ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ሰነ ገጽ 25
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማቴዎስ ተጸውዐ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ግብሪ ኽትከፍል ይግባእዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ነቶም ዝደኸሙ ዝኸውን ፍቕራዊ ዕድመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ሰነ ገጽ 25
የሱስ ዲናር ሒዙ ኸሎ።

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ የሱስ፡ እንታይ ዓይነታት ግብሪ እዩ ዚኽፈል ነይሩ፧

እስራኤላውያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ገንዘብ ምሃብ ለሚዶም ነይሮም እዮም። ብግዜ የሱስ ግና፡ ግብሪ ምኽፋል ንኣይሁድ እተሓላለኸ ጾር እዩ ዀይንዎም ነይሩ።

ኵሎም ኣይሁድ ነቲ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዚግበር ኣምልኾ ንምድጋፍ፡ ፍርቂ ሲቃል (ክልተ ድራክማ) ኪኸፍሉ ነይርዎም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እዚ ግብሪ ነታ ሄሮድስ ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ንምክንኻንን ኣብኣ መስዋእትታት ንምቕራብን የገልግል ነይሩ። ገሊኦም ኣይሁድ ንጴጥሮስ፡ የሱስ ኣብቲ ጕዳይ እቲ እንታይ መትከል ከም ዘለዎ ሓቲቶምዎ ነይሮም እዮም፣ ክርስቶስ እውን ነዚ ኣይተቓወሞን። መሕልፎ እኳ ደኣስ ንጴጥሮስ፡ ነቲ ግብሪ እቲ ዚኸውን ሰልዲ ብኸመይ ከም ዚረክብ ነጊርዎ እዩ።—ማቴ. 17:24-27።

ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዕሽር ይህቡ፡ ማለት ሓደ ዕስሪት እኽሎም ወይ ኣታዊኦም ይህቡ ነይሮም እዮም። (ዘሌ. 27:30-32፣ ዘሁ. 18:26-28) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ፡ ካብ ኵሉ ኣትክልቲ፡ እንተላይ “ካብ ናዕናዕን ካብ ሽላንን ካብ ካሙንን” ዕሽር ኪኽፈል ግዲ ይብሉ ነይሮም እዮም። የሱስ ንዕሽር ኣይነቐፎን፣ ንግብዝና እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና ኣቃሊዕዎ እዩ።—ማቴ. 23:23።

ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሮማውያን እዮም ዚገዝኡ ነይሮም፣ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ግብሪ የኽፍሉ ነይሮም እዮም። ሓደ ዓይነት ግብሪ ኣብቶም ወነንቲ ምድሪ እዩ ተጻዒኑ ነይሩ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ግብሪ እቲ ብገንዘብ ወይ ብፍርያት ኪኸፍሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እዚ ግብሪ እዚ፡ ካብ 20 ክሳዕ 25 ሚእታዊት እዩ ዚግመት ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ኪኸፍሎ ዚግባእ ግብሪ እውን ነይሩ እዩ። ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ግብሪ እዚ እዮም ሓቲቶምዎ። ንሱ ድማ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” ኢሉ ግቡእ መትከል እንታይ ኪኸውን ከም ዚግባእ ሓቢሩ እዩ።—ማቴ. 22:15-22።

ሸቐጥ ኪኣቱ ወይ ኪወጽእ ከሎ ዚስላዕ ቀረጽ እውን ነይሩ እዩ። እቲ ቐረጽ እቲ፡ ኣብ ወደባት፡ ኣብ ድልድላት፡ ኣብ መስቀላዊ መገድታት፡ ኣብ መእተዊ ኸተማታት፡ ወይ ኣብ መእተዊ ዕዳጋታት እዩ ዚእከብ ነይሩ።

ስለዚ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ህዝቢ ብድምር ዚኸፍልዎ ዝነበሩ ግብሪ፡ ኣመና ኸቢድ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ታሲተስ ዚብሃል ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዘመን ንግስና ሃጸይ ጢበርዮስ፡ ማለት ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ፡ “ሶርያን ይሁዳን ጾር ስለ ዘድከመን፡ ግብሪ ኺንከየለን ለሚነን” እየን።

ነቲ ጾር መሊሱ ዘኽበዶ ኸኣ፡ እቲ ግብሪ ዚእከበሉ ሜላ እዩ ነይሩ። ግብሪ ናይ ምእካብ መሰል፡ ብጨረታ እዩ ዚውሃብ ነይሩ። እቶም ዝለዓሉ ተጫረትቲ ምስቶም ግብሪ ብኣካል ዚእክቡ ይወዓዓሉ እሞ፡ ኣብ መንጎኡ መኽሰብ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ዘኬዎስ ኣብ ትሕቲኡ ኸምዚ ዝበሉ ኣከብቲ ቐረጽ ነይሮምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 19:1, 2) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ህዝቢ ነዚ ኣሰራርሓ ይጸልእዎ ነይሮም እዮም፣ ነቶም ካባታቶም ግብሪ ዚእክቡ ሰባት እውን ይንዕቅዎም ነይሮም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ