ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 1 ገጽ 10-13
  • ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስም የሱስ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸሊ
  • ካብ ልቢ ተዛረብ
  • ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ጸሊ
  • ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧
  • ዕጉስ ኩን፡ ብቐጻሊ ኸኣ ጸሊ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 1 ገጽ 10-13

ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ። (መዝሙር 65:2) ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን፡ ንየሆዋ ዓው ኢልና ወይ ብውሽጥና ኽንዛረቦ ንኽእል ኢና። ንሱ “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ ይደልየና እዩ። ብሓቂ ኸኣ ብሉጽ ኣቦ እዩ። (ማቴዎስ 6:9) የሆዋ ምእንቲ ኺሰምዓና ብኸመይ ናብኡ ኽንጽሊ ኸም እንኽእል ብፍታው ይምህረና እዩ።

ብስም የሱስ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸሊ

“ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኺህበኩም እዩ።”​—ዮሃንስ 16:23።

ቃላት የሱስ ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ብምስልታት፡ ብቕዱሳን፡ ብመላእኽቲ ወይ ብዝሞቱ ኣቦሓጎታት ኣቢልና ዘይኰነስ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብኡ ኽንጽሊ እዩ ዚደልየና። ብስም የሱስ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ የሱስ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኸም እተገንዘብናዮ ኢና እነርኢ። የሱስ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:6።

ካብ ልቢ ተዛረብ

“ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ።”​—መዝሙር 62:8።

ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ልክዕ ከምቲ ንፈቃር ኣቦና እንዛረቦ ጌርና ኽንዛረቦ ኣሎና። ካብ መጽሓፍ እናኣንበብና ወይ ንዝሸምደድናዮ ቓላት እናደገምና ኣብ ክንዲ እንጽሊ፡ ንኣምላኽ ብኣኽብሮትን ካብ ልብን ክንዛረቦ ኣሎና።

ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ጸሊ

“ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”​—1 ዮሃንስ 5:14።

የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብረልናን እንታይ ክንገብረሉ ኸም ዚደልየናን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ጸሎትና ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ “ከም ፍቓዱ ጌርና” ኽንጽሊ የድልየና። ነዚ ምእንቲ ኺሕግዘናን ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦን ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ የድልየና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጸሎትና ንዕኡ ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ።

ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

ኣባላት ስድራ ቤት ቅድሚ ምምጋቦም ሓቢሮም ይጽልዩ።

ዜድልየካ ነገራት ክትረክብ ጸሊ። ከም ምግብን ክዳንን መጽለልን ዝኣመሰለ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ቅኑዕ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዝ ጥበብን ፈተናታት ንምጽዋር ዜኽእል ሓይልን ኪውሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። እምነት ኪውሃበናን ሓጢኣትና ይቕረ ኺብሃለልናን ሓገዝ ኣምላኽ ክንረክብን ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 11:3, 4, 13፣ ያእቆብ 1:5, 17።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ምስ ዘላ ሰበይቱ ይጽሊ።

ምእንቲ ኻልኦት ጸሊ። ፈቃራት ወለዲ፡ ደቆም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኸለዉ፡ ደስ እዩ ዚብሎም። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቁ ንሓድሕዶም ኪተሓላለዩ እዩ ዚደልዮም። ንመጻምድትናን ንደቅናን ንስድራ ቤትናን ንፈተውትናን ክንጽልየሎም ግቡእ እዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ “ምእንቲ ሓድሕድኩም እውን ጸልዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ያእቆብ 5:16።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ እዋን ዕራርቦ ጸሓይ ብእግሩ ይኸይድ።

ኣመስግን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈጣሪና፡ “ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣምላኽ ዝገበረልና ኽንሓስብ ከለና፡ ብጸሎት ከነመስግኖ ንድረኽ ኢና። ብኣነባብራና እውን ኣመስገንቲ ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና።—ቈሎሴ 3:15።

ዕጉስ ኩን፡ ብቐጻሊ ኸኣ ጸሊ

ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ብቕንዕና ዘቕረብናዮ ጸሎት፡ ብኡብኡ መልሲ ብዘይምርካቡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። እሞኸ፡ ኣምላኽ ብኣና ኸም ዘይግደስ ጌርና ኽንድምድም ይግባእዶ፧ ኣይግባእን። ብቐጻሊ ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ዜጕልሕ ነዚ ዚስዕብ ተመክሮታት ርአ።

ኣብ መእተዊ ዓንቀጽ እዛ መጽሔት እዚኣ እተጠቕሰ ስቲቭ፡ “ብቐጻሊ እንተ ዘይጽሊ ነይረ፡ ህይወተይ ጽልሙት ምዀነ ነይሩ” ብምባል ይእመን። ኪቕየር ዝሓገዞ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ እሞ፡ ኣድላይነት ጸሎትን ብቐጻሊ ኽጽሊ ኸም ዘለዎን ተማህረ። ስቲቭ ኣስዒቡ፡ “ስለቲ ኻብቶም ፍቑራት ፈተውተይ ዝረኸብክዎ ፍቕራዊ ደገፍ፡ ከመስግኖ ኢለ ናብ ኣምላኽ እጽሊ እየ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸኣ ሕጉስ እየ” በለ።

እታ ጸሎታ ብኣምላኽ ኪስማዕ ዘይብቕዕቲ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ዝነበረት ጀኒኸ፧ ንሳ ኸምዚ በለት፡ “ኣዝየ ምስ ተደቘስኩ፡ ንኣምላኽ ስለምንታይ ዘይብቕዕቲ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ኽርዳእ ኪሕግዘኒ ለሚነዮ።” እዚኸ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧ “ንኣምላኽ ምዝራበይ ንርእሰይ ከምቲ ንሱ ዚርእየኒ ገይረ ኽርእያ፡ ማለት ልበይ እኳ እንተ ዀነነኒ፡ ንሱ ግና ኸም ዘይኵንነኒ ኽርዳእ ሓጊዙኒ እዩ። ከይሕለል እውን ሓጊዙኒ እዩ” ብምባል ገለጸት። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣስዒባ ኸምዚ በለት፦ “ጸሎት ንየሆዋ ኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽሕሉ ኽጽዕር ከለኹ፡ ወትሩ ዚሕግዘኒ ናይ ሓቅን ፈቃርን ሓላይን ኣምላኽ፡ ኣቦ፡ ከምኡ እውን ፈታዊ ገይረ ኽርእዮ ሓጊዙኒ እዩ።”

ኢሳበል ምስ ሰብኣያን ምስ ወዳን።

ኢሳበል፡ ጀራርድ ወዳ ስንኩል እኳ እንተ ዀነ፡ ተሓጒሱ ብህይወት ኪነብር ክትርእዮ ኸላ፡ ብሉጽ መልሲ ጸሎታ ምዃኑ ኸም እተገንዘበት ገሊጻ

ተመክሮ ኢሳበል እውን ንርአ። ምስ ጠነሰት፡ ሓካይማ ውሉዳ ኸቢድ ስንክልና ኸም ዚህልዎ ነገርዋ። ሽዑ ኣዝያ ሰንበደት። ገሊኦም ከኣ ነቲ ድቂ ኽትሰድዶ መኸርዋ። ኢሳበል፡ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ልበይ ጸይረዮ ዝነበርኩ ኸቢድ ጓሂ፡ ከምዛ ዝመወት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ” በለት። ሽዑ፡ እንታይ እያ ገይራ፧ “ኣምላኽ ምእንቲ ኺድግፈኒ፡ ደጋጊመ ናብኡ ጸልየ” በለት። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ፡ ጀራርድ ወዳ ተወለደ፡ ስንኩል ከኣ እዩ ነይሩ። እሞኸ፡ ኢሳበል ኣምላኽ ንጸሎታ ኸም ዝመለሶ ዀይኑ ተሰሚዕዋዶ፧ እወ፡ ተሰሚዕዋ እዩ። ጸሎታ ብኸመይ እዩ ተመሊሱ፧ ኢሳበል ከምዚ ትብል፦ “እቲ ሕጂ ወዲ 14 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ወደይ፡ ስንኩል እኳ እንተ ዀነ፡ ተሓጒሱ ብህይወት ኪነብር ክርእዮ ኸለኹ፡ ብሉጽ መልሲ ጸሎተይ ምዃኑ፡ እወ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበኒ ዝዓበየ በረኸት ከም ዝዀነ ተገንዚበ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ሓሳባት፡ ነቲ ሓደ ዘማሪ፡ “ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ልማኖ ዓቃላት ትሰምዕ። ልቦም ተጽንዖ፡ ንዓታቶም ከኣ ተቕልበሎም” ዝበሎ ቓላት ከም እንሓስበሉ እዩ ዚገብረና። (መዝሙር 10:17) እዝስ፡ ብጸሎት ክንጸንዕ ዚድርኽ ከመይ ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት ኰን እዩ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓያሎ ጸሎት የሱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ብብዙሓት ዚፍለጥ ከኣ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት እዩ። ካብኡኸ እንታይ ኢና እንምሃር፧

ኣቡነ ዘበሰማያት—ኣብነት እትኸውን ጸሎት

የሱስ ኣብ ከረን ስብከት ኪህብ ከሎ፡ ብዙሓት ህዝቢ ብኣቓልቦ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ።

የሱስ፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ነታ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብነት እትኸውን ጸሎት ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13፣ ሉቃስ 11:2-4 እውን ርአ።) ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣዝያ ህብብቲ ኻብ ምዃና እተላዕለ፡ ብዙሓት ሸምዲዶምዋን ቃል ብቓሉ ኪደግምዋን ጸኒሖም እዮም። የሱስ ከምኡ ኽንገብር ድዩ ዚደልየና ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ ኣብቲ ስብከት እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሕደ ቓላት እናደጋገሙ ኸይጽልዩ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኸመይ ከም ዚጽልዩን ብዛዕባ እንታይ ከም ዚጽልዩን እዩ ዚምህሮም ነይሩ። እምበኣር፡ ካብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና”

  • ናብ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና።

“ስምካ ይቀደስ”

  • እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ክቡርን ቅዱስን ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።

“መንግስትኻ ትምጻእ”

  • መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ዀይና፡ እቲ ንጉስ ከኣ የሱስ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኽትገዝእ እያ።

“ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን”

  • ፍቓድ ኣምላኽ ደቂ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ብሰላምን ብደሓንን ኪነብሩ እዩ።

“ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና”

  • ክንነብር ዜድልየና ነገራት ዚህበና፡ የሆዋ እዩ።

“በደልና ሕደገልና”

  • ኵላትና ብዙሕ ጌጋታት ስለ እንገብር፡ ሕድገት የድልየና እዩ።

ነዚ ነጥብታት እዚ ብኣእምሮኻ ምሓዝካ፡ ትርጉም ዘለዎ ብሕታዊ ጸሎት ከተቕርብ ኪሕግዘካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ