ካልኣያዊ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ
ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንኣኼባታት ንምድላው JW Library® ይጥቀሙ እዮም። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ንዓንቀጻት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብምሹእ መገዲ ዜቕርበልና ምዃኑ እውን የሐጕሶም እዩ። ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ግና ብዙሕ ግዜ መንፈሳዊ ምግቢ ዝሓዘ ኻልኣያዊ ዓንቀጻት ይወጽእ እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኣብ JW Library ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ኣብ መመወዳእታ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብተወሳኺ እተንብቦ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ንኡስ ኣርእስቲ፡ “ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚርከብ ካልእ ዓንቀጻት” ንዚብል ሊንክ ጠውቕ። ነቲ ትሕዝቶ ርኣዮ፣ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ብንጹር ቍጽሪ ተገይሩሉ ኸም ዝሰፈረ ተመልከት። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸተንብቦ እትደልዮ ኻልኣያዊ ዓንቀጽ ጠውቕ።
ኣብቲ ቐንዲ ገጽ JW Library፡ ኣብ “ሓድሽ ነገር፡” ሓድሽ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ መምስ ወጸ ኣራግፎ። ድሕርዚ፡ ካብ ኵሉ እቲ ዓንቀጻት ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነታ ዘራገፍካያ መጽሔት ከፊትካ ኣብ ትሕዝቶ ተመልከት።