ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ለካቲት ገጽ 26-27
  • ንየሆዋ ተሓጒስካ ብትዕግስቲ ተጸበዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ተሓጒስካ ብትዕግስቲ ተጸበዮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኽንጽበ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧
  • ከመይ ጌርና ብታሕጓስ ክንጽበ ንኽእል፧
  • ብሓጐስ ንየሆዋ ምጽባይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ብኸመይ ብዓቕሊ ከም እትጽበ ትፈልጥዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሆዋ ኽትጽበዮ ፍቓደኛ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ለካቲት ገጽ 26-27

ንየሆዋ ተሓጒስካ ብትዕግስቲ ተጸበዮ

ንጉስ ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቱ ብዘሎ መስኰት ብሃንቀውታ ይቋመት።

ነቲ የሆዋ እከይ ዘበለ ዜወግደሉን ንዅሉ ዚሕድሰሉን እዋን ብሃንቀውታ ትጽበዮዶ፧ (ራእ. 21:1-5) እዚ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ! እንተዀነ ግና፡ ምናዳ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ምጽባይ ቀሊል ኣይኰነን። ዝደንጐየ ተስፋ ንልብና ኼሕምሞ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 13:12፡ እ.ጽ.።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ይደልየና እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኽንገብር ዚደልየና፧ ብታሕጓስ ክንጽበ ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኽንጽበ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣ ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ። የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ። ኵሎም እቶም ዚጽበይዎ ሕጉሳት እዮም” ይብል። (ኢሳ. 30:18) እዚ ቓላት ኢሳይያስ እዚ፡ ኣብ ፈለማ ነቶም ነቓጻት ኣይሁድ እዩ ተዘሪብዎም። (ኢሳ. 30:1) ገሊኦም ኣይሁድ ግና እሙናት እዮም ነይሮም፣ እዚ ቓላት እዚ ድማ ንዓታቶም ተስፋ ሂብዎም እዩ። ሎሚ እውን ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተስፋ ኺህቦም ይኽእል እዩ።

ስለዚ፡ የሆዋ ብትዕግስቲ ይጽበ ስለ ዘሎ ኢና ንሕና እውን ብትዕግስቲ እንጽበ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዜምጽኣሉ ምዱብ ግዜ ኣለዎ፣ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ክሳዕ እተመጽእ ከኣ ይጽበ ኣሎ። (ማቴ. 24:36) ሽዑ፡ እቲ ድያብሎስ ንየሆዋን ንኣገልገልቱን ዝኸሰሶም ክሲ፡ ሓሶት ምዃኑ ንጹር ኪኸውን እዩ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሰይጣንን ነቶም ምስኡ ዚውግኑን ኬጥፍኦም እዩ፣ ንዓና ግና ‘ኪምሕረና’ እዩ።

ክሳዕ ሽዑ፡ የሆዋ ንፈተናታትና ዘየወግደልና እኳ እንተ ዀነ፡ ብታሕጓስ ክንጽበ ኸም እንኽእል ግና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ኣብ ኢሳይያስ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ንሓደ ጸቡቕ ነገር እናተጸበና ወይ ተስፋ እናገበርና ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 30:18)a እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እቲ ሓጐስ እቲ ኽንረክብ እንኽእል፧ ኣርባዕተ ስጕምቲ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ከመይ ጌርና ብታሕጓስ ክንጽበ ንኽእል፧

ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር። ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብዙሕ እከይ ርእዩ እዩ። (መዝ. 37:35) እንተዀነ ግና፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ። ተንኰሉ ኺፍጽም ብዚሰልጦ ሰብ ኣይትሕረቕ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 37:7) ንሱ ባዕሉ ኣብ ተስፋ ድሕነት ብምትኳር፡ ነዚ ምኽሩ እዚ ዓይዩሉ እዩ። ንዅሉ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸቦ በረኸት እውን የስተብህለሉ ነይሩ እዩ። (መዝ. 40:5) ንሕና እውን ኣብ ኣወንታዊ ነገራት እንተ ኣተኲርና፡ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣሉታዊ ነገራት ድማ እንተ ዘይተዋሒጥና፡ ንየሆዋ ምጽባይ ዝቐለለ ኪዀነልና እዩ።

ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ትሑዝ ኩን። ጸሓፊ መዝሙር 71፡—ዳዊት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ፡—ንየሆዋ፡ “ወትሩ ኽጽበ እየ፣ ንውዳሰኻ እውን ክውስኸሉ እየ” ኢልዎ ኣሎ። (መዝ. 71:14) እሞ ደኣ ንየሆዋ ብኸመይ እዩ ወዲስዎ፧ ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ነጊሩ፡ መዝሙር ውዳሰ እውን ዘሚሩሉ እዩ። (መዝ. 71:16, 23) ንሕና እውን ከም ዳዊት ንየሆዋ ብታሕጓስ ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብ መዓልታዊ ዝርርብናን ኣብቲ ንኣምልኾ እንዝምሮ መዝሙራትን ክንውድሶ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኣብ ዚቕጽል መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ክትዝምር ከለኻ፡ ንምንታይ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዜተባብዕ መልእኽቲ ዘይተተኵረሉ፧

ካብ ኣሕዋትን ኣሓትን መተባብዒ ርኸብ። ዳዊት ጸገማት ምስ ኣጋጠሞ፡ ንየሆዋ፡ “ኣብ ቅድሚ እሙናትካ ብስምካ ተስፋ ኽገብር እየ” ኢልዎ እዩ። (መዝ. 52:9) ንሕና እውን ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት እውን ካብ እሙናት ክርስትያናት ብጾትና መተባብዒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 1:11, 12።

ተስፋኻ ኣደልድል። መዝሙር 62:5፡ “ተስፋይ ካብኡ ስለ ዚመጽእ፡ ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ” ትብል። ሓያል ተስፋ እንተ ኣልዩና፡ ብምትእምማን ኢና እንጽበ። ኣብዚ ስርዓት እዚ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ንዝነውሐ ግዜ ኽንጻወር ከለና፡ እዚ ወሳኒ እዩ። እተጸበና እኳ እንተ ተጸበና፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጽም ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ማለት ትንቢታቱን ውሽጣዊ ስኒቱን እቲ የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ዝገለጸልና ዝርዝር ነገራትን ብምጽናዕ፡ ተስፋና ኸነሐይል ንኽእል ኢና። (መዝ. 1:2, 3) ብተወሳኺ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚፍጸም እናተጸበና ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልወና፡ ወትሩ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ክንጽሊ’ ኣሎና።—ይሁ. 20, 21።

ስእልታት፦ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበበት ተስተንትን። ኣብ ጥቓኣ ኣፋውስ ኣሎ። 1. ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኰይና ኣብ ምስክርነት ዓረብያ ኽትሳተፍ ከላ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ ተዛራርባ። 2. ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ትእከብ። 3. ትጽሊ።

ከም ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ ነቶም ዚጽበይዎ ኸም ዚሕልዎምን ብተኣማንነት ፍቕሩ ኸም ዜርእዮምን ርግጸኛ ኹን። (መዝ. 33:18, 22) እምበኣር፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ብምትኳር፡ ንየሆዋ ብምውዳስ፡ ካብ ክርስትያናት ብጾትካ መተባብዒ ብምርካብ፡ ነታ ኽብርቲ ተስፋኻ እውን ብምድልዳል፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበዮ።

a እታ “ዚጽበይዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ “ሓደ ነገር ኪኸውን ብሃንቀውታ ምጽባይ ወይ ተስፋ ምግባር” ዚብል ትርጉም እውን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንድሕነትና ሃንቀው እንተ በልና ንቡር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ