ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9
መዝሙር 75 “እነኹ፡ ልኣኸኒ!”
ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ተዳሊኻ ዲኻ፧
“ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”—መዝ. 116:12።
ኣትኵሮ
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ንምምዕባል ክትሕግዘካ እያ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ርእስኻ ንዕኡ ንምውፋይን ንምጥማቕን ድሌት ተሕድር።
1-2. ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥማቑ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠሚቖም እዮም። መብዛሕትኦም፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ሓቂ ኻብ ‘ሕጻንነቶም’ ኣትሒዞም እተማህሩ እዮም። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ገሊኦም ግና ምስ ዓበዩ ወይ ብዕድመ ምስ ደፍኡ እዮም ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ እተወሰነ ግዜ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዓ፡ ኣብ 97 ዓመት ዕድሚኣ እያ ተጠሚቓ!
2 ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዄንካ ወይ ወለድኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖም፡ ክትጥመቕ ትሓስብዶ ኣለኻ፧ እዚ ዚንኣድ ሸቶ እዩ። ቅድሚ ምጥማቕካ ግና፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኣሎካ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወፈያ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺግለጽ እዩ። ብተወሳኺ፡ ርእስኻ ንምውፋይን ንምጥማቕን ድሉው ምስ ኰንካ፡ ካብዚ ስጕምቲ እዚ ኺዓግተካ ዚኽእል ዋላ ሓደ ምኽንያት ስለምንታይ ከም ዘየሎ ኽትርኢ ኢኻ።
ወፈያ እንታይ እዩ፧
3. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ኣብነታት ሃብ።
3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወፈያ ኺብሃል ከሎ፡ ንቕዱስ ዕላማ እተፈልየ ምዃን የመልክት። እስራኤላውያን ንየሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ገሊኦም ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ግና፡ ብፍሉይ መገዲ ንየሆዋ ተወፍዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እቲ መጠምጠምያኡ፡ “ቅዱስ ምልክት ተወፋይነት” ዚብሃል ዜንጸባርቕ ቀጸላ ወርቂ ይገብር ነይሩ እዩ። እቲ ቐጸላ ወርቂ እቲ ንፍሉይ ዕዮ ኸም እተፈልየ፡ ማለት ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኼገልግል ከም እተፈልየ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ዘሌ. 8:9) ናዝራውያን እውን ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ እተወፈዩ እዮም ነይሮም። እታ ናዚር ካብ ዚብል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት “ናዝራዊ” እትብል ቃል፡ “እተፈልየ” ወይ “እተወፈየ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ናዝራውያን ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተነብረ ቐይድታት እናሓለዉ እዮም ዚመላለሱ ነይሮም።—ዘሁ. 6:2-8።
4. (ሀ) እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዚውፍዩ ሰባት፡ ንቕዱስ ዕላማ ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) “ርእሱ ቐቢጹ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ንምዃንን ፍቓድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ንምሃብን ኢኻ እትውስን ዘለኻ። እሞ ደኣ ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ፡ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ . . . ይስዓበኒ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴ. 16:24) እታ “ርእሱ ቐቢጹ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ሓረግ፡ “ርእሱ ኸሊኡ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ርእስኻ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ የሆዋ ምስ ኰንካ፡ ምስ ፍቓዱ ዚጋጮ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትኣቢ ኣሎካ። (2 ቈረ. 5:14, 15) እዚ ኸኣ ንኸም ምንዝርና ዝኣመሰለ “ግብሪ ስጋ” ንየው ክትብሎ ኣሎካ ማለት እዩ። (ገላ. 5:19-21፣ 1 ቈረ. 6:18) እሞ ደኣ እዚ ቐይድታት እዚ ንህይወትካ ኣጸጋሚ ድዩ ዚገብሮ፧ ንየሆዋ እተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ ሕግታቱ እውን ንጥቕምኻ ምዃኑ እትኣምን እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣይከብደካን እዩ። (መዝ. 119:97፣ ኢሳ. 48:17, 18) ኒኮላስ ዝስሙ ሓው ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንመለክዒታት የሆዋ ኸምቲ ድሌትካ ኽትገብር ዚዓግተካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እተረብበ ዘንግታት ወይ ከምቲ ኻብ ሓደጋ ዚከላኸለልካ ንኣንበሳ ኣብ ጋብያኡ ዚሕዞ እተረብበ ዘንግታት ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ” ይብል።
ንመለክዒታት የሆዋ ኸምቲ ድሌትካ ኽትገብር ዚዓግተካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እተረብበ ዘንግታት ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፡ ወይስ ከምቲ ኻብ ሓደጋ ዚከላኸለልካ ንኣንበሳ ኣብ ጋብያኡ ዚሕዞ እተረብበ ዘንግታት፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
5. (ሀ) ብኸመይ ኢኻ ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
5 እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኻ ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ፧ ብጸሎት ኣቢልካ ንዕኡ በይኑ ኸም እተምልኾ፡ ንፍቓዱ ኸኣ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ከም እትህቦ ቓል ትኣትወሉ። እምበኣር፡ ንየሆዋ “ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን” ከም እተፍቅሮ ኢኻ ቓል እትኣቱ። (ማር. 12:30) ወፈያ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ የሆዋን ብብሕቲ ዚግበር ነገር እዩ። ጥምቀት ግና ኣብ ቅድሚ ሰባት እዩ ዚግበር፣ ነቶም ዚርእዩኻ ሰባት፡ ርእስኻ ኸም ዝወፈኻ እዩ ዚሕብሮም። ወፈያ ቕዱስ መብጽዓ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ መብጽዓኻ ሓሊኻ ንምምልላስ ሸቶ ኽትገብር ኣሎካ። የሆዋ እውን ከምኡ ኽትገብር እዩ ዚጽበየካ።—መክ. 5:4, 5።
ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ንዕኡ በይኑ ኸም እተምልኾን ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ኸም እተቐድምን ኢኻ ብብሕትኻ እትመባጻዕ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
6. ስለምንታይ እዩ ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ንምውፋይ ዚልዓዓል፧
6 ርእስኻ ንየሆዋ እትውፍየሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንዕኡ ስለ እተፍቅሮ እዩ። ፍቕርኻ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ “ልክዕ ፍልጠት”ን “መንፈሳዊ ግንዛበ”ን፡ ማለት ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋ እተምሃርካዮ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኸም ዚዓቢ ዝገበረ ነገራት እተሰረተ እዩ። (ቈሎ. 1:9) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበርካዮ መጽናዕቲ፡ (1) የሆዋ ናይ ሓቂ ምዃኑ፡ (2) መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈሱ እተጻሕፈ ቓሉ ምዃኑ፡ (3) ፍቓዱ ንምግባር ብውድቡ ኸም ዚጥቀም ኣእሚኑካ እዩ።
7. ርእስና ንኣምላኽ ቅድሚ ምውፋይና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
7 እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዚውፍዩ ሰባት፡ መሰረታዊ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጡ፡ ምስ መለክዒታቱ ተሰማሚዖም ንምምልላስ እውን ኪጽዕሩ ኣለዎም። ኵነታቶም ከም ዜፍቅደሎም፡ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ይነግሩ እዮም። (ማቴ. 28:19, 20) ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ዓብዩ እዩ፣ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ንምሃብ ድማ ድሌት ኣለዎም። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ መምህር ወይ ንወለድኻ ኸተሐጕስ ኢልካ ጥራይ፡ ወይ ምስ ኣዕሩኽካ ኽትመሳሰል ኢልካ ጥራይ ኣይኰንካን ርእስኻ እትውፊ ወይ እትጥመቕ።
8. ምስጋና ኣብቲ ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይ እትገብሮ ውሳነ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ (መዝሙር 116:12-14)
8 ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገር እንተ ሓሲብካ፡ ርእስኻ ንዕኡ ንምውፋይ ድሌት ይሓድረካ እዩ። (መዝሙር 116:12-14 ኣንብብ።) “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ካብ የሆዋ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (ያእ. 1:17) እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ድማ፡ ወዱ የሱስ መስዋእቲ ኪኸውን ምፍቃዱ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሳላ እቲ በጃ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልወካ ኽኢሉ እዩ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እውን ተኸፊቱልካ ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:9, 10, 19) ስለዚ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይ እትገብሮ ውሳነ ነቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩን ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝሃበካ በረኸትን ሞሳኻ እተርእየሉ መገዲ እዩ። (ዘዳ. 16:17፣ 2 ቈረ. 5:15) ብዛዕባ እዚ ሞሳ እዚ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 46 ነጥቢ 4 ጐሊሑ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ውህበታትካ ንኣምላኽ ኣቕርበሉ ዘርእስታ ሰለስተ ደቒቕ ዝንውሓታ ቪድዮ ኣላ።
ንወፈያን ንጥምቀትን ተዳሊኻ ዲኻ፧
9. ሓደ ሰብ ርእሱ ንምውፋይ ጸቕጢ ኺስምዖ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
9 ንወፈያ ወይ ንጥምቀት ከም ዘይተዳሎኻ ይስምዓካ ይኸውን። ምናልባት ምስ መለክዒታት የሆዋ ንምስምማዕ ገና ለውጥታት ክትገብር የድልየካ ይኸውን፡ ወይ ከኣ እምነትካ ንምድልዳል ግዜ የድልየካ ይኸውን። (ቈሎ. 2:6, 7) ኵሎም ተምሃሮ ብሕደ ፍጥነት ኣይኰኑን ዚጕዓዙ፣ ኵሎም ውሉዳት እውን ኣብ ሕደ ዕድመ ኣይኰኑን ናብ ወፈያን ጥምቀት ዚበጽሑ። ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ምስ ናይ ካልእ ሰብ እናኣነጻጸርካ ዘይኰነስ፡ ብመሰረት ዓቕምኻ ገምግሞ።—ገላ. 6:4, 5።
10. ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ገና ዘይተዳሎኻ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ (“ኣብ ሓቂ ንዚዓብዩ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
10 ሕጂ ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይ ገና ዘይተዳሎኻ እንተ ዄንካ፡ ናብቲ ሸቶ እቲ ኻብ ምግስጋስ ኣይተቋርጽ። የሆዋ ነቲ ለውጥታት ንምግባር እትገብሮ ጻዕርታት ምእንቲ ኺባርኾ፡ ናብኡ ጸሊ። (ፊል. 2:13፣ 3:16) ንሱ ንጸሎትካ ኸም ዚሰምዖን ከም ዚምልሰልካን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ዮሃ. 5:14።
ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ዚወላወሉ፧
11. የሆዋ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
11 ገሊኦም ንወፈያን ንጥምቀትን ብቑዓት ክነሶም፡ ነቲ ስጕምቲ እቲ ንምውሳድ ግና ይወላወሉ እዮም። ‘ደሓር ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይረ እሞ እንተ ተወጊደኸ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ከምኡ ዓይነት ፍርሂ እንተ ኣልዩካ፡ ‘ንየሆዋ እትበቅዕ ኴንካ ምእንቲ ኽትመላለስን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕሶን፡’ ንሱ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበካ ተኣማመን። (ቈሎ. 1:10) ቅኑዕ ንምግባር፡ ዜድልየካ ዘበለ ሓይሊ ኺህበካ እዩ። በቲ ንኻልኦት ዝገበረሎም ነገራት ኣቢሉ፡ ከምኡ ኺገብር ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። (1 ቈረ. 10:13) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውገዱ። የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ንምምልላስ ዜድልዮም ዘበለ የዕጥቖም እዩ።
12. ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸቢድ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ክትርሕቕ እትኽእል፧
12 ዘይፍጹም ዘበለ ሰብ፡ ጌጋ ንምግባር ይፍተን እዩ። (ያእ. 1:14) በቲ ፈተና እቲ ተሰኒፍካ ትገብሮ ዲኻ ወይስ ኣይትገብሮን ግና ናትካ ውሳነ እዩ። ስለዚ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም እትመላለስ፡ ንስኻ ኢኻ እትውስን። ገሊኦም ሰባት ንስምዒታትካ ኽትቈጻጸሮ ኸም ዘይትኽእል ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ሓቂ ግና ንግጉይ ትምኒታትካ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እውን ገሊኡ ግጉይ ትምኒታት እንተ ተቐልቀለ፡ ምእንቲ ኸይትገብሮ ገዛእ ርእስኻ ኽትገትእ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዕዉት ንምዃን፡ መዓልቲ መዓልቲ ጸሊ። ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ናይ ምግባር ጽቡቕ ልማድ ይሃሉኻ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣከብ። ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ንገር። ብቐጻሊ ነዚ ስጕምትታት እዚ ትወስድ እንተ ዄንካ፡ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባር ሓይሊ ኽትረክብ ኢኻ። የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ እውን ከቶ ኣይትረስዕ።—ገላ. 5:16።
13. ዮሴፍ እንታይ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧
13 ፈተና ኣብ ዜጋጥመካ እዋን እንታይ ከም እትገብር ኣቐዲምካ እንተ ወሲንካ፡ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባር ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ። ከማና ዘይፍጹማት ክነሶም ከምኡ ዝገበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ከተስድዖ ኢላ ብተደጋጋሚ ፈተነት። ንሱ ግና ብዛዕባ መትከሉ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኼዘንቱ ኸሎ፡ ብሓጺሩ “ኣበየ” ድሕሪ ምባል፡ “ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ ኸም እተዛረባ ይሕብረና። (ዘፍ. 39:8-10) ስለዚ ዮሴፍ፡ እቲ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ፈተና ምስ መጸ ኸኣ፡ እንታይ ከም ዚገብር ንምውሳን ቀሊልዎ።
14. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንዚቐርበልካ ፈተናታት ክትኣብዮ እትኽእል፧
14 ከመይ ገይሩ እዩ ኸም ናይ ዮሴፍ ዓይነት ቈራጽነት ኪህልወካ ዚኽእል፧ ፈተና ኣብ ዚልዓለሉ እዋን እንታይ ከም እትገብር ሕጂ ወስን። ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘበለ ምእባይ፡ ዋላ እውን ብዛዕባኡ ንዘይምሕሳብ ካብ ሕጂ ተምሃር። (መዝ. 97:10፣ 119:165) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፈተና ኣብ ዜጋጥመካ እዋን ካብ መትከልካ ኣይክትነቓነቕን ኢኻ። እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ ኣቐዲምካ ፈሊጥካ ኽትጸንሕ ኢኻ። ስለምንታይሲ፡ ኣንፈትካ ሓሪኻ ኢኻ እትጐዓዝ።
15. ሓደ ሰብ ንየሆዋ ‘ኣጸቢቑ ኸም ዚደልዮ’ ብኸመይ ኬርኢ ይኽእል፧ (እብራውያን 11:6)
15 ምናልባት ሓቂ ኸም ዝረኸብካን ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ኸተገልግሎ ኸም እትደልን ትፈልጥ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ርእስኻ ኸይትውፍን ከይትጥመቕን ገለ ነገር ይሕዘካ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንሱ ንየሆዋ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ። መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ። ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣ ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (መዝ. 139:23, 24) የሆዋ ነቶም “ኣጸቢቖም ዚደልይዎ” ይባርኾም እዩ። ናብ ወፈያን ጥምቀትን ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ ኸም እትደልዮ እዩ ዜርኢ።—እብራውያን 11:6 ኣንብብ።
ብቐጻሊ ንየሆዋ ቕረቦ
16-17. እቶም ኣብ ሓቂ ዝዓበዩ ሰባት ብየሆዋ ይስሓቡ እዮም ኪብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃንስ 6:44)
16 የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኺዛረብ ከሎ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዚስሕቦም ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 6:44 ኣንብብ።) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ከም ዝዀነን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚምልከተካን እሞ ሕሰብ። የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናብኡ ዚስሕቦ ሰብ፡ ጽቡቕ ነገር ይርኢ እዩ። ነቲ ሰብ እቲ ኸም “ፍሉይ ጥሪቱ” ወይ ከም “ዜኽብሮ ገንዘቡ” ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ዘዳ. 7:6፣ እ.ጽ.) ንዓኻ እውን ከምኡ ገይሩ እዩ ዚርእየካ።
17 እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሓቂ ዝዓበኻ ውሉድ እንተ ዄንካ፡ ምስ ካልኦት ተለኪምካ እትጐዓዝ ዘለኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእ. 4:8፣ 1 ዜና 28:9) ንየሆዋ ኽትቀርቦ ኢልካ ንስኻ ባዕልኻ ተበግሶ እንተ ወሲድካ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ። የሆዋ፡ ክፍሊ ሓደ ጕጅለ ኸም ዝዀንካ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእየካ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ እንተላይ ኣብ ሓቂ ንዝዓበየ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልቂ እዩ ዚስሕቦ። ሓደ ኣብ ሓቂ ዝዓበየ ሰብ ንየሆዋ ኪቐርቦ ኢሉ ተበግሶ እንተ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣብ ያእቆብ 4:8 ተጠቒሱ ዘሎ፡ የሆዋ እውን ይቐርቦ እዩ።—ምስ 2 ተሰሎንቄ 2:13 ኣረኣኢ።
18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (መዝሙር 40:8)
18 ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ምስ እትጥመቕ፡ ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ኢኻ እተንጸባርቕ። ንሱ እተሓትቶ ዘበለ ዅሉ ንምግባር፡ ገዛእ ርእሱ ብፍታው ናብ ኣቦኡ ኣቕረበ። (መዝሙር 40:8 ኣንብብ፣ እብ. 10:7) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ድሕሪ ጥምቀት ወትሩ ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል እንታይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ክንርኢ ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ምስጋና፡ ርእስኻ ኽትውፊ ዚድርኸካ ብኸመይ እዩ፧
ከቢድ ሓጢኣት ከይትፍጽም ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧
መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ