ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w22 ሚያዝያ ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 5
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ቃልካ ትሕሉ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
w22 ሚያዝያ ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 5

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕላ እንታይ ይብል፧

ማሕላ “ሓደ ሰብ እቲ ዚብሎ ብርግጽ ከም ዚፍጽሞ ንምርግጋጽ መብዛሕትኡ እዋን ብሽም ኣምላኽ . . . ዚኣትዎ ዕቱብ ቃል፣ ኪዳን፣ መብጽዓ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። ማሕላ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ፡ “ከቶ ኣይትምሓሉ፣ . . . ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን። ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ” ስለ ዝበለ፡ ገሊኦም ሰባት ማሕላ ምምሓል ጌጋ ይመስሎም እዩ። (ማቴ. 5:33-37) የሱስ መሸም ኣብ ሕጊ ሙሴ ገሊኡ ማሕላ ግቡእ ከም ዝዀነ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ከም ዝመሓሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 14:22, 23፣ ዘጸ. 22:10, 11) ብዘይካዚ እውን፡ የሆዋ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከም ዝመሓለ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እብ. 6:13-17) ስለዚ የሱስ፡ ፈጺምና ኽንምሕል የብልናን ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘይረብሕ ወይ ትርጉም ኣልቦ ማሕላ ኸይንምሕል እዩ ዜጠንቅቕ ነይሩ። ቃልና ምሕላው፡ ከም ቅዱስ ግዴታ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ከምቲ እንብሎ ኽንከውን ኣሎና።

ክትምሕል እንተ ተሓቲትካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብቐዳምነት፡ ነቲ እትምሕለሉ ነገር ክትገብሮ እትኽእል ምዃንካ ኣረጋግጽ። ርግጸኛ እንተ ዘይኰንካ፡ እንተ ዘይመሓልካ ይሓይሽ። ቃል ኣምላኽ፡ “ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ” ኢሉ የጠንቅቐና። (መክ. 5:5) ቀጺልካ፡ ምስ ማሕላ ንዚተሓሓዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ሕሰበሉ፣ ድሕሪኡ፡ ምስቲ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ተሰማሚዕካ ወስን። ገለ ኻብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት ፍርዲ ማሕላ ይምሕል። የማናይ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ጸጋማይ ኢዱ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢሩ ኣሎ።

ገሊኡ ማሕላ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ይሳነ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪማራዓዉ ኸለዉ፡ ቃል ኪዳን ይተኣታተዉ እዮም። ቃል ኪዳን ሓደ ዓይነት ማሕላ እዩ። መርዓትን መርዓውን፡ “ብህይወት ክሳዕ [ዘለዉ]” ሓደ ነቲ ሓደ ኼፍቅሮን ኪሕብሕቦን ኬኽብሮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ቃል ይተኣታተዉ እዮም። (ገሊኦም መጻምድቲ ኺማራዓዉ ኸለዉ፡ ብልክዕ ከምዚ ቓላት እዚ ኣይብሉን ይዀኑ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ይምሕሉ እዮም።) ድሕርዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ይብሃሉ፣ እቲ መውስቦኦም ከኣ ንምሉእ ህይወቶም ኪቕጽል እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። (ዘፍ. 2:24፣ 1 ቈረ. 7:39) እዚ መሰናድዎ እዚ ግቡእን ቅኑዕን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳነን እዩ።

ገሊኡ ማሕላ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ይጋጮ እዩ። ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን፡ ኣጽዋር ኣልዒሉ ንሃገር ንምክልኻል፡ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ንምኽሓድ፡ ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ንምግባር ማሕላ ኣይምሕልን እዩ። ሓደ ክርስትያን ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ይጥሕስ እዩ። ክርስትያናት ‘ካብ ዓለም ኣይኰኑን፣’ ስለዚ፡ ኣብ ጕዳያትን ግጭታትን እዛ ዓለም ክንኣቱ የብልናን።—ዮሃ. 15:19፣ ኢሳ. 2:4፣ ያእ. 1:27።

ገሊኡ ማሕላ ብሕልና ውልቀ ሰብ እዩ ዚውሰን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ ማሕላ ብመሰረት እቲ የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ጌርና ተጠንቂቕና ኽንግምግሞ ኣሎና።—ሉቃ. 20:25።

ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ዜግነት ወይ ፓስፖርት ኪውሃቦ የመልክት እሞ፡ ናይ ተኣማንነት ማሕላ ኺምሕል ትጽቢት ከም ዚግበረሉ ይፈልጥ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዚዕየየሉ ማሕላ ብንጹር ሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ነቲ ማሕላ እቲ ኺምሕል ኣይፈቕደሉን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ክርስትያን፡ ንቓላት እቲ ማሕላ ምስ ሕልናኡ ኸም ዚሰማማዕ ገይሩ ኼዐርዮ ይፈቕደሉ ይኸውን።

በዚ ኸምዚ እተዓረየ ማሕላ ተኣማንነት ምምሓል፡ ምስቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዚርከብ፡ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም” ዚብል ስርዓት ዚሰማማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን፡ ብቐደሙ ኣምላኽ ዚጽበዮ ነገር ኪገብር ምምሓል፡ ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ ኺውስን ይኽእል እዩ።

ክትምሕል ከለኻ ሓደ ነገር ክትጥቀም ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ትሕተት እንተ ዄንካ እውን፡ ኣብ ሕልናኻ ተመርኲስካ ኽትውስን ኣሎካ። ጥንታውያን ሮማውያንን ስኪታውያንን ብኣስያፎም ይምሕሉ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ፡ ናይ ውግእ ኣምላኽ ዋሕስ ከም ዚኸውን ይኣምኑ ምንባሮም የርኢ። ግሪኻውያን ኸኣ ኪምሕሉ ኸለዉ፡ ኢዶም ናብ ሰማይ የልዕሉ ነይሮም። እዚ ኸኣ፡ እንታይ ከም ዚብሉን እንታይ ከም ዚገብሩን ዚዕዘብ መለኮታዊ ሓይሊ ኸም ዘሎ፡ ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ ኸም ዝዀኑ ይኣምኑ ምንባሮም የርኢ።

ልክዕ እዩ፡ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እተተሓሓዘን ኣምልኾ ኣብ ዚውሃቦን ዝዀነ ሃገራዊ ኣርማ ኣይምሕልን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ሓቂ ምስክርነት ምእንቲ ኽትህብ ኢድካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢርካ ኽትምሕል እንተ ተሓቲትካኸ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ እሙናት ሰባት ኪምሕሉ ኸለዉ ሓደ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝገበሩ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ንምግባር ክትውስን ትኽእል ኢኻ። (ዘፍ. 24:2, 3, 9፣ 47:29-31) በዚ ኸምዚ ኣገባብ እንተ ምሒልካ፡ ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትምሕል ከም ዘለኻ ኽትዝክር ኣሎካ። ንዚቐርበልካ ዘበለ ሕቶ ኸኣ ሓቀኛ ምላሽ ንምሃብ፡ ድሉው ክትከውን ኣሎካ።

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • ማቴዎስ 5:37፦ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን።”

  • ዮሃንስ 15:19፦ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን።”

  • ዘዳግም 5:9፦ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ . . . ኣምላኽ እየ።”

  • ሮሜ 13:1፦ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም።”

  • ሉቃስ 20:25፦ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ።”

  • 1 ጴጥሮስ 2:12፦ “ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም . . . ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።”

ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ክንምሕል ሕቶ ኪቐርበልና ኸሎ፡ እቲ ማሕላ ምስ ሕልናና ወይ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብጸሎት ክንሓስበሉ ኣሎና። እምበኣር፡ ክትምሕል እንተ ወሲንካ፡ ነቲ ማሕላኻ ኽትሕልዎ ኣሎካ።—1 ጴጥ. 2:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ