ታሪኽ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ዜሐጕስ ህይወት
ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት-ኤል ዝዓየኽዎ ናይ መጀመርታ ዕዮ፡ ንባይታ እቲ ሕትመት ዚካየደሉ ህንጻ ምዅስታር እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ 1958 እዩ ነይሩ፣ ኣነ ድማ ወዲ 18 ዓመት እየ ነይረ። ህይወት ጥዑም እዩ ነይሩ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ነታ ኻብ ሓታሚት ማኪና ንዚወጽእ መጽሔታት እትቘርጽ ማሽን ክሕዛ ጀመርኩ። ናብ ቤት-ኤል ብምእታወይ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ!
ንዓመታኡ፡ ኣብቲ ሓዳስ ሓታሚት ማኪና እተተኽለትሉ ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ዜገልግሉ ወለንተኛታት ከም ዜድልዩ ንስድራ ቤት-ኤል ምልክታ ተነግረ። ኣነ ድማ ተመዝገብኩ፣ ምስ ተሓረኹ እውን ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ሰለስተ ካናዳውያን ቤት-ኤላውያን እውን ተሓርዩ፣ ንሳቶም ድማ ደኒስ ሊች፡ ቢል ማክለናን፡ ኬን ኖርዲን ይብሃሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዊሕ ከም እንጸንሕ ተነግረና።
ሽዑ፡ ንኣደይ ደወልኩላ እሞ፡ “ማማ፡ ዝነግረኪ ነገር ኣሎኒ። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸይድ እየ” በልክዋ። ኣደይ ስቕተኛ፡ ግናኸ ድልዱል እምነትን ዓሚቝ መንፈሳውነትን ዘለዋ ሰብ እያ ነይራ። ብዙሕ ኣይተዛረበትን፣ ንውሳነይ ከም ዝደገፈቶ ግና እፈልጥ ነይረ እየ። ንሳ ዀነት ኣቦይ ካባታቶም ርሒቐ ብምኻደይ እኳ እንተ ጐሃዩ፡ ነቲ ውሳነይ ኣይተቓወምዎን።
ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቐልኩ
ብ1959 ካብ ኬፕ ታውን ናብ ጆሃንስበርግ ኣብ እትወስድ ባቡር ምስ ደኒስ ሊች፡ ኬን ኖርዲን፡ ቢል ማክለናን
ድሕሪ 60 ዓመት ብ2019 ኣብ ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እተኣኻኸብናሉ እዋን
ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ኣርባዕቴና ኣሕዋት ምስ ሕትመት እተተሓሓዘ ናይ ሰለስተ ወርሒ ስልጠና ተዋህበና። ድሕሪኡ፡ ብናይ ጽዕነት መርከብ ናብታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኬፕ ታውን ነቐልና። ሽዑ፡ 20 ዓመተይ ካብ ዝመልእ ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ። ድሕርዚ፡ ካብ ኬፕ ታውን ምሸት ነቒልና ናብ ጆሃንስበርግ ብባቡር ነዊሕ ጕዕዞ ገበርና። ወጋሕታ፡ ካሩ ኣብ እትብሃል ኣብ ከፊል ምድረ በዳ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ናይ መጀመርታ ዕረፍቲ ገበርና። ደሮናን ትክን ሃሩርን ዝመልኣ እያ ነይራ። ኣርባዕቴና ብመስኮት እናጠመትና፡ እንታይ ዓይነት ዓዲ ምዃኑ ደንጸወና። ‘ናብ ምንታይ ኢና ንኣቱ ዘለና፧’ ኢልና እውን ሓሰብና። ድሕሪ ዓመታት፡ ናብቲ ኸባቢ እቲ ተመሊስና ኼድና ኢና። እተን ንኣሽቱ ኸተማታትን ሰላማዊ ህይወተንን ባህ ዜብል ምዃኑ እውን ከነስተውዕል ክኢልና ኢና።
ኣብ መጀመርታ ሒደት ዓመታት እተዋህበኒ ዕዮ፡ ኣብታ ሊኖታይፕ እትብሃል ማሽን ምዕያይ እዩ ነይሩ፣ ብእኣ ገይረ ኸኣ ንሕትመት መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ዚኸውን አዳሉ ነይረ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንደቡብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዚርከባ ብዙሓት ሃገራት ዚኸውን መጽሔታት ብብዙሕ ቋንቋታት ኣፍሪቃ የዳሉ ነይሩ እዩ። እታ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዝና ኸም እንመጽእ ዝገበረት ሓታሚት ማኪና ብዙሕ እያ እትዓዪ ነይራ።
ድሕርዚ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፋብሪካ ዓየኹ፣ ኣብኡ ድማ ንእተፈላለየ ሕትመትን ምልእኣኽን ትርጉምን ዚኸውን ዕዮ ይዕየ ነበረ። ህይወተይ ስራሕን ዕግበትን ትርጉምን ዝመልኦ እዩ ነይሩ።
ሓዳርን ሓድሽ ምድብን
ብ1968 ኣነን ሎራን ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና እናኣገልገልና
ብ1968፡ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ንእትነብር ዝነበረት ሎራ ቦወን ዝስማ ፈላሚት ተመርዓኽዋ። ንሳ ንኽፍሊ ትርጉም፡ ታይፒስት ኰይና እያ እትዓዪ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደስቲ ምርዑዋት ኣብ ቤት-ኤል ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኽንዓዪ ተመደብና። እዚ ቝሩብ ኣተሓሳሲቡኒ ነይሩ። ኣብ ቤት-ኤል ዜድልየኒ ምግብን መጽለልን እናቐረበለይ ንዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ በቲ ንፍሉያት ፈለምቲ ዚውሃብ ኣበል ከመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ ኣተሓሳሲቡና ነይሩ። ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ወርሒ 25 ራንድ (በቲ ናይ ሽዑ 35 ዶላር ሕ.መ.ኣ.) እዩ ዚውሃበና ነይሩ፣ እዚ ግና ከነማልኦ ዚግባእ ሰዓታትን ተመላሊስካ ምብጻሓትን ዚዕደል ጽሑፋትን እንተ ኣማሊእና እዩ ዚውሃበና ነይሩ። እቲ ገንዘብ እቲ፡ ንኽራይ ገዛን ንምግብን ንመጕዓዝያን ንሕክምናን ንኻልእ ብሕታዊ ወጻኢታትን ዚሽፍን እዩ ነይሩ።
ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ደርባን፡ ኣብ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ተመደብና። ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሓት ህንዳውያን ይነብሩ ነይሮም እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብቶም ኣብ መወዳእታ 1800ታት ንኢንዱስትሪ ሽኮር ዝመጹ ሸቃሎ እተወልዱ እዮም ነይሮም። ኣብ ካልእ ስራሓት እኳ እንተ ተዋፈሩ፡ ባህሎምን ጥዑም ምግቦምን ግና ዓቂቦም ነይሮም እዮም። እንግሊዝኛ ስለ ዚዛረቡ ኸኣ፡ እዚ ንዓና ኣቕሊሉልና እዩ።
ፍሉያት ፈለምቲ ኣብ ወወርሒ 150 ሰዓት ኬገልግሉ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ፣ ስለዚ፡ ኣነን ሎራን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሽዱሽተ ሰዓት ከነገልግል መደብና። ሃሩርን ራህድን ዝበርትዓላ መዓልቲ እያ ነይራ። ሽዱሽተ ሰዓት ምሉእ ኣብ በቤት እናኸድና ኻብ ምግልጋል ወጻኢ፡ ተመላሊስካ ምብጻሓት ኰኑ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሩናን። ኣገልግሎትና ኻብ እንጅምር ቍሩብ ጸኒሐ ሰዓተይ እንተ ረኣኹ፡ 40 ደቒቕ ጥራይ እዩ ሓሊፉ ነይሩ! ሽዑ፡ ‘ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ኽንክእሎ፧’ ኢለ ሓሰብኩ።
ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ጽቡቕ ልማድ ኣጥረና። መዓልቲ መዓልቲ፡ ሳንድዊች ኣዳሊና፡ መረቕ ወይ ቡን ኣብ ተርሞስ ሒዝና ኽንከይድ ጀመርና። ዕረፍቲ ኼድልየና ኸሎ፡ ነታ ንእሽቶ ቮልክስዋገን ማኪናና ኣብ ጥቓ ጽላል ኦም ንገብራ ነበረና፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ህንዳውያን ቈልዑ ዓጒጎም ይጥምቱና ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ድሕሪ እተን ቀዳሞት ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓታት፡ እቲ ዝተረፈ መዓልቲ ቐልጢፉ ኸም ዚሓልፍ ኣስተብሃልና።
መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ናብቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ተቐበልቲ ጋሻ ዝዀኑ ሰባት ምብጻሕ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ! ህንዳውያን ኣኽበርቲ ሰብን ጥዑማትን ንኣምላኽ ዚፈርሁን ኰይኖም ኢና ረኺብናዮም። ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነት ንመልእኽትና ተቐቢሎምዎ እዮም። ብዛዕባ የሆዋ፡ የሱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም፡ ተስፋ ምዉታት ኪፈልጡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ 20 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብና። መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ምስ ሓደ ኻብቶም እነጽንዖም ስድራ ቤት ንምሳሕ ነበርና። ኣዚና ሕጉሳት ኢና ኔርና።
ነዊሕ ከይጸናሕና ግና፡ ካልእ ዕዮ ተዋህበና። ኣብ ገማግም እቲ ውቁብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ተመደብና። ንጉባኤታት ንምትብባዕ ክንበጽሐን ከለና፡ ኣብ ሰሰሙን ምስቶም ኣስፋሕቲ ኸም ኣጋይሽ ነዕርፍን ምሳታቶም ነገልግልን ነበርና። ኣባል ስድራ ቤቶም ኢና እንኸውን ኔርና፣ ምስ ደቆምን እንስሳታቶምን ድማ ጽቡቕ ግዜ ነሕልፍ ኔርና ኢና። በዚ ኸምዚ ኽልተ ባህ ዜብላ ዓመታት ሓለፋ። ድሕሪኡ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብሃንደበት ተደወለልና። “ናብ ቤት-ኤል ክንመልሰኩም ሓሲብና” ዚብል መልእኽቲ መጸና። ኣነ ድማ፡ “ኣብዚ እኮ ብዙሕ ኢና ተሓጒስና ዘለና” ኢለ መለስኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ እተመደብናዮ ኸነገልግል ፍቓደኛታት ኢና ኔርና።
ናብ ቤት-ኤል ተመለስና
ኣብ ቤት-ኤል እተዋህበኒ ዕዮ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ብዙሓት ብሱላትን ምኩራትን ኣሕዋት ናይ ምግልጋል ፍሉይ ኣጋጣሚ እየ ረኺበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ድሕሪ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ደብዳበ ይልኣኸላ ነይሩ እዩ። እቲ ደብዳበ ንምትብባዕን ዜድሊ መምርሒ ንምሃብን ተባሂሉ እዩ ዚልኣኽ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቶም ነቲ ደብዳበ ካብ ኮሳን ዙሉን ካልእ ቋንቋታትን ናብ እንግሊዝኛ፡ ካብ እንግሊዝኛ ኸኣ ናብ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ዚትርጕሙ ጸሓፍትና ብዙሕ ስራሕ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ነቶም ብዙሕ ጸገማት ዜጋጥሞም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርድኣሎም ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም። ነቶም ብትግሃት ዚዓይዩ ተርጐምቲ ብዙሕ እየ ዘማስዎም።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ እያ ነይራ። ኵሎም እቶም ዓሌታት ኣብ ዘዝተመደበሎም ቦታታት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ስለዚ፡ ምስ ካልኦት ዓሌታት ብዙሕ ኪራኸቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝዀኑ ኣሕዋትና ቛንቋኦም ይዛረቡ፡ ብቛንቋኦም ይሰብኩ፡ ብቛንቋኦም ኣብ ዚግበር ጉባኤታት ድማ ይእከቡ ነይሮም።
ቅድሚኡ እተዋህበኒ ዅሉ ምድብ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ብምንባሩ፡ ብዙሓት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ድሕርዚ ግና፡ ብዛዕባ እቶም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ብዛዕባ ባህሎምን ልምድታቶምን ክፈልጥ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ብሰንኪ እቲ ናይቲ ዓዲ ልምድታትን ሃይማኖታዊ እምነታትን፡ ኣሕዋትና ጸገማት ከም ዜጋጥሞም ፈለጥኩ። ኣብ መናፍስታዊ ተግባራት ምስታፍ ምስ ኣበዩ፡ ካብ ስድራ ቤቶምን ካብ ደቂ ዓዶምን ከቢድ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ሓራ ኺወጹ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ብሓቂ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ! ኣብ ገጠራት፡ ብዙሕ ድኽነት ነይሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ስሩዕ ትምህርቲ ኣይረኽቡን እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነይርዎም እዩ።
ምስ ሓርነት ኣምልኾን ገለልትነትን ኣብ እተተሓሓዘ ሕጋዊ ጕዳያት ናይ ምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ እየ። ተኣማንነትን ትብዓትን እቶም ኣብ ጸሎትን ሃይማኖታዊ መዝሙርን ምስታፍ ብምእባዮም ካብ ቤት ትምህርቶም እተሰጕጉ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርኣይ፡ እምነት ዜደልድል እዩ ነይሩ።
ስዋዚላንድ ኣብ እትብሃል ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ ካልእ ጸገም ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። ዳግማይ ሶቡዛ ዚብሃል ንጉስ እታ ሃገር ምስ ሞተ፡ ኵሎም ዜጋታት ኣብ ናይ ሓዘን ልምዲ ኺሳተፉ ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ እዩ። ሰብኡት ጸጕሮም ኪላጸዩ ነይርዎም፣ ኣንስቲ ኸኣ ጸጕረን ኣሕጺረን ኪቘርጻኦ ነይርወን። ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብዚ ምስ ኣምልኾ ኣቦታት እተተሓሓዘ ልምዲ ምስታፍ ብምእባዮም ኣደዳ መስጐጕቲ ዀይኖም እዮም። እቲ ንየሆዋ ዝነበሮም ተኣማንነት መሸም፡ ንልብና ብሓጐስ መሊእዎ እዩ! ካብቶም ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ብዛዕባ ተኣማንነትን ትዕግስትን ብዙሕ ተማሂርና ኢና፣ እዚ ድማ ንእምነትና ሃኒጽዋ እዩ።
ናብ ቤት ማሕተም ተመለስኩ
ብ1981፡ ኣብ ምምዕባል እቲ ብኮምፕዩተር እተሰነየ ሜላታት ሕትመት ክሕግዝ ተመደብኩ። ስለዚ፡ ናብ ቤት ማሕተም ተመለስኩ። ብሓቂ ዜሐጕስ ግዜ እዩ ነይሩ! ናይ ሕትመት ዓለም ይቕየር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓዲ ዚርከብ ተወካሊ እቶም ሸየጥቲ ድማ፡ ብናጻ ኽንፍትና ኢሉ ንጨንፈርና ሓታሚት ማኪና ሃበና። ድሕርዚ፡ ነተን ኣቐዲመን ዝነበራ ትሽዓተ ሊኖታይፕ ማሽናት፡ በተን ሓሙሽተ ሓደስቲ ፎቶታይፕሰተር ማሽናት ተካእናየን። ካልእ ሓዳስ ሓታሚት ማኪና እውን ተተኽለት። ኵሉ ነገር ይፋጠን እዩ ነይሩ!
ብኮምፕዩተር እተሰነየ ኣሰራርሓ፡ ናብቲ መፕስ (ማልቲላንጔጅ ኤለክትሮኒክ ፓብሊሽንግ ሲስተም) ዚብሃል ሓድሽ ሜላታት ምውህሃድ ጽሑፍ መርሐ። ካብተን ንኣርባዕቴና ካናዳውያን ኣሕዋት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘምጽኣና ጐተት እናበላ ዚሓትማ ዘይምሹኣት ሊኖታይፕ ማሽናትን ንዓታተን ዚኸውን ብዓረር ዚዳሎ መሕተምን ብዙሕ ኢና ሰጒምና። (ኢሳ. 60:17) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵላትና ንፉዓትን መንፈሳውያንን ፈለምቲ ተመርዒና ኔርና ኢና። ኣነን ቢልን ኣብ ቤት-ኤል ኢና እነገልግል ኔርና። ኬንን ደኒስን ከኣ ኣብቲ ዓዲ ስድራ ቤት መስሪቶም ነይሮም እዮም።
ንጥፈታት ጨንፈር እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብብዙሕ ቋንቛታት ይትርጐምን ይሕተምን፡ ናብ ካልእ ጨናፍር እውን ይልኣኽ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሓድሽ ቤት-ኤል ኣድለየ። ኣሕዋት ከኣ ኣብ ምዕራብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዚርከብ ጽቡቕ ቦታ ሃነጹ፣ ብ1987 ድማ ተወፈየ። ኣብቲ ንምስፋሕ እተገብረ ዕዮ ተሳትፎ ኺህልወኒ ምኽኣሉን ንሓያሎ ዓመታት ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ደቡብ ኣፍሪቃ ዀይነ ምግልጋለይን ባህ ኢሉኒ እዩ።
ካልእ ሓድሽ ምድብ!
ብ2001 ኣብቲ ሓድሽ ዝቘመ ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ከገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበለይ፡ እዚ ፈጺምና ዘይተጸበናዮ እዩ ዀይኑና። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረና ዕዮን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈተውትናን ሓዲግና ብምኻድና እኳ እንተ ሓዘንና፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዄንና ሓድሽ ህይወት ምጅማር ግና ኣሐጒሱና እዩ።
ኰይኑ ግና፡ ነታ እርጋን ኣርኪብዋ ዝነበረት ኣደ ሎራ ሓዲግናያ ምኻድና ኣተሓሳሲቡና ነይሩ እዩ። ካብ ኒው ዮርክ ብዙሕ ክንሕግዛ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ሰለስተ ኣሓት ሎራ ግና ብኣካላውን ብስምዒታውን ብገንዘባውን መዳይ ኪሕግዛኣ ፍቓደኛታት ኰና። ንሳተን ከኣ፡ “ንሕና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንኣዴና እንተ ተኸናኺንናያ ግና፡ ንስኻትኩም ኣብ ምድብኩም ክትቅጽሉ ይሕግዘኩም እዩ” በላና። ስለቲ ዝገበራኦ ነገር፡ ብዙሕ ኢና ነመስግነን።
ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ዚነብሩ ሓወይን ሰበይቱን እውን ብተመሳሳሊ መንፈስ ነታ መበለት ዝዀነት ኣደይ ይኣልይዋ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣባል ስድራ ቤቶም ኰይና ነይራ እያ። ናብ ኒው ዮርክ ካብ እንኸይድ ነዊሕ ከይጸንሐት ግና ሞተት። ስለቲ ኽሳዕ ሽዑ ዘርኣይዋ ፍቕርን ሓልዮትን ብሓቂ ነመስግኖም ኢና። ኣብ ህይወቶም ምትዕርራይ ብምግባር ከቢድ ሓላፍነታት ዚስከሙ ኣባላት ስድራ ቤት ምርካብ፡ ዓብዪ በረኸት እዩ!
ንእተወሰነ ዓመታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ሕትመት ጽሑፋት እየ ዝዓዪ ነይረ፣ እዚ ዕዮ እዚ ብዝያዳ ዘሚኑን ቀሊሉን እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣብ ክፍሊ ሸመታ እዓዪ ኣለኹ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት፡ ኣባል እቲ ኣስታት 5,000 ስድራ ቤት-ኤልን 2,000 ተመላለስትን ዚርከብዎ ዓብዪ ጨንፈር ምዃን ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ።
ቅድሚ ስሳ ዓመት፡ ኣብዚ እበጽሕ ኢለ ኽሓስብ ኣይክእልን እየ ነይረ። ሎራ ኣብ ኵሉ እዚ ዓመታት እዚ ብምሉእ ልባ ደጊፋትኒ እያ። ብሓቂ ዜደንቕ ህይወት እየ ኣሕሊፈ! ነቲ ዝዓየናሉ በበይኑ ዓይነት ምድብን ንዅሎም እቶም መሳርሕትና ዝነበሩ ዜደንቑ ሰባትን፡ እንተላይ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ኣብ ዚርከቡ ጨናፍር ዝበጻሕናዮም ኣሕዋት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም። ሕጂ ዕድመይ ልዕሊ 80 ዓመት ስለ ዝዀነ፡ ስራሕ ተነክዩለይ ኣሎ። ነቲ ዕዮ ኺዓይይዎ ዚኽእሉ ብዕድመ ዝነኣሱ ብዙሓት ክኢላታት ኣሕዋት ኣለዉ።
ሓደ ዘማሪ፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ . . . ህዝቢ ሕጉስ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 33:12) እዚ ቓላት እዚ ሓቂ እዩ! ኣነ ድማ ነቲ ሕጉስ ህዝቢ የሆዋ መኻፍልቲ ሓጐሱ ክኸውን ብምኽኣለይ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን።