ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ግንቦት ገጽ 14-19
  • ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብቐጻሊ ስበኽ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብቐጻሊ ስበኽ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ
  • ንሰባት ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ
  • ንየሆዋን ንስሙን ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ
  • ክሳዕ መወዳእታ ኽንሰብኽ ኢና
  • ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ግንቦት ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20

መዝሙር 67 “ነቲ ቓል ስበኽ”

ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብቐጻሊ ስበኽ!

“ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።”—ማር. 13:10።

ኣትኵሮ

ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣትን ብምሉእ ነፍስናን ንምግልጋል ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትድርኸና።

1. ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ 2023 እንታይ ኢና ተማሂርና፧

ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ 2023፡a ብዛዕባ ገሊኡ እምነታትና ኣዝዩ ዜሐጕስ ዝነጸረ ትምህርትታት ረኺብና ኢና። ብዛዕባ ኣገልግሎትና እውን መሳጢ ምልክታታት ሰሚዕና ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን እኳ፡ ምስ ህዝቢ የሆዋ ንምውጋን ኣጋጣሚ ኸም ዚረኽቡ ተማሂርና ኢና። ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዙ እውን፡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንመብዛሕትኡ ንጥፈታት ኣገልግሎቶም ጸብጻብ ኪህቡሉ ኸም ዘየድልዮም ፈሊጥና ኢና። እሞ ደኣ እዚ ለውጥታት ነቲ ኣገልግሎትና ዘለዎ ኣገዳስነት ወይ ህጹጽነት ይንክዮ ድዩ፧ ኣይፋልን!

2. መዓልቲ ሓሊፋ ብመዓልቲ ኽትትካእ ከላ፡ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ህጹጽ እናዀነ ዚኸይድ ስለምንታይ እዩ፧ (ማርቆስ 13:10)

2 መዓልቲ ሓሊፋ ብመዓልቲ ኽትትካእ ከላ፡ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ህጹጽ እናዀነ እዩ ዚኸይድ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ግዜ ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚግበር ዕዮ ስብከት እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ ንዘክር። (ማርቆስ 13:10 ኣንብብ።) ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ “መወዳእታ” ቕድሚ ምምጻኡ፡ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ። (ማቴ. 24:14) እቲ ኣብዚ “መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ዚጠፍኣሉ እዋን እዩ ዜመልክት። የሆዋ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዜጋጥም ፍጻመታት፡ ‘ሰዓትን መዓልትን’ መዲቡሉ ኣሎ። (ማቴ. 24:36፣ 25:13፣ ግብ. 1:7) መዓልቲ ሓሊፋ ብመዓልቲ ኽትትካእ ከላ፡ ናብቲ ግዜ እቲ ኢና እናቐረብና እንኸይድ። (ሮሜ 13:11) እምበኣር፡ መወዳእታ ኽሳዕ ዚመጽእ ስብከትና ኸነቋርጽ የብልናን።

3. እንታይ እዩ ኽንሰብኽ ዚድርኸና፧

3 ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኽንምርምር ከለና፡ ነዛ እትስዕብ ኣገዳሲት ሕቶ ኸነበግሳ ኣሎና፦ ስለምንታይ ኢና ነቲ ብስራት እንሰብኽ፧ ብሓጺሩ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኢና እንሰብኽ። እቲ ኣብ ስብከትና እንገብሮ ነገር፡ ንፍቕርና እዩ ዜንጸባርቕ። ነቲ ብስራት ዘሎና ፍቕሪ፡ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋን ንስሙን ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዜንጸባርቕ። እምበኣር፡ ነዚ በብሓደ ንመርምሮ።

ነቲ ብስራት ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ

4. ዝዀነ ብስራት ምስ ሰማዕና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧

4 ዝዀነ ብስራት ምስ ሰማዕካ፡ ንበል ኣብ ቤተ ሰብኩም ሕጻን ምስ ተወልደ ወይ ስራሕ ምስ ረኸብካ፡ ከመይ ከም እተሰምዓካ ትዝክሮዶ፧ ነቲ ብስራት ንቤተ ሰብካን ንፈተውትኻን ንምክፋል ህንጥዮት ከም ዝሓደረካ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ብስራት ዝዀነ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰማዕካኸ ኸምኡ ድዩ ተሰሚዑካ፧

5. ንፈለማ ግዜ ኻብ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምስ ተምሃርካ እንታይ እዩ ተሰሚዑካ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

5 ንፈለማ ግዜ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ኣብ ዝሰማዕካሉ እዋን፡ ከመይ ከም እተሰምዓካ እሞ ዘክሮ። እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ኸም ዜፍቅረካ፡ ክፍሊ እቶም ኣምለኽቱ ኽትከውን ከም ዚደልየካ፡ ንስቓይን ንመከራን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ሰብካ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብህይወት ክትረኽቦም ተስፋ ኸም ዘሎካ፡ ከምኡ እውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ፈሊጥካ። (ማር. 10:29, 30፣ ዮሃ. 5:28, 29፣ ሮሜ 8:38, 39፣ ራእ. 21:3, 4) እዚ ሓቅታት እዚ ንልብኻ ብሓጐስ መሊእዎ። (ሉቃ. 24:32) ነቲ እተምሃርካዮ ኽቡር ሓቅታት ስለ ዝፈቶኻዮ ኸኣ፡ ንበይንኻ ሒዝካዮ ስቕ ክትብል ኣይከኣልካን!—ምስ ኤርምያስ 20:9 ኣረኣኢ።

ሓደ ሓው በታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ ንሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዖ። ስእልታት፦ እቲ ሰብኣይ ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ንኻልኦት ይነግሮም። 1. ንመሳርሕቱ። 2. ንኣባላት ቤተ ሰቡ። 3. ንዓርኩ።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ምስ ሰማዕና፡ ነቲ ኽቡር ሓቅታት ንበይንና ሒዝናዮ ኽንነብር ኣይከኣልናን! (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. ካብ ተመክሮ አርነስትን ሮዝን እንታይ ተማሂርካ፧

6 ሓደ ተመክሮ እስከ ንርአ። አርነስትb ዝስሙ ሓው ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎ፡ ኣቦኡ ሞተ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ድማ፡ “‘ንሰማይዶ ኸይዱ ይኸውን፧ ወይስ ንዘለኣለም እዩ ኻብ ህላወ ኣቋሪጹ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ቈልዑ ምስ ኣቦኦም ክርኢ ኸለኹ እቐንእ ነበርኩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ብተደጋጋሚ ናብ መቓብር ኣቦኡ እናኸደ ድማ፡ ኣብኡ ተምበርኪኹ፡ “ኣታ ኣምላኽ በጃኻ፡ ኣቦይ ኣበይ ከም ዘሎ ኽፈልጥ እደሊ እየ” ኢሉ ይጽሊ ነበረ። ካብቲ ኣቦኡ ዝሞተሉ ኣስታት 17 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዕድመ ቐረበሉ፣ ንሱ እውን ነዚ ዕድመ ተቐበሎ። ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ፡ ከምዚ ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ዘሎ ሰብ ከም ዝዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዜተስፉ ምስ ተማህረ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። (መክ. 9:5, 10፣ ግብ. 24:15) ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ ዜጨንቖ ዝነበረ ሕቶታት መልሲ ረኸበሉ። አርነስት በቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ እዩ ተሓጒሱ። ሰበይቱ ሮዝ ከኣ ኣብቲ መጽናዕቱ ተጸምበረቶ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ፍቕሪ ሓደራ። ብ1978 ድማ ክልቲኦም ተጠምቁ። ብዛዕባ እቲ ኽቡር እምነቶም ከኣ ንቤተ ሰቦምን ንፈተውቶምን ንዚሰምዖም ዘበለ ዅሉን ብውዕዉዕ መንፈስ ኪነግሩ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንልዕሊ 70 ሰባት ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ሓገዝዎም።

7. ኣብ ልብና ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ እንተ ኣሕዲርና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ (ሉቃስ 6:45)

7 እምበኣር፡ ኣብ ልብና ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ እንተ ኣሕዲርና፡ ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። (ሉቃስ 6:45 ኣንብብ።) ከምቶም “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም እተዛረቡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዩ ዚስምዓና። (ግብ. 4:20) ንሓቂ ኣዚና ስለ እንፈትዋ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ክንነግሮም ንደሊ ኢና።

ንሰባት ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ

8. ነቲ ብስራት ናብ ሰባት ንምብጻሕ ዜለዓዕለና እንታይ እዩ፧ (“ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ከም የሆዋን ወዱን፡ ንሰባት ፍቕሪ ኣሎና። (ምሳ. 8:31፣ ዮሃ. 3:16) ነቶም “ብዘይ ኣምላኽ” ዝዀኑን ‘ተስፋ ዘይብሎምን’ ሰባት ንርሕርሓሎም ኢና። (ኤፌ. 2:12) በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ኣብ ታኼላ እዮም ዚሽመሙ ዘለዉ። ንሕና ኸኣ ህይወቶም ንምድሓን ዚሕግዝ ነገር ኣሎና፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎና። ንሰባት ዘሎና ፍቕርን ርሕራሐን፡ ነቲ ብስራት ናባታቶም ንምብጻሕ ዚከኣለና ኽንጽዕር የለዓዕለና እዩ። እቲ ኽቡር መልእኽቲ ድማ፡ ንልቦም ብተስፋ ኺመልኦ፡ ሕጂ ብሉጽ ህይወት ንምርካብ ኪሕግዞም፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም “ናይ ሓቂ ህይወት” ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እውን ኬኽእሎም እዩ።—1 ጢሞ. 6:19።

ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኣብ ካፈ ዝረኸበታ ሰበይቲ ብትራክት ገይራ ትምስክረላ።

ንሰባት ዘሎና ፍቕርን ርሕራሐን፡ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምንጋር ዚከኣለና ኽንገብር ይድርኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር

ኣብዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ፡ ፍቕሪ ኸነርእን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዜኽእለና ባህርያት ዝሓዘ 12 ትምህርቲ ኣሎ። ኵሉ እቲ ትምህርትታት ከኣ፡ ኣብቲ ንሕና ኽንብሎ እንደሊ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንሰባት ዜተሓሳስቦምን ዜገድሶምን ነገራት ከነተኵር ይሕግዘና። ስለዚ፡ ‘ኣብ ኣእምሮኦም እንታይ እዩ ዘሎ፧ እንታይ እዩ ዜድልዮም፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ከምቲ ኣብ መእተዊ እታ ብሮሹር ተጠቒሱ ዘሎ ድማ፡ “ፍቕሪ፡ . . . ካብ ዝዀነ ይኹን ተክኒክ ንላዕሊ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሸቶ ኽትወቅዕ ክትሕግዘካ እያ።”

9. ብዛዕባ መጻኢ እንታይ መጠንቀቕታ ኢና እንህብ ዘለና፧ ስለምንታይከ፧ (ህዝቅኤል 33:7, 8)

9 ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ ብዛዕባ እቲ እናቐረበ ዚኸይድ ዘሎ ጥፍኣት እዛ እክይቲ ዓለም ከነጠንቅቖም እውን የለዓዕለና እዩ። (ህዝቅኤል 33:7, 8 ኣንብብ።) ንጐረባብትናን ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብናን ንድንግጸሎም ኢና። ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ኸይፈለጡ እዮም ናብራኦም ዚገብሩ ዘለዉ። እወ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ” እዩ ዚመጽእ ዘሎ። (ማቴ. 24:21) ኣብ እዋን ፍርዲ እንታይ ከም ዚኸውን ኪፈልጡ ንደልዮም ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጠፍእ እያ፣ ደድሕሪኡ ድማ ብዘሎ እቲ እኩይ ስርዓት ብኣርማጌዶን ኪጠፍእ እዩ። (ራእ. 16:14, 16፣ 17:16, 17፣ 19:11, 19, 20) ብዙሓት ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ሕጂ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኺሓብሩና እዩ ትምኒትና። እንተዀነ ግና፡ እቶም ሕጂ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኺሰምዑ ዘይደልዩ፡ እንተላይ እቶም እነፍቅሮም ቤተ ሰብና እንታይ እዮም ኪዀኑ፧

10. ነቲ መጠንቀቕታ ብህጹጽ ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ነቶም ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ርእዮም ሓሳቦም ዚቕይሩ ሰባት ኪድሕኑ ይፈቅድ ይኸውን። ከምኡ ዚኸውን እንተ ዀይኑ፡ ብዝያዳ ናይ ህጹጽነት መንፈስ፡ እቲ መጠንቀቕታ ኽንእውጅ ኣሎና። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ሕጂ እንነግሮም ነገር፡ ሽዑ ይዝክርዎ ይዀኑ። (ምስ ህዝቅኤል 33:33 ኣረኣኢ።) ምናልባት ነቲ ኻባና ዝሰምዕዎ መጠንቀቕታ ዘኪሮም መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ምሳና ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ይጽምበሩ ይዀኑ። ከምቲ “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ምስ ኰነ ሓሳቡ ዝለወጠ ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ሓላው እሱራት፡ ገሊኦም ሕጂ ዘይሰምዑና ዘለዉ ሰባት እውን ንዓለም ዜናውጽ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ምስ ኣጋጠመ ሓሳቦም ይልውጡ ይዀኑ።—ግብ. 16:25-34።

ንየሆዋን ንስሙን ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና እንሰብኽ

11. ብኸመይ ኢና ንየሆዋ ግርማን ክብርን ሓይልን እንህቦ፧ (ራእይ 4:11) (ስእልታት እውን ርአ።)

11 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንሰብከሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ነቲ ቕዱስ ስሙን ፍቕሪ ስለ ዘሎና እዩ። ንኣገልግሎትና፡ ነቲ እነፍቅሮ ኣምላኽና እንውድሰሉ መገዲ ኸም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። (ራእይ 4:11 ኣንብብ።) የሆዋ ኣምላኽ ካብ እሙናት ኣምለኽቱ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ከም ዝዀነ ብምሉእ ልብና ንሰማምዓሉ ኢና። ንዅሉ ንሱ ኸም ዝፈጠሮ፡ ብሳላኡ እውን ኣብዚ ኸም ዘለና ዜእምን መርትዖ ኸነቕርብ ከለና፡ ግርማን ክብርን ንህቦ ኢና። ኵነታትና ኣብ ዚፈቕደልና ዘበለ ዅሉ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንኣገልግሎት ብምውፋይ ከኣ፡ ሓይልና ንህቦ ኢና። (ማቴ. 6:33፣ ሉቃ. 13:24፣ ቈሎ. 3:23) ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ እቲ እነፍቅሮ ኣምላኽና የሆዋ ምዝራብ ንፈቱ ኢና። ብዛዕባ ስሙን ብዛዕባ ትርጉም ስሙን ክንነግር እውን ንለዓዓል ኢና። ስለምንታይ፧

ስእልታት፦ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እነካፍለሉ መገድታት። 1. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓንቲ ሰበይትን ንደቃን ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ ይምስክሩሎም። 2. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡስ ንሓንቲ ሰበይቲ ትምስክረላ። 3. ሓደ ሓው ብዕረፍቲ ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ከደ፡ ንሓደ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ዝበለ ሰብኣይ ይዛረቦ።

ኵነታትና ኣብ ዚፈቕደልና ዘበለ ዅሉ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንኣገልግሎት ብምውፋይ፡ ንየሆዋ ሓይልና ንህቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


12. ኣብ ኣገልግሎትና ንስም የሆዋ እንቕድሶ ብኸመይ ኢና፧

12 ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ፡ ስሙ ንምቕዳስ እውን የለዓዕለና እዩ። (ማቴ. 6:9) ኣብቲ ንስሙ ኻብ ወቐሳ ሓራ ንምግባር ዚግበር ነገራት እጃምና ኸነበርክት ንደሊ ኢና። ስለምንታይሲ፡ ሰይጣን በቲ ዝነዝሖ ሓሶት ኣቢሉ ንስሙ ጠቂንዎ ኣሎ። (ዘፍ. 3:1-5፣ እዮ. 2:4፣ ዮሃ. 8:44) ኣብ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽና ኽንቀውም፡ ንዚሰምዓና ዘበለ ዅሉ እውን ብዛዕባኡ ሓቂ ኽንነግር ንደሊ ኢና። እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ባህርዩ ፍቕሪ ምዃና፡ ኣገዛዝኣኡ ቕኑዕን ፍትሓውን ምዃኑ፡ መንግስቱ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ መከራ ኣወጊዳ ሰላምን ሓጐስን ከም እተምጽእ ንዅሉ ሰብ ከነፍልጥ ንደሊ ኢና። (መዝ. 37:10, 11, 29፣ 1 ዮሃ. 4:8) ኣብ ኣገልግሎትና፡ ብዛዕባ የሆዋ እዚ ነገራት እዚ ኽንነግር ከለና፡ ንስሙ ኢና እንቕድሶ ዘለና። ምስ ስምና ተሰማሚዕና ንመላለስ ብምህላውና እውን ዕግበት ይስምዓና እዩ። ብኸመይ፧

13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ምዃንና ዜሐብነና ስለምንታይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 43:10-12)

13 የሆዋ፡ “መሰኻኽረይ” ኢሉ ጸዊዑና ኣሎ። (ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።) ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እተላእከት ደብዳበ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ተባሂልና እንጽዋዕ ምዃንና፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ ኽብሪ እዩ” ተባሂሉ ነይሩ እዩ።c ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምሳሌ እስከ ንርአ። ኣብ ቤት ፍርዲ ዚምስክረልካ ሰብ ምስ ዜድልየካ፡ እትፈልጦ፡ እትኣምኖ፡ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ሰብ ኢኻ እትሓሪ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዓና መሰኻኽሩ ኽንከውን ኪሓርየና ኸሎ፡ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠናን ንሱ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኽንምስክር ከም ዚኣምነናን እዩ ዜርኢ ዘሎ። መሰኻኽሩ ብምዃንና ዓብዪ ኽብሪ ስለ ዚስምዓና፡ ስሙ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር፡ ነቲ ብዛዕባኡ እተወርየ ብዙሕ ሓሶት ድማ ንምፍሻል፡ ዝረኸብናዮ ዘበለ ዅሉ ኣጋጣሚታት ንጥቀም ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ምስ ስምና ተሰማሚዕና ንመላለስ ኢና። እወ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንብሃል ምዃንና የሐብነና እዩ!—መዝ. 83:18፣ ሮሜ 10:13-15።

ክሳዕ መወዳእታ ኽንሰብኽ ኢና

14. ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ እንታይ ልቢ ዚሰልብ ነገራት ኪኸውን ኢና እንጽበ፧

14 ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ ልቢ ዚሰልብ ነገራት እዩ ኼጋጥም። ብበረኸት የሆዋ ኸኣ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ብዙሓት ሰባት ሓቂ ኪቕበሉ ተስፋ ንገብር ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝጸልመተ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ማለት ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሰባት ካብታ ናብ ጥፍኣት እትንቈት ዘላ ዓለም ወጺኦም ምሳና ንየሆዋ ኺውድስዎ ኣጋጣሚ ምርካቦም የሐጕሰና እዩ።—ግብ. 13:48።

15-16. ብሕጂ እውን እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘለና፧ ክሳዕ መዓስከ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

15 ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ዕዮ ኣሎና። እቲ ድሕሪ ሕጂ ዘይድገም ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ናይ ምንጋር ኣጋጣሚ ኣሎና። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ግና መጠንቀቕታ ኽንነግር ኣሎና። መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ይቐርብ ከም ዘሎ፡ ሰባት ኪፈልጡ ኣለዎም። ድሕሪኡ፡ መዓልቲ ፍርዲ ምስ ኣኸለ፡ እቲ ዝሰበኽናዮ መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም።—ህዝ. 38:23።

16 እሞ ደኣ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ ብፍቕሪ ተለዓዒልና፡ እወ በቲ ነቲ ብስራት ዘሎና ፍቕሪ፡ በቲ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ በቲ ንየሆዋ ኣምላኽን ንስሙን ዘሎና ፍቕሪ ተለዓዒልና፡ የሆዋ “ይኣክል” ክሳዕ ዚብል ብህንጥዮትን ብናይ ህጹጽነት መንፈስን ብቕንኣትን ክንሰብኽ ኢና!

እዚ ዚስዕብ ነገራት ክንሰብኽ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧

  • ነቲ ብስራት ዘሎና ፍቕሪ

  • ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ

  • ንየሆዋን ንስሙን ዘሎና ፍቕሪ

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

a እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብቲ ኣብ ኒውበርግ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ተኻይዱ። ብምሉኡ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ፈነወ JW፡ 1ይ ክፋሉ ኣብ ናይ ሕዳር 2023፡ 2ይ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ጥሪ 2024 ተመሓላሊፉ እዩ።

b ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር—በቲ ንጹርን ርትዓውን መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሲጠ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ናይ መጋቢት 2007 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ