ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 4-5
  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽልኢ እንታይ እዩ፧
  • ጽልኢ ስለምንታይ ይጅምር፧
  • ጽልኢ ብኸመይ የስፋሕፍሕ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰራውር ጽልኢ ይገልጽ
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ስለምንታይ እዩ ጽልኢ ኣመና በዚሑ ዘሎ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 4-5

ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዛ ዓለምና መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምፍላጥ፡ ጽልኢ እንታይ ምዃኑ፡ ጽልኢ ስለምንታይ ከም ዚጅምር፡ ከምኡ ድማ ጽልኢ ብኸመይ ከም ዜስፋሕፍሕ ክንርዳእ ኣሎና።

ጽልኢ እንታይ እዩ፧

ጽልኢ ኺብሃል ከሎ፡ ንሰብ ወይ ንጕጅለ ሰባት እተሕድሮ ብርቱዕ ናይ ዘይምፍታው ወይ ሓያል ናይ ተጻብኦ ስምዒት እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ቀጻሊ ናይ ቅርሕንቲ ስምዒት ወይ ቂምታ እዩ።

ጽልኢ ስለምንታይ ይጅምር፧

ጽልኢ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪጅምር ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ጽልኢ ብሰንኪ ተግባሮም ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ መንነቶም እዮም ዚጽልኡ። እኩያት ከም ዝዀኑ፡ ክፉእ ኪገብሩ ኸም ዚሕልኑ፡ ወይ ኪመሓየሹ ኸም ዘይክእሉ ጌርካ ይርኣዩ እዮም። ብዘይካዚ ድማ፡ ከም ንዑቓት፡ ከም ኣስጋእቲ፡ ወይ ከም ኣሸገርቲ ጌርካ ይርኣዩ እዮም። እቶም ጽልኢ ዜሕድሩ ሰባት ነቲ ስምዒት ኣብ ልቦም ሱር ከም ዚሰድድ ዚገብር ዓመጻ፡ ግፍዒ፡ ወይ ካልእ ክፉእ ተግባራት ዘሕለፉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ጽልኢ ብኸመይ የስፋሕፍሕ፧

ሓደ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ብቐጥታ ኸይተራኸበ እኳ ጽልኢ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ከይተፈለጦ ናይቶም ዜኽብሮምን ዚቐርቦምን ሰባት ቄናን ኣረኣእያ ኪቐድሕ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጽልኢ ብቐሊሉ ኼስፋሕፍሕን ንምሉእ ጕጅለ ኺብክልን ይኽእል እዩ።

ጽልኢ ብቐሊሉ ስለምንታይ ከም ዚላባዕ እንተ ተረዲኡና፡ ንኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ስለምንታይ ከም ዚቈጻጸሮም ኪርኣየና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዓንኬል ጽልኢ ንምስባር፡ ንሰራውር ጽልኢ ኽንፈልጦ ኣሎና። እዚ ሰራውር እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተቓሊዑ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰራውር ጽልኢ ይገልጽ

ኣብ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ረቛሒታት ዜርኢ ብዓንኬላዊ ቕርጺ ዚዘውር ክልተ ፍላጻታት። 1. ግጉይ ሓበሬታ፡ እንተላይ ጸቕጢ ጕጅለን ማሕበራዊ መራኸብን ዜናን። 2. ድንቍርና ባህሊ፡ ዓሌት፡ ወይ ሃይማኖት። 3. ፍርሂ ለውጢ፡ ክሳራ፡ ወይ ዘይትፈልጦ ነገር። 4. ጽልኢ፡ እንተላይ ኣቐዲምካ ፍርድን ኣድልዎን ዓመጻን።

ክፉእ ጽልኢ መበቈሉ ኻብ ሰባት ኣይኰነን። ሓደ መልኣኽ ኣብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለወ እዩ ጽልኢ ጀሚሩ። እቲ መልኣኽ እቲ ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። ድያብሎስ “ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ካብቲ ዕልወት ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ቐታል ነፍሲ እዩ። “ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን” ብምዃኑ ኸኣ፡ ጽልእን ዓመጻን የስፋሕፍሕ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:44፣ 1 ዮሃንስ 3:11, 12) መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ከም ክፉእን ቍጡዕን ዓማጽን ገይሩ እዩ ዚገልጾ።—እዮብ 2:7፣ ራእይ 12:9, 12, 17።

ዘይፍጹማት ሰባት ናይ ጽልኢ ዝንባለ ኣለዎም። እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ናይ ሰይጣን መገዲ ሓጢኣት እዩ ስዒቡ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኵሎም ሰባት ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ወሪሶም። (ሮሜ 5:12) እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳም ዝዀነ ቃየል፡ ብጽልኢ ተላዒሉ ንሓዉ ኣቤል ቀቲልዎ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:12) ልክዕ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ፍቕርን ርሕራሐን የርእዩ እዮም። ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ግና፡ ብዙሓት ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ቀናኣትን ዕቡያትን እዮም፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ንጽልኢ የጐሃህሮ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

ፍልይ ንዝበለ ሰብ ብኽፉእ ዓይኒ ዚርእዩ ሰባት ጽልኢ የሕድሩ እዮም። እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ክፉእን ጐዳእን ባህርያት ኰነ ኣረኣእያታት ስለ እተተባብዕ፡ ጽልኢ ተጐሃህር እያ። “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ዘላ፡ ኣቐዲምካ ፍርድን ጸርፍን ድንደናን ግብረ ጸይቅን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።—1 ዮሃንስ 5:19።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰራውር ጽልኢ ኻብ ምቅላዕ ንላዕሊ ይገብር እዩ። እቲ ፍታሕ እንታይ ምዃኑ እውን ይሕብር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ