ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 2 ገጽ 13-15
  • ገነት እትኸውን ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገነት እትኸውን ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለምለኻዊት መንግስቲ
  • ዓለምለኻዊ ሓድነት
  • ባህርያዊ ሓደጋ ኣይኪህሉን እዩ
  • ፍጹም ጥዕናን ብዙሕ ምግብን
  • ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን
  • እኹል መንበርን ዜዕግብ ስራሕን
  • ብሉጽ ትምህርቲ
  • ገደብ ኣልቦ ህይወት
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
    ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም
  • ህይወት ዓቢ ዕላማ ኣለዋ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 2 ገጽ 13-15
ኣብ ገነት፡ ሰብ ሓዳር ንፈተውቶም ሰላም ይብልዎም።

ኣብታ ቐሪባ ዘላ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ሕጂ ኽትዳሎ ትኽእል ኢኻ

ሓዳስ ዓለም እንታይ ትመስል፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ፡ ኣብኣ ጻድቃን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ። (መዝሙር 37:29) ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብታ ውቅብቲ ኤደን ገነት ኣቐመጦም። ንዕኦምን ንዘርኦምን ከኣ፡ ንምድሪ ኺዓይዩዋን ኪከናኸንዋን ሓላፍነት ሃቦም።—ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15።

ሎሚ፡ ዓለም ከምቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ገነት ኣይኰነትን። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ሓሳቡ ኣይለወጠን። እሞ ደኣ ነቲ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኺፍጽሞ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኣይኬጥፍኣን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንእሙናት ደቂ ሰባት ኣብኣ ኼንብሮም እዩ። ኣምላኽ ተስፋታቱ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ዅነታት እንታይ ኪመስል እዩ፧

ዓለምለኻዊት መንግስቲ

ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ እታ ሓዳስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰባት ምግዛእ ምስ ጀመረት፡ ምድሪ ብስኒት ዚነብሩን ሰናይ ዚገብሩን ዜዕግብ ስራሕ ዚሰርሑን ሰባት ኪመልእዋ እዮም። ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ መላእ ምድሪ ኺገዝእ ሸይምዎ ኣሎ። የሱስ፡ ዘይከም እቶም ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ገዛእቲ፡ ብዛዕባ ተገዛእቱ ኻብ ልቡ ዚግደስ መራሒ እዩ። ግዝኣቱ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ለዋህን መሓርን ፍትሓውን ንጉስ ኪኸውን እዩ።—ኢሳይያስ 11:4።

ዓለምለኻዊ ሓድነት

ኣብ ገነት፡ ፈተውቲ ብሓባር ባህ ኢልዎም ይምገቡ

እቲ ኣብታ ምድሪ ዚነብር ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ፡ ብዜግነት ወይ ብዓሌት አይኪመቓቐልን እዩ። ደቂ ሰብ ሓድነት ዘለዎም ሓደ ህዝቢ ኪዀኑ እዮም። (ራእይ 7:9, 10) ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ንኣምላኽን ንኻልኦትን ዜፍቅሩ ኪዀኑ እዮም። ከምቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝዓለሞ፡ ነታ መንበሪቶም ዝዀነት ምድሪ ብስኒት ኪከናኸንዋ እዮም።—መዝሙር 115:16።

ባህርያዊ ሓደጋ ኣይኪህሉን እዩ

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትገዝእ ኣብ እትጅምረሉ እዋን፡ ፈጣሪ ንዅሉ መዳይ ኵነታት ኣየር ኪቈጻጸሮን ኬመጣጥኖን እዩ። (መዝሙር 24:1, 2) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሉ ተጠቒሙ ንብርቱዕ ማዕበል ብቐሊሉ ኣህዲኡ እዩ። (ማርቆስ 4:39, 41) ኣብ ትሕቲ ኣገዛዝኣ ክርስቶስ፡ ሓደ እኳ ብባህርያዊ ሓደጋ ኣይኪሰግእን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ፈለማ ኣብ መንጎ ተፈጥሮን ሰባትን ዝነበረ ስኒት ዳግም ክትመልሶ እያ።—ሆሴእ 2:18።

ፍጹም ጥዕናን ብዙሕ ምግብን

ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኺህልዎ እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኪሓምምን ኣይኪኣርግን ወይ ኣይኪመውትን እዩ። (ኢሳይያስ 35:5, 6) ሰባት ከምታ ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር ዚነብሩላ ዝነበሩ ገነት ኤደን፡ ጽብቕትን ጽርይትን መንበሪት ክትህልዎም እያ። ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ከምቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ፡ ምድሪ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽሊ ኸተብቍል እያ፣ ኵሎም ነበርታ ኸኣ እኹል ምግቢ ኺህልዎም እዩ። (ዘፍጥረት 2:9) ኣብ ገነት ኵሎም ሰባት ከምቶም ጥንታዎት ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ እስራኤላውያን ‘ክሳዕ ዚጸግቡ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም።’—ዘሌዋውያን 26:4, 5።

እተፈላለየ ፍረታትን ኣሕምልትን ባንን

ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን

ኣብ ትሕቲ እታ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ብሰላም ኪነብሩን ኪለዋውሁን ንሓድሕዶም ድማ ኣይኪበዳደሉን እዮም። ውግእን ጭቈናን ኣይኪህሉን እዩ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ድማ መሰረታዊ ነገር ንምርካብ ኣይኪሽገርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ” ይብል።—ሚክያስ 4:3, 4።

እኹል መንበርን ዜዕግብ ስራሕን

ስድራ ቤታት ባዕሎም ዚውንንዎ ኣባይቲ ኺህልዎም እዩ፣ ኵሉ እንዓዮ ዕዮ ዓስቢ ኺህልዎ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ዅሎም እቶም ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ “ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን” እዮም።—ኢሳይያስ 65:21-23።

ብሉጽ ትምህርቲ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ” ኢሉ የተስፉ እዩ። (ኢሳይያስ 11:9) ኣባላት እቲ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ኺምሃሩ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዜደንቕ ነገራት እውን ኪምሃሩ እዮም። ንፍልጠቶም ኣጽዋር ንምስራሕ ወይ ንኻልኦት ንምጕዳእ ኣይኪጥቀሙሉን እዮም። (ኢሳይያስ 2:4) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩን ብኸመይ ንምድሪ ኸም ዚከናኸንዋን ኪምሃሩ እዮም።—መዝሙር 37:11።

ገደብ ኣልቦ ህይወት

ኣምላኽ ንህይወት ወትሩ እናኣስተማቐርና ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ንምድሪ ጽቡቕ ገይሩ ፈጢርዋ እዩ። ንሱ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ዚደሊ። (መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 45:18) ስለዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ “ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ።” (ኢሳይያስ 25:8) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ የተስፉ እዩ። (ራእይ 21:4) ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ ማለት፡ ነቶም እዛ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ከላ ኻብ ጥፍኣት ዚድሕኑን ነቶም ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባትን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺህቦም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ሰባት ካብ ሞት ንዝተንስኡ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ይሓቝፍዎም።

ሎሚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብታ ቐሪባ ዘላ ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ድሉዋት እዮም። ንሳቶም ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምቶም ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለሙ ኪነብሩ ዚደልዮም ዓይነት ሰባት ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። ከምኡ ዚገብሩ ብኸመይ እዮም፧ ነዚ ዚገብሩ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ብምፍላጥ እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ካብ ጥፍኣት እዛ ዓለም ድሒንካ፡ ኣብታ ቐሪባ ዘላ ሓዳስ ዓለም ክትነብር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ዝያዳ ፍልጠት ርኸብ። በታ መጽሓፍ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናጻ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ