብ ክንሳነ ትሕግዘና። እቶም ብቐሊሉ ቕር ዝብሎም ሰባት፡ ብዙሓት ፈተውቲ ኣየጥርዩን እዮም። ልእመት ግና፡ ‘ንሓድነት ብማእሰር ሰላም ክንሕሉ’ ትሕግዘና እያ። (ኤፌ. 4:2, 3) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካቲ፡ “ልእመት ምስ ካልእ ሰብ ዘሎኒ ርክብ ብዝያዳ ባህ ዜብል ክገብሮ ኣኽኢላትኒ እያ፣ ነዚ ድማ ዋላ እውን ገሊኦም ሰባት ኣጸገምቲ ይኹኑ ኽገብሮ ኽኢለ እየ” ትብል።

ልእመት ውሽጣዊ ሰላም ተምጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ምስ ልእመትን ሰላምን የተኣሳስራ እዩ። (ያእ. 3:13, 17) ልኡም ሰብ፡ “ህዱእ ልቢ” ኣለዎ። (ምሳ. 14:30) ልእመት ንምምዕባል ብዙሕ ዝጸዓረ ማርቲን፡ “ሕጂ ብዝያዳ ተዓጻጻፊ፡ ብዙሕ ዘይብኣስ ኰይነ እየ፣ ብዝያዳ ድማ ውሽጣዊ ሰላምን ሓጐስን ኣሎኒ” ይብል።

ልክዕ እዩ፡ ልኡማት ንምዃን ክንቃለስ የድልየና ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚ ብውሽጠይ እግንፍል እየ” ይብል። ግናኸ፡ እቲ ልኡማት ክንከውን ዜተባብዓና የሆዋ፡ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ኺሕግዘና እዩ። (ኢሳ. 41:10፣ 1 ጢሞ. 6:11) ‘ንስልጠናና ኺፍጽሞን ኬበርትዓናን’ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:10) እናሓደርና ድማ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንልእመትን ንለውሃትን ክርስቶስ’ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 10:1።

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ