ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ሰነ ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጊ ክርስቶስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2017-2018—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር (CA-brpgm18)
  • ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጊ ሙሴን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዲና፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ሰነ ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧—ገላ. 2:19።

ሃዋርያ ጳውሎስ።

ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ።”—ገላ. 2:19።

እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ነገር ምስ ፍረ ነገር እቲ ናብተን ኣብ ኣውራጃ ገላትያ ንዝነበራ ጉባኤታት ዝጸሓፎ መልእኽቲ ይሰማማዕ እዩ። ገሊኦም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ብናይ ሓሶት መምህራን ይጽለዉ ነይሮም እዮም። እቶም ናይ ሓሶት መምህራን፡ ሰብ ኪድሕን እንተ ዀይኑ፡ ሕጊ ሙሴ ኺሕሉ፡ ብሕልፊ ኸኣ ኪግዘር ከም ዘለዎ ይምህሩ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ግና፡ ኣምላኽ ንኣመንቲ ድሕሪ ደጊም ኪግዘሩ ኸም ዘይደልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዜቃልዕ፡ ነቲ ኣሕዋት ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ከኣ ዜደልድል ሓያል መረዳእታ ኣቕረበ።—ገላ. 2:4፣ 5:2።

ሰብ ምስ ሞተ፡ ኣብ ከባቢኡ ዚኸውን ከም ዘይፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (መክ. 9:5) ጳውሎስ፡ “ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ” ኺብል ከሎ፡ ሕጊ ሙሴ ድሕሪ ደጊም ኣብኡ ጽልዋ ኸም ዘይብሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ዘለዎ እምነት፡ ‘ንኣምላኽ ህያው ከም ዝዀነ’ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።

እዚ ኣብ ኵነታት ጳውሎስ ዘጋጠመ ለውጢ፡ “በቲ ሕጊ” ኣቢሉ እዩ ዀይኑ። ብኸመይ፧ ኣቐዲሙ፡ “ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ከም ዚጸድቕ” ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ገላ. 2:16) እቲ ሕጊ ኣገዳሲ ዕላማ ኸም ዝነበሮ ኣይከሓድን እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ “እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ [እቲ ሕጊ] ኣበሳ ንምግሃድ እዩ ተወሲኹ” ኢሉ ገሊጹሎም እዩ። (ገላ. 3:19) እወ፡ ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ሰባት ነቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ኪሕልውዎ ኸም ዘይክእሉ፡ ናይ መወዳእታን ፍጹምን መስዋእቲ ድማ ኸም ዜድልዮም፡ እቲ ሕጊ ንጹር ገይርዎ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሕጊ ናብቲ “ዘርኢ” ወይ ክርስቶስ እዩ ዚመርሕ ነይሩ። ሓደ ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ብኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል እዩ። (ገላ. 3:24) ጳውሎስ በቲ ሕጊ ኣቢሉ ንየሱስ ኪቕበሎን ኪኣምኖን ስለ ዝኸኣለ፡ ናብቲ ደረጃ እቲ ኺበጽሕ ክኢሉ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “ነቲ ሕጊ ምዉት” ኪኸውን ከሎ፡ “ንኣምላኽ ህያው” ኰይኑ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ሕጊ ኣብኡ ጽልዋ ዘይብሉ ኪኸውን ከሎ፡ ኣምላኽ ግና ኣብኡ ጽልዋ ኣለዎ።

ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ ተመሳሳሊ ሓሳብ ገሊጹ ነይሩ እዩ። “ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም እውን . . . ብሰብነት ክርስቶስ ኣቢልኩም ንሕጊ ምዉታት ኴንኩም ኢኹም። . . . ነቲ ቐዪዱና ዝነበረ ሕጊ ብሙማትና፡ ካብቲ ሕጊ ተፈቲሕና ኢና።” (ሮሜ 7:4, 6) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣን ኣብ ገላትያ 2:19ን፡ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኸም እተዀነነ ሓጥእ ኰይኑ ብዛዕባ ሙማት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ሓራ ብዛዕባ ምውጻእ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቲ ሕጊ ድሕሪ ደጊም ንዕኡን ከምኡ ንዝኣመሰሉ ኻልኦትን ኣይቅይዶምን እዩ። የግዳስ፡ በቲ ኣብ በጃ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ሓራ ወጺኦም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ